ድለ

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኤዲት ብሩክ፥ ንመንእሰይ ወለዶ ዝኽሪ ምትሕልላፍ! ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኤዲት ብሩክ፥ ንመንእሰይ ወለዶ ዝኽሪ ምትሕልላፍ! 

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኤዲት ብሩክ፥ ንመንእሰይ ወለዶ ዝኽሪ ምትሕልላፍ!

ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝወረደ ግፍዕን ዝተፈጸመ ዘስካሕክህ ህልቂትን ዳግም ከይኽሰት ነቲ ዝኽሪ ህያው ምግባርን ነዚ ዝኽሪ እዚ ንመንእሰይ ወለዶ ምትሕልላፍ ዘለዎ ኣገዳስነት

ዕለት 27 ጥሪ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዝኽሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ መቐበል ኣጋይሽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ህልቂት ኣውሽዊዝ ዝተረፋ ተወላዲት ሃንጋሪ ተቐማጢት ከተማ ሮማ ደራሲት ኤዲት ብሩክ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምክያዱን ኣብቲ ርክብ nay ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ሞንዳን ከምኡ እውን ናይ ብሩክ ሓጋዚት ተወላዲት ዩክራይን ኦልጋ ከም እተረኽበት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብቲ ዕለት 20 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ኤዲት ብሩክ ንመጀመሪያ ግዜ ድሕሪ ዝገበርዎ ምብጻሕ ዕለት 27 ጥሪ ብስርዓት ናዚ ንሞት ዝተዳረጉ ዜጋታት ኣብ ዝዝከርሉ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዝኽሪ ጃማላዊ ቕትለት ቅዱስነቶም ነተን ሎሚ 90 ዓመት ዝዕድመአን ካብቲ መዳጐኒ ሰፈር ዝደሓናን ወለደን ዝሰኣና ኤዲት ብሩክ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኤዲት ብሩክ፥ ንመንእሰይ ወለዶ ዝኽሪ ምትሕልላፍ!
ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኤዲት ብሩክ፥ ንመንእሰይ ወለዶ ዝኽሪ ምትሕልላፍ!

መንእሰያትን ዝኽርን

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ እውን ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝወረደ ግፍዕን  ዝተፈጸመ ዘስካሕክህ ህልቂትን ዳግም ከይኽሰት ነቲ ዝኽሪ ህያው ምግባርን ነዚ ዝኽሪ እዚ ንመንእሰይ ወለዶ ምትሕልላፍ ዘለዎ ኣገዳስነት ከም እተቓልሔን ብዘፈላለየ ኣገባብ ኣቢሉ ኣብዚ እዋን እዚ ዝግለጽ ዓሌታውነትን ጸረ ሴማውነትን ዝኣመሰሉ ተግባራትን ኣመለኻኽታን እውን ስግኣት ከም ዝኾነን ሰብ ናብቲ ዜሕዝን ፍጻሜ ምእንቲ ከይምለስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ህሊቅት ምዝንታው ከም ዘድሊ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ከም እተሰመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኤዲት ብሩክ፥ ንመንእሰይ ወለዶ ዝኽሪ ምትሕልላፍ!
ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኤዲት ብሩክ፥ ንመንእሰይ ወለዶ ዝኽሪ ምትሕልላፍ!

ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት

ኤዲት ብሩክ ንቕዱስነቶም  ኣደአን ብወተሃደራት ናዚ ተታሒዘን ናብ መዳጐን ሰፈር ቅድሚ ምውሳደን ቁርብ ደቓይቕ ንምወዳእታ ግዜ ዝሃበአን ህብስቲ ዘዘኻኽረን ኣብ ቤተን ዝሰንከተኦ ህብስትን መልእኽቲ ንወላዲተይ ዘርእስታ መጽሓፍንን ብተወላዲ ሃንጋሪ ሚክሎስ ራድኖቲ ዝተደርሰ ናይ ግጥሚ መጽሓፍ ገጸ በረኸት ዘቕረባሎምን ቅዱስ ኣቦና እውን ካብ ኢየሩሳሌም ንኣኦም ዝተቐርጸን ዝተወሃቦምን መዳልያ ገጸ  በረኸት ከም ዘቕረቡለን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኤዲት ብሩክ፥ ንመንእሰይ ወለዶ ዝኽሪ ምትሕልላፍ!
ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኤዲት ብሩክ፥ ንመንእሰይ ወለዶ ዝኽሪ ምትሕልላፍ!

Photogallery

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኤዲት ብሩክ፥ ንመንእሰይ ወለዶ ዝኽሪ ምትሕልላፍ!
29 Jan 2022, 08:50