ር.ሊ.ጳ. ንሰብ ትካላት፥ ንጸቕጢ መዋሊ ስነ ቝጠባ ኣይትንበርከዅ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓባራዊ ጥቕሚ ምንዳይ ብዝብል መደብ ናብ ሮማ መንፈሳዊ ንግደት ንዘካይዱ ዘለዉ ናይ ፈረንሳ ማሕበር ሰብ ትካላትን ኣመሓደርቲ ትካላትን ነጋዶን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ዕለት7 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፥ ነቶም ነጋዶን ሰብ ትካላትን ኣመሓደርቲ ሽታ ኣባጊዕ ክህልዎምን ኣብ ኵሉ ደረጃታት ህይወት ንዝርከቡ ተሓባበርትን እትግደሱን ስለ እቲ ጸገማቶምን ተስፋታቶም እትሓስቡ ኵኑ፡ ስልጣን ኣገልግሎት እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ጸገማቶም ጭንቀታቶም ተስፋታቶም ከምኡ እውን መደባቶም ኣፍልጦ ብምሃብን ብምስትውዓልን ኣብ ኵሉ ደረጃታት ህይወት እቶም ሰራሕተይናታት ተገዳስነት ይሃሉዅም። እዚ ምስቲ ብቝጠባውን ገንዘባውን ስርዓታት ዘተኣታትዎ ግዴታታት ዘይሰማማዕን ዝጋጮን እውን እንተኾነ [ከም መራሕቲመጠን ኣብ እትገብርዎ ምርጫታትን ተግባራትን ወትሩ ነቲ ሓባራዊ ሰናይ ቀዳምነት ንምሃብ ጸዓሩ።” ንልብን ሕልናን እቶም “ብመሰረት ልቢ ኣምላኽ” መሪሕነቶም ክፍጽሙ ዝትሕተቱ ነጋዶ ኣብ ክውንነት ብምትኳር ስልጣን ምጥቓም ምስቲ ስልጣን ነገልግሎት ምስ ዝብል ክቡር ዋጋ ዝጣመር ምዃኑ ከይርስዑ ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓባራዊ ጥቕምን ግዴታታት ናይ ገንዘባዊ ስርዓታት
ናብ ሮሜ ዝግበር መንፈሳዊ ጒዕዞ “ጽቡቕን ናይ ትብዓትን” ምልክት እዩ። ከመይሲ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም መብዛሕቲኡ ግዜ “ውልቀ ሰባት ተገዳስነት ዘይብሎም ነቶም ተኣፈፍቲ ዝተነጸሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ንምቍጽጻር” ዝጓየዩ ከምዘለዉ ዘመላኽት እዩ ይዅን እምበር ገሊኦም መራሕቲ “ንብሕታዊ ጥቅሞም ጥራሕ ዘይኮነ ንዅሎም ሰባት ዘገልግሉ” እውን ከም ዘለዉ ዝከሓድ ኣይኮነን፥
እቲ ሓባራዊ ጥቕሚ ናይ ምስትውዓልን ከም መራሕቲ መጠን ንእትገብርዎ ምርጫታት ወሳኒ ረቛሒ ምዃኑ እተረጋገጸ እዩ። እንተኾነ ግን ምስቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ቍጠባውን ገንዘባውን ስርዓታት ምስቲ ወንጌላዊ ስርዓታት ማሕበራዊ ፍትሕን ግብረ ሰናይን ክጸባጸብ ኣለዎ።
ሓቅንታት ዘንብሮ ማሕታ
ሓድሓደ ግዜዕ ዕማምኩም ክኸብደኩምን እቲ ንኽትበጽሕዎ እትሓስብዎ ፍትሕን ሓባራዊ ሰናይን ምስ ዘይፍጸም ሕልናዅም ኣብ ግጭት ከም ዝኣቱ ከምኡ እውን እቲ ጭካነ ዝመልኦ ክውንነት ከም ጒድለት ምልክታ ጣዕሳ ስምባደን ኰይኑ ይቐርብ፥ ይዅን እምበር ምእንቲ ክትጸንዑን ተስፋ ከይትቘርጹን ብእምነት ክትነብርዎ ይግባእ። ልክዕ ከም ማርያም ኣብቲ ምልክት ድኽነት ኣብ ዝኾነ መብልዕ ማል ውርደተ እናጋጠማ ክነሱ ተስፋ ዘይቘረጸንትን ዘይዓለወትን፡ እዚ ብጭቡጥ ክርአ እንከሎ ሓንጐፋይ ቢልካ ናይ ምቕባልን ምእንጋድን ትእምርቲ እዩ፡ ነቲ ከይደለናዮ ዘጋጥመና ጸልማት ኵነት ብትሕትና ተቐቢልና ክንየው ንኽንብል ዘተባብዕ እዩ። ብጀካ እዚ “ካብ ሓላፍነትኵም ምእንቲ ከይተምልጡን ከይትሕብኡን ብጸሎት ምስትንታን ነቲ ዘጋጥም ኵሉ ብኣረኣእያ ኣምላኽ ምርዳእ” ማለት እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ሽታ ኣባጊዕ ይሃልዅም
በዚ ኣረኣእያ እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ መጓሰ ብኸመይ ከም ዝኸይድ ዝፈልጥ ኣብነት ኢየሱስ ብምስዓብ ስልጣን ኣገልግሎ ማለት ምዃኑ ዘስተውዕል ኣብ እማእከል እቲ መጓሰ ዝኸውን እቲ ምጓሰ ዘድልዮን እትፈልጥ ምዃን ይሓትት። እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ንኣቡናትን ካህናትን ዘቕረብዎ ጸዋዕታ ሽታ ኣባግጊዕ ይሃሉኹም ንምባል እዩ። እዚ ምኽሪ እዚ ንዅሉ ኣብ ሓላፍነት ንዘሎ ዝምልከት እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ምስቶም ኣብ ኵሉ ደረጃታት ምሳኹም ዚተሓባበሩ ቀረባ ክትኰኑ ኣተባብዓኩም፡ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ህይወቶም ክትግደሱን ጸገማቶምን ስቓዮምን ጭንቀቶም ጥራሕ ዘይኮነስ ሓጐሶምን መደባቶም ተስፋታቶምን መታን ክትፈልጡ እዩ!
ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኵሉ ክፋል ኣካላትና ኣገዳሲ እዩ
“ንስልጣን ከም ኣገልግሎት ምንባርን ምክፋልን” ይሓትት። ኵሉ ፍክልታት ኣካላት ናጽነቱ ኣድላዩ ስለ ዝዀነ እቲ ድዅም ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይመስል ኵሉ ከይተረፈ ኣድላዪ ስለ ዝዀነ ናይ ኵሎም ተበግሶ ክእለትን ብፍላይ ናይቶም ትሑታትን ዓቢይ ዋጋ ንምሃብ ሓገዝ ምቕራብ የድሊ። ክርስቲያን መራሒ ትካል ንዅሎም እቶም ኣብ ትካሉ ብዝተፈላለየ ደረጃ ንዝዓዩ ብዙሕ ኣገዳንት ዘይብሎም እውን ንዝመስሉ ዝሓስብን ብዛዕባ እተወሃቦም ናይ ዕዮ ቦታ ተጠንቒቝ ኪሓስብን ቀረባኡ ክኸውንን ይጽዋዕ፥”
ስልጣን ምጥቃም ትብዓት ዝመልኦ ውሳኔታት ምግባር ዝሓትት እኳ እንተዀነ ካብ ተወፋይነትን ዝከኣለካ ምግባርን ተነጺሉ ዘይኰነስ ብምትሕብባር ክካየድን በዚ ኣገባብ እዚ ሓላፍነትካ ምስካም የድሊ እዚ ኸኣ ንናይ ሓባር ሰናይ ኣበርክቶ ዘለዎ ንምዃን ይበቅዕ
ስለዚ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትጥምቱ ከምኡ እውን ምርጫታትኵም ብመንፈስ ቅዱስ ንኽትምርሑ ብምፍቃድ ፍረ ርሓጹኵም ከተወፍዩ እተባብዕ ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።