ድለ

ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን

ቅዱስነቶም ፖለቲካዊ ውጥረትን ዘጸላልው ዘሎ ውግእን ክውገድ ሓደራ ምእንቲ ሰላም ክጽለን ጐይታ “እታ ሃገር ብመንፈስ ሕውነት ክትዓቢ ኵሉ ጒድኣትን ፍርህን ምግምማዕን ከኣ ክስገር ፍቐድ”

ር.ሊ.ጳ. ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 23 ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ዕለት 26 ጥሪ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን ክኸውን ንመላእ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ እዚ ንኽሓብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኰይነ ነዚ መሰረት ብምግባር እቲ ኣብ መንጐ ሩሲያን ዩክረይንን ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥረት ኣብ ዝጉሃሃረሉ ዘሎ እዋን ምእንቲ ሰላምን መራሕቲ ዓለም ናብ ሰላም ከብሉ ንጸልይ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኵሎም ምእመናን “ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ዩክራይን ሰላም ክወርድ ብፍሉይ ክጽልዩ” ሕቲቶም ኣብዚ እዋን እዚ ሩሲያ ናብቲ ምስ ዩክራይን ዘዳብዋ ዞባ ወተሃድራታ ትእክብ ከም ዘላ ክንገር እንከሎ ቅዱስነቶም ፖለቲካዊ ውጥረትን ዘጸላልው ዘሎ ውግእን ክውገድ ሓደራ ምእንቲ ሰላም ክጽለን ጐይታ “እታ ሃገር ብመንፈስ ሕውነት ክትዓቢ ኵሉ ጒድኣትን ፍርህን ምግምማዕን ከኣ ክስገር ፍቐድ” እንክብሉ ጸለዮም፥ ምእንቲ ሰላም እነቕርቦ ጸሎት ናብ ሰማየ ሰማያት ክበጽሕ ከምኡ እውን “ምይይጥ ምእንቲ ክሰፍን ኣክንዲ ረብሓ ጉጅለታትን ወገናትን ሓባራዊ ረብሓ ክቕድም ንኣእምሮን ኣልባብን መራሕቲ ዓለም ክትንክፍ” ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅዱስነቶም “ኵሉ ናብቲ ሓደ ኣቦ ኣሕዋትን ኣሓትን ዚገብረና ኣቡነ ዘበሰማያት ጸሎት ንድገም” ቢሎም ኣቡነ ዘበሰማያት ዝብል ጸሎት መሪሖም ብሓባር ምስ ኵሎም ኣብቲ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ዝሓበሩ ምእመናን ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 January 2022, 09:04