ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቦዝኒያን ሀርዘጎቪናን ርእሰ ብሔር ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቦዝኒያን ሀርዘጎቪናን ርእሰ ብሔር  (Vatican Media)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቦዝኒያን ሀርዘጎቪናን ርእሰ ብሔር

ኣብ መንጐ ቦዝንያ ሀርዘጎቪናን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ሰናይ ርክብ ብክልቲኣተን ሃገር ከም እተረጋገጸን ብዛዕባ ሓባራዊ ጒዳያት ውሽጣውን ዛዕባ ባልካናዊ ዞባን ዓለም ለኻውን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት እውን ኣማእኪሎም ከም እተመያየጡ

ዕለት 17 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ቦዝኒያን ሀርዘጎቪናን ተረይና ርእሰ ብሔር ዠልጂኮ ኮምሺች ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ኮምሺች ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቦዝኒያን ሀርዘጎቪናን ርእሰ ብሔር
ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቦዝኒያን ሀርዘጎቪናን ርእሰ ብሔር

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቦዝኒያን ሀርዘጎቩናን ተረይና ርእሰ ብሔር ዠልጂኮ ኮምሺች ድሕሪ ምስ ቅዱንቶም ዘካየድዎ ርክብ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪቻርድ ጋላገር ተራኺቦም ኣብ መንጐ ቦዝንያ ሀርዘጎቪናን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ሰናይ ርክብ ብክልቲኣተን ሃገር ከም እተረጋገጸን ብዛዕባ ሓባራዊ ጒዳያት ውሽጣውን ዛዕባ ባልካናዊ ዞባን ዓለም ለኻውን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት እውን ኣማእኪሎም ከም እተመያየጡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ርእሰ ብሔር ቦዝኒያን ሀርዘጎቪናን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር “ሕጋውን ማሕበራውን ማዕርነት ኵሎም ዜጋታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ንምድንፋዕ ኣድላዪ ምዃኑ” ገሊጾም ኣስዒቦም እውን ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያት ቦዝንያን ሀርዘጎቪናን ኵነታት ምዕራባውያን ሃገራት ባልካንን ምስፋሕ ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ኣማእኪሎም እውን ከም እተመያየጡ ኣፍሊጡ።

ርክብ  ርእሰ ብሔር ዠልጂኮ ኮምሺች ድሕሪ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪቻርድ ጋላገር
ርክብ ርእሰ ብሔር ዠልጂኮ ኮምሺች ድሕሪ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪቻርድ ጋላገር
19 January 2022, 09:29