ድለ

ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮት መግለጺ ር.ሊ.ጳ. ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮት መግለጺ ር.ሊ.ጳ. ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን 

ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮት መግለጺ ር.ሊ.ጳ. ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን

ቅዱስነቶም ዕለት 7 ጥሪ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያንን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስትያን በዓለ ልደት ዘብዕላሉ ዕለት ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ እቲ ካብ ድንግል ማርያም እተወልደ ክርስቶስ ንኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰብን ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብርሃን ይጸግው

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ጥሪ ኣብ ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን በዓለ ልደት ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ንዅሎም ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣሕዋትን ኣሓትን ርሑስ በዓለ ልደት ተመንዮም ሰላም ከምዘድሊ ብምዝኽኻር ክርስቶስ ንኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰብን ብርሃኑ ክጽግው እምሕጸን ከም ዚበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 6 ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር  ምስቶም ኣብ ኣጸድ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ምእመናን መሪሖም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቆዑ ዕለት 7 ጥሪ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያንን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስትያን በዓለ ልደት ዘብዕላሉ ዕለት ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ እቲ ካብ ድንግል ማርያም እተወልደ ክርስቶስ ንኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰብን ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብርሃን ይጸግው ቢሎም ናይ ርሑስን ዝተበርከን በዓለ ልደት ምንዮቶም ኣቕሪቦም ርሑስ በዓለ ልደት ይግበረልኩም ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መብዛሕቲአን ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ነቲ ብዩሊዮስ ቄሳር እተኣወጀ ብዪሊያኑስ ዝጽዋዕ ዓውደ ኣዋርሒ ዝምርሓ ከምዝዀናን ነቲ ብር.ሊ.ጳ. ጐርጎሪዮስ ሻምናይ ካብ ዕለት 4 ጥቅምቲ 1582 ዓ.ም. ወግዓዊ ዓውደ ኣዋርሕ እንክብሉ ቅቡል ዝበለዎ ብስሞም ዝጽዋዕ ጎርጎሪዮሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ ዘይኽተላ እያተን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ በዓለ ልደት ዕለት 7 ጥሪ እዩ ዝበዓል። ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ቅድሚ በዓለ ልደት ድሕሪ ኣርበዓ በዓልቲ ጾምን ጸሎትን እዩ ዝበዓል። እዚ ጾም እዚ ድማ በቲ ንበዓለ ልደት ፍርቂ ለይቲ ብዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ይዛዘም።

07 Jan 2022, 16:30