ር.ሊ.ጳ. ንማሕበር ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ፥ ኣገባብ ሕይወትኵም ሰብኣውነትን ተስፋን ይዅን!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንኣባላት ማሕበር ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ኣብ ድርሓ ጳውሎስ ሻድሻይ ተቐቢሎም፥ ወትሩ ንኽርስቶስ ብተስፋ እናጠመቱ ኣብ ተልኾኦም ክቕጽሉ ተማሕጺኖም ኣገባብ ህይወትኵም ሰብኣውነትን ተስፋን ይዅን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ቅዋመ ማሕበር ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ምስቶም ናይቲ ማሕበር ኣባላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጽርሓ ጳውሎስ ሻድሻይ ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ እቲ ማሕበር ኣብ 1971 ዓ.ም. ዝተመስረተ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም፥ ንዅሎም ናይቲ ማሕበር ኣባላት ኣብዚ ታሪኽ ፍርቂ ዘመን እቲ ማሕበር ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ክብሪ ዘበዐይና ካብ ምዃን ሓሊፉ ነቶም ናብ ሃገረ ቫቲካን ንዝነገዱ ምእመናን ዘገልግል ብምዃኑ ክርስቲያናዊ ህይወት ዝምስክር ንቅድስቲ መንበር እሙን ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ ቢሎም እዚ እውን ምኽንያት ሓጐስ ይኾነና ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሕያውነት ኢየሱስ ከተብጽሑ
ቅዱስነቶም “ምርኻብ” ዘርእስቱ ናይቲ ማሕበር መጽሔት ዘኪሮም ታሪኽኵም ብቐጻሊ ናይ ምርኻብ ታሪኽ እውን እዩ። ወትሩ ኣብ ጒዕዞ፥ ኣብ ዝለናሉ እንተ ደኣ ደው ኢላን ንተርፍ እንተ ኴይና ፈጺምና ኣይክንራኸብን ኢና፡ ምርኻብ ንመዓልታዊ ቃል ኪዳንን ጻዕርታትን ኣገልግሎትን ትርጉም ዝህብ መለክዒ እዩ። . . . ብመዓልታዊ ኣገልግሎትኵም ኣቢልኵም እደ ጥበበይናታት ኵኑ፥ እዚ ኸኣ ነቶም ናብ ቅዱስ ጴጥሮስን ሮማ ንዝነግዱ ምእመናን ነቶም ሓበሬታ ዝደልዩን ነቶም ዝተነጸሉን ኣብ ንዝተዕጽወ ቤቶም ንዝተርፉን እተራእይዎ ቅርበትን ምዉቕ ሕያውነት ኢየሱስ ከተብጽሑ እዩ ዝገብረኩም ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
መጻኢ
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም እዚ ማሕበር እዚ “ነቶም እትረኽብዎም ሰባት ምስክርነት ኣብ ምሃብ ምእቲ ክቕጽል ንመጻኢ ዝኸውን ሒደት ነጥብታት ብምክፋል፥
ብዝያዳ ሰብኣውነት ንኢየሱስ እናጠመትና ተስፋ ናብ ዝተነብሮ ልብና ንበገስ፡ ተመክሮታትናን ብዙሕ ለውጢ ከምዝገበርና የመላኽተና እዩ ስለዚ እዚ እውን ንመጻኢ ከነመሓይሾ ዘሎናን ክንቕጽለሉ ዝግብኣናን እንታይ ምዃኑ እነለልየሉ ባይታ እዩ። ስለዚህ ታሪኽና ንመልከት
ቢሎም ኣስዒቦም፥ ናብ ኢየሱስ ምጥማት ዝብል ቃል ኣቕሪቦም፥ ኢየሱስ ብምእዋጅ እምነት ንምስክር ካብቲ እዚ ኸኣ ካብ ሰብኣውነት ኢየሱስ ዝምንጨው ኣብ ጭቡጥ ህይወትና ተመስሪትና ኢና ምስክረትና ከኣ ንኢየሱስ ብዝሓሸ መገዲ ምፍላጥ ንህላወኡ ኣብዚ እዋን እዚ ብኸመይ ከም ዝገልጾን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ብኸመይ ከም ዘስተርእዮን ምስ ካልኦት ዘለዎ ርክብን ምፍላጥ ዝሓትት እዩ። ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም፥ ብሳልሳይ ደረጃ ኣብ ልቢ ዘሎ ተስፋ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም ተስፋ ኣብ ጉዕዞ እምነትን ኣማንን ክጐድል ዘይብሉ ክቡር ዋጋ እዩ” ቃል ክርስቶስ ቃል ህይወት ስለ ዝኾነ ብጽንዓት ክንመላለስ እዩ ዝግብኣና ቢሎም፥ ናይቲ ማሕበር መርሕ ዝጸሎት ብሓባር ምስቶም ኣባላት ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።