ድለ

ኣህጉራዊ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል 2022 ዓ.ም.፡ ር.ሊ.ጳ. ትብዓት ቀዳሞት ክርስቲያን ዳግም ነሀልው ኣህጉራዊ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል 2022 ዓ.ም.፡ ር.ሊ.ጳ. ትብዓት ቀዳሞት ክርስቲያን ዳግም ነሀልው 

ኣህጉራዊ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል 2022 ዓ.ም.፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ትብዓት ቀዳሞት ክርስቲያን ዳግም ነሀልው

እተን “ንስኻትኵም መሰካኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” ዝብላ ቃላት ቅዱስነቶም ናይቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቅዉም ነገር ገይሮም ኢየሱስ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ መሰኻኽሩ ኪኾኑ ከምዝኾኑን እዚ እውን ብጸጋ ዝቐውም ልኡካውነት ምዃኑ ኣብሪሆም ከምኡ እውን “እታ ማሕበረሰብ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ንኽርስቶስ ካብ ምምስካር ሓሊፋ ካልእ ተልኾ የብላን፡”

ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 6 ጥሪ ዓመታዊ በዓለ ግልጸት ዘእግዚእነ ምስ እተብዕለሉ ዕለት ተተሓሒዙ ኣህጉራዊ ልኡካነ ወንጌል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝበዓል ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓዓመት ወርሒ ሕዳር ናይ መወዳእታ ሰንበት ዝበዓል ኣህጉራዊ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል ምኽንያት ድሮ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን እዚ ዕለት 6 ጥሪ ወግዓዊ ዝኾነ መልእኽቲ ቅዱስነቶም፥ “ብዙሓት ክርስቲያን ካብ ሃገሮም ክስደዱ ዝግደዱ ምዃኖም ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ ፍቕሪ ክርስቶስ ንኸተበስር ወትሩ ካብ ዶባታ ወጻኢ ከተብል” ከም ዘለዋ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕለት 23 ሕዳር 2022 ዓ.ም. ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል መርሕ ቃል “ንስኻትኵም መሰኻኽር ክትኮኑኒ ኢኻትኵም” ዝብል ክኸውን እንከሎ። ቤተ ክርስቲያን ብባህርያ ልእኽቲ ወንጌል እያ። ወንጌላዊት ምዃና መንነታ እዩ። ኢየሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ፥ “ካብቲ ናባኻትኵም ዝወርድ መንፈስ ቅዱስ ብርታዕ ክትቕበሉ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ መላእ ይሁዳን ሰማርያን ክሳዕ መወዳእታ ምድርን ከኣ ምስክር ክትኰኒኒ ኢዅም” ዝብል ትእዛዝ ሃቦም። ነዚ መሰረት ብምግባር ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ናይ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ህይወትን ልኣኡካነ ወንጌላውነት ዘተኮረ ኣስተንትኖ ይልግሱ።

መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም!

እተን “ንስኻትኵም መሰካኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” ዝብላ ቃላት ቅዱስነቶም ናይቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቅዉም ነገር ገይሮም ኢየሱስ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ መሰኻኽሩ ኪኾኑ ከምዝኾኑን እዚ እውን ብጸጋ ዝቐውም ልኡካውነት ምዃኑ ኣብሪሆም ከምኡ እውን “እታ ማሕበረሰብ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ንኽርስቶስ ካብ ምምስካር ሓሊፋ ካልእ ተልኾ የብላን፡” ኢየሱስ መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም ዝብል ዝተጠቀመሉ መጸውዕ ናይቲ ጸዋዕታ ልኡካውነት ዘለዎ ሓባራዊ ባህርዪ ዘመላኽት ምዃኑ የተሓሳስቡ።

ነፍሲ ወከፍ እተጠመቐ ሰብ ናብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ እዩ ዝጽዋዕ . . . ስለዚ ተልእኾ ብውልቅን ብርእሰ ተበግሶ ዘይኮነስ ብሓባር እዩ ዝፍጸም . . . ኣብ ኣዚዩ ፍሉይ ኵነታት ተልእኾ ወንጌል ንበይኑ ዚፍጽም ሰብ እኳ እንተሎ እዚ እውን እንተኾነ ምስታ ዝለኣኸቶ ቤተ ክርስቲያን ብሁባሬ እዩ ዝፍጽሞ!

እቲ ዝምስከር ድማ ክርስቶስ እዩ

ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብታ “ወንጌል ምእዋጅ” ዘርእስታ ሓዋርያዊት ምዕዳኖም፥ “ወንጌላውነት ብውልቃውነትን ዝሳለጥ ተግበር ዘይኮነስ ብጥልቂ ኤቅለሳዊ ተግባር እዩ” እንክብሉ ዘንበርዎ ሓሳብ ቅዱስነቶም ጠቒሶም፥ . . . ዝልእኽ ኢየሱስ ከምዝኾነን ናይቲ ምስክርነት ማእከል ድማ ክርስቶስ ምዃኑ እንከብርሁ፥

ልኡካነ ክርስቶስ ገዛእ ርእሶም ንኸቕርቡን ዘእምን ባህርያቶምን ክእለቶምን ወይ ናይ ምምሕዳር ክእለቶም ንኸርእዩ ኣይኮነን ዝለኣዅ ኣይኮኑን። ኣብ ክንዱኡ ከምቶም ቀዳሞት ሃዋርያት ብቓልን ግብርን ንኵላዊ ብስራት ድሕነት ብሓጐስ ግልጽነት ብዝመልኦ ኣገልግሎት ብምእዋጅ ንኽርስቶስ ምቕራብ እዩ፡ እዚ እዩ እቲ ዝለዓለ መዳርግቲ ዘይብሉ ክብሪ ተልእኾ።

ቅዱስነቶም ካብቲ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ሓዋርያዊ ምዕዳን ከይወጹ፥ ብፍላይ ከኣ “ሰብ እዋናዊ ዓለም ካብ መምሃራን ንላዕሊ ንመሰካኽር እዩ ብፋዉ ዝሰምዕ” እብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣማእኺሎም፥

ስለዚ ኣብ ወንጌላውነት፥ ኣብነት ክርስቲያናዊ ህይወትን ኣዋጅ ክርስቶስን ንሓድሕዱ ተማራዃሲ እዩ። ዘይነጻጸግ ባህርይ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ልኡካነ ወንጌል ዘስተንፍሰሉ ክልተ ሳናቡእ እዩ። እዚ ኣብ ሻልሻይ ሺሓዊ ዓመት ንኽርስቶስ ዚወሃብ ስኑይን ዜሐጒስ ምስክርነት ዕቤት ቤተ ክርስቲያንን ማርኾትን ዘምጽእ እዩ።  ስለዚ ኵሉ ሰብ ነቲ ቀዳሞት ማሕበረ ክርስቲያን ዝነበሮም ትብዓት ቅንዕናን ክርስቶስ ብቓልን ግብርን ኣብ ኵሉ ናይ ህይወት ሃዋሁ ክምስክር እምሕጸን።

ክሳዕ ጫፍ ምድሪ!

ኢየሱስ እቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም ተልእኾ ካብ ኢየሩሳሌም ኣትሒዙ ክሳዕ ‘መወዳእታ ምድሪ’ ዝዝርጋሕ ኵላዊ ባህርይ ዘለዎ እዩ፥ እዚ ግና ሃይማኖት ንምስዳዕ ዘይኮነ ክርስቶስን ምእዋን ዝብል እዩ። ክርስቲያን ሃይማኖት ዘስድዕ ዘይኮነ እዚ ኸኣ “ናይታ እትወጽእን ናብ እትብልን ቤተ ክርስቲያን” ተክለ ሰብነት እዩ፡

ኣብዚ ግዜና እውን ተመሳሳሊ ነገር የጋጥም እዩ። ብዙሓት ክርስቲያን ብሰንኪ ሃይማኖታዊ መስጐጒትን ወግእን ዓመጻን ካብ ሃገሮም ናብ ካልእ ሃገራት ክስደዱ ይግደዱ እዮም። ነዞም መከራ እናጋጠሞም ክነሶም ብዛዕባ ክርስቶን ፍቕሪ ኣማልኽን ዚምስክሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ከነመስግኖም ይግባእ!

ክሳብ “መወዳእታ ምድሪ” ምኻድ ዝብል ትእዛዝ ኣብ ኵሉ እዋን ንዘለዉን ዝህልውን ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ሓባሪ ምልክት እዩ፥

ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ሓዲሽ መልክዓ-ምድራውን ማሕበራውን ህላወን ናብቲ ኣብ ወሰናስን ህልውናን መልክዓ ምድርን ናብ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነት ገጻ ብምኻድ ንዅሎም ሕዝብታትን ባህልን ማሕበራዊ ኣርካንን ንዘለዉ ክርስቶስን ፍቕሩን ንኽተብጽሕ ትጓዓዝ - ወትሩ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን እያ። በዚ መዳይ እዚ ከምቲ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ዝምህረና ተልእኾ ወትሩ ‘ናብ ኣህዛብ” እዩ ክኸውን ዘለዎ። ከመይሲ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ክርስቶስ ንዅሎም ሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ንምምካር ካብ ዶባት ወጻኢ ክሳብ ጫፍ ምድሪ ክትከይድ ኣለዋ።

ሓይሊ መንፈስ ቅትቅበሉ ኢኹም

ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢይ ሓላፍነት ዝሓትት ተልኾ እዚ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ከም ዚዕወቱ ማለት መንፈስ ቅዱስ ብርታዐን ጥበብን ከምዝህቦም ተመባጻዓሎም። ብዘይ መንፈስድ ቅዱስ ዝዀነ ይዅን ክርስቲያን ብምልኣት ክርስቶስ ክምስክርን ከበስርን ኣይክእልን እዩ፥

ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ልኡኽ ወዲ መዝሙር ኢየሱስ እቲ መንፈስ ቅዱስ ዝወስዶ ስጒምቲ መሰረታዊ ኣፍልጦ ንኽህበሉ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ምስኡ ንኽነበር ከምኡ እውን ካብኡ ዘይቋርጽ ብርታዐን ኣስተንፍሶን ንኽረክብ ይጽዋዕ። እውን ክንደክምን ክንጠፍእን እንከሎና ብጸሎት ናብ መንፈስ ቅዱስ ክንምለስ ከምዘሎና ንዘክር!

ቅዋሜ ጳጳሳዊ ግብረ ተልእኾ ወንጌል፥ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ!

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ለምዘበን ዝኽሪ ዓመት ቅዋመ ማለት እቲ ኣብ 1622 ዓ.ም. እተመስረተ ጉባኤ Propaganda Fide-ኣስፍሆተ እምነትን ከምኡ እውን ጳጳሳዊ በዓል መዚ ዝብል ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣፍልጦ ዝሃበትሉ ሰለስተ፥ ብቐዳምነት ብጹዕ ኣቡነ ቻርለስ ደ ፎርቢን ዣንሶን ዘበግስዎ ተልእኾ ወንጌል ቅዱስ ቁልዕነትን ብዣነ ቢጋርድ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ንኽድገፉ ብዝብል ዕላማ ዘቖመኦ ማሕበር ቅዱስ ጴጥሮስ፡ እቲ ቅድሚ ክልተ ሚእቲ ዓመት ብጽዕና እተኣወጀላ ፈረንሳዊት መንእሰይ ፓውሊነ ዣሪኮት ዝኾነ ማሕበር ዘርጋሒ እምነት ዘኪሮም፥

ኣብ ሓደገይና ኵነታት እውን ከይተረፈ እቶም እሙናት ኣብቲ “ክሳዕ መወዳእታ ምድሪ” ዝግበር ተልእኾ ብንጥፈት ምእንቲ ኪሳተፉ ኣምላኽ ንልኡካነ ወንጌል ናይ ጸሎትን ሓገዝ ንምእካብ ንዝኣመተ መደብ ኣስተንፎ ከምዝኾነን ካብዚ ዘደንቕ ሓሳብ እዚ ኣብ ዓዓመት እነብዕሎ ሰንበት ተልእኾ ወንጌላውነት ተወሊዱን እቲ ካብ ኵሉ ማሕበርሰብ ዝእከብ ምጽዋት ከኣ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ንኵላዊ ተልእኾ ዝድግፍሉ ማዕቀን ዝመሓደር እዩ!

ኵለንተናኣ ልእኽቲ ወንጌል ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ እቲ ቅድሚ 150 ዓምት እተወልደ ቤተ ክርስቲያን ብጹዕና ዝኣወጀትሉ ናይ ጳጳሳዊ ግብረ ተልእኾ ሕብረት ዘቖመ ፓውሎ ማና ዘኪሮምን ወንጌላዊ ልእኵነት ንኽወዓዋዕ መታን እተን ኣብ ኵሉ ከባቢ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ግብኡ ሓገዝ ክረኽባ ተስፋ ዝገበረ ምንባሩ እውን ዘኪሮም ንቅድስቲ ማርያም ከም ንግስተ ተልእኮ ወንጌል፥

ፍቝራት ኣሕዋትን ኣሓትን ቤተ ክርስቲያን ብምልኣት ልእኽቲ ወንጌልን ናይ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ልኡክነት ወንጌል ዝዓየለ ሓድሽ ወቕቲ እትሓስብን ገይረ እየ ዝሓልማ። ነቲ ሙሴ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ጒዕዞኡ “ኵላቶም ህዝበ እግዚኣብሔር ነብያት ይዅኑ!’ ከም ዝበሎ እውን ኵላትና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎና ብኽብሪ እቲ ዝተቐበልናዮ ጥምቀት ብሓጐስ መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ጫፍ ምድሪ ነብያትን ናይ ጐይታ ልኡካንን ንዅን።

ቢሎም ተልእኾ ወንጌል ንሓልዮት ንግስቲ ተልእኽዕ ወንጌል የማዕቍቡ።

07 Jan 2022, 16:04