ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ብቓላት ክትገልጾ ዘይከኣል ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ቕትለት ከቶ ከይድገም!

ዕለት 27 ጥሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ጃምላዊ ቅትለት ምዃኑ ዝፈልጥ ኮይኑ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣባይቲ ስድራ ንመእሰይ ወለዶ ብዛዕባ እቶም ብሚሊዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቶም ብስርዓት ናዚ ዝተቐትሉ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ኬዘኻኽርዎም ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እዚ ብቓላት ኪግለጽ ዘይከኣል ጭካነ ፈጺሙ ክድገም የብሉን” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ዕለት 27 ጥሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ጃማላዊ ህልቂት ምዃኑ ብምዝኽኻር ክኸውን እንከሎ ብትኽክል ቅድሚ 77 ዓመት ዕለት 27 ጥሪ 1945 ዓ.ም. ናይ ነበር ሶቪየት ሕብረት ሓይሊ ምክልኻል ናይ ኣውሽዊዝ መዓጹ ኣዕንዩ ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ዓለም ድሕሪ እቲ መዓጹ እንታይ ይፍጸም ከምዝነበረ ዝተቓልዓሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ ዓለም ሓቆፍ “መዓልቲ ዝኽሪ ናይ ኣውሽዊዝ ህልቂት” እንክብል ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝተዛዘመሉ መበል 60 ዓመት ኣብ ዝተዘከረሉ እዋን ዕለት 1 ሕዳር 2005 ዓ.ም. ብውሳኔ 60/7 ዘቖሞ መዓልቲ ከምዝኾነ  ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ.፥ ብቓላት ክትገልጾ ዘይከኣል ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ቕትለት ከቶ ከይድገም!
ር.ሊ.ጳ.፥ ብቓላት ክትገልጾ ዘይከኣል ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ቕትለት ከቶ ከይድገም!

መላእ ህዝቢ ዓለም “ምጽናት ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ዜጋታት እተፈላለያ ሃገራት ከምኡ እውን ሰዓብቲ ካልኦት ሃይማኖታት ዘለዎም ሰባት ብስርዓት ናዚ ኢድ ኣብ መዳጐን ሰፈር ብዘስካሕክህ ብቓላት ክትገልጾ ብዘይከኣ መገዲ ዝሃለቑ ብምዝካር ተመሳሳልን ካልእ ዓይነት ህልቂት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ከይወርድ ናይ መንግስታትን ህዝብታትን ሕልና ንምንቕቓሕ” ብዝብል ዕላማ ዝተቐትሉ ዝዝክረሉን ተመሳሳሊ ግብረ ጭካኔ ዳግም ከይክሰት ታሪኽ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍ ዝተባብዓሉ መዓልቲ ዝኽሪ ምዃኑ የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ.፥ ብቓላት ክትገልጾ ዘይከኣል ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ቕትለት ከቶ ከይድገም!
ር.ሊ.ጳ.፥ ብቓላት ክትገልጾ ዘይከኣል ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ቕትለት ከቶ ከይድገም!

ነቶም ክትገልጾ ዘጸግም መከራን ስቓይን ቅትለትን ዝወረዶም ጽምእን ጥምየትን ዝተሳቐዩን ምዝካር ትኵር ጥንቃቔ ምግባር ማለት እውን እዩ፡ ምኽንያቱ ሓደ ሕዝቢ ንምድሓን ካልኦት ሕዝብታትን ሰብኣውነትን  ንምጥፋእ ዝደልዩ ፖለቲካዊ ርእየት ዓለም ክለዓዓሉ ስለ ዝከኣል ዳግም ምእንቲ ከይኽሰት፡ እቲ ኣረመናዊ ናይ ህልቂትን ሞትን ጐዳና ብኸመይ ከም ተበገሰ ምዝካሩ ንምጥቃቕ ይድግፍ። (ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ጥሪ 2021 ዓ.ም.)

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዕለት 26 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ድሕሪ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ንዅሎም ሰባት ብፍላይ ከኣ “ንመንእሰይ ወለዶ ብዛዕባ እቲ ኣብ ታሪኽ ወዲሰብ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ተግባር ምእንቲ ክግንዘቡ መምሃራንን ኣባይቲ ስድራን ታሪኽ ከዘንትውሎም” ክምሕጸኑ እንከለዉ፥

ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ፈጺሙ ዘይገሃሰሉ መጻኢ ምእንቲ ክንሃንጽ እቲ ኣብ ታሪኽ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ጃማላዊ ቅትለትን ህልቂት ክንርስዕ የብልናን ዳግም ከይኽሰት ድማ ንመንእሰይ ወለዶ ምሕናጽ የድሊ!

ማእለያ ዘይብሉ ህልቂት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብታ ቅዱስ ማክስሚሊያን ኮልበ ምስ ካልኦት 1.1 ሚሊዮን ዝግመቱ ሰባት እተቐትልሉ መዳጐኒ ደምበ ኣውሽዊዝን ቢርከናውን ምብጻሕ ኣካይዶም እቲ ኣጋጣሚ ብጽሞናን ብኣስተንትኖን ጥራሕ ከም ዝነበርዎን ንግለ ካብቶም ካብቲ ናይ ህልቂት መዳጐን ሰፈር ዝደሓኑ ኣብ ዝሓቖፉሉን ኵነት እዚ ቅድሚ ምስንባቶም ኣብቲ ናይቲ መዳጐን ዘፈር ዘሎ ናይ ክብሪ መዝገብ፥ “ጐይታ ንሕዝብኻ መሓሮ፡ ስለ እቲ ብዙሕ ጫካነ ይቕረ በለልና”  ዝብል ጸሎት ከም ዝጸሓፉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ.፥ ብቓላት ክትገልጾ ዘይከኣል ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ቕትለት ከቶ ከይድገም!
ር.ሊ.ጳ.፥ ብቓላት ክትገልጾ ዘይከኣል ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ቕትለት ከቶ ከይድገም!

ቅዱስነቶም ዕለት 27 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ “ሎሚ ኣውሽዊዝ መዳጐን ሰፈር ዝተሓረረሉ ዝክረ ዕለት (ዕለት 27 ጥሪ) እዩ፡ ኵሎም እቶም ብናዚ ስርዓት ኣብቲ መዳጐን ሰፈር ዝተቐትሉን ዝተሳዱን ዝተጠረዙን እንዝክረሉ ዕለት እዩ” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ከም ዝኾነን “ነዛ ዕለት እዚኣ ምዝካር መግለጺ ሰብኣውነት እዩ፡ ናይ ስልጣነ ትእምርቲ እዩ፡ ምዝካሩ ንብሉጽ ናይ ሰላምን ሕውነትን መጻኢ ኵነት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

28 January 2022, 09:54