ር.ሊ.ጳ. ንካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን፥ ጭብጥታት ምምርማር ሰባት ምኽባር!
ዕለት 28 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ማሕበራት ዝጥርንፍ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝጠለቦ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጽርሓ ቀለመንጦስ ተቐቢሎም፥ ነቶም ጋዜጠይናታት ወትሩ ጭብጥታት ብምምርማርን ንውልቀ ሰባት ብምኽባርን ንሓቂ እሙናት ኮይኖም ከገልግሉ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብዛዕባ ኮቪድ - 19ን ናይ ሓሶት - ግጒይ ሓበረታ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ቅዱነቶም ነቶም ጋዜጠይናታት ብፍላይ ከኣ ንዅሎም ሰብ ሙያ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን፥ ነቶም ናይ ሓሶትን ግጒይን ሓበረታ ዘዳለውን ነቲ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዘህልዅን ጠቒሶም፥ ዝኾነ ይዅን ዝቐርብ ሓበሬታ ሰብ ከም ሰብ ምኽባር ብዝብል ክቡር ዋጋ ተመሪሖም ክምርምርዎን ከረጋግጽዎን ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ሓሶት ዜና ምቅላዕ
ቅዱስነቶም እቲ ማሕበር ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ናይ ሓሶት ዜና ከምኡ እውን ብኸፊል ወይ ብምልኡ ዘታልል ሓበሬታ ንምቅላዕ ዘውጽኦን ዝኽተሎን ሸቶ ኣመስጊኖም፡ እዚ ውድብ እዚ ብዛዕባ ተላባዒ ሕማምን ቲዮሎጊያን ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር ክኢላታት ዝሓቑፍ ሽማግለ ስነ ፍልጠት እውን ዝሓቍፍ ምዃኑ ዘኪሮም፡ እዚ እውን ሰባት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብሓበሬታ ዝጽልዉ ብምዃኖም ብምስትውዓል ጽኑዕ ሜላ ብምጥቓም ጸብጻባት ዘቕርብ እዩ፥
መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ጭብጥታት ተጠንቂቖም ክዕዘብዎ ልክዕነቶም ከረጋግጹ ምንጭታት ሓበሬታኦም ከጻርዩን ክግምግሙን ኣብ ምወዳእታ ኸኣ ነቲ ርኽበቶም ከመሓላልፍዎ ኣለዎም። ከምቲ መብዛሕቲኡ ግዜ ዜጋጥም፥ እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ ሓደ ጒዳይ ቀሊል ሓቅታት ኪገልጽ ጥራሕ ዘይኰነስ ሓሳባት ንኺህብን ፍታሓዊ ገምጋም ንኺገብረሉን ዜድሊ ነገራት እውን ዘቕርብ እዩ፡ እዚ ሓላፍነት እዚ ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ ዝኽተሎ ኣገባብ ጽኑዕን ጥንንቍቕን ምዃኑ እዩ ዘመላኽት (ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1972 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝበልዎ)
ጠቒሶም እዚ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ መልእኽቲ እዚ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓላፍነት ክሳብ ክንደይ ዓቢይን ጥንቃቐ ዝሓትት ምዃኑ እዩ ዘመላኽት ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብሓባር
እቲ ናይቲ ማሕበር “ንሓቂ ብሓባር” ዝብል ሸቶ ዝጠቐሱ ቅዱስነቶም፡ ነታ “ብሓባር” እትብል ቀዳመይቲ ቃል ወሲዶም ክርስቲያን መራኸቢ ብዙሓን ዘቕርብዎ ቀዳማይ ምስክርነት “ሓባራውነት” እዩ። ዓለም ኣብ ጐድኒ እቲ ለብዒ ብተወሳኺ እውን ብዝቕባበ ሓበሬታ ይሳቐ ከምዘሎን ይንዛሕ ከምዘሎን፥
ብግቡእ ክትሕበር ኣብ ናይ ሓሶት ዘይኮነስ ኣብ ስነ ፍልጠታዊ ጸብጻባት ተመርኲስካ ንዘሎ ኵነታት ምርዳእ ሰብኣዊ መሰል እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቶም ብቐሊሉ ክጥቕዑ ዝኽእሉ ነጋራት ንምጽራይ ብዙሕ ዕድል ኮነ መጋበርያ ዘይብሎምን ተኣፋፍያ ክፍሊ ሕብረተሰብ ቅኑዕ ሓበሬታ ክረክብ ኣገዳስን ሓላፍነትን እውን እዩ!
መራኸቢ ብዙሓን፥ መራኸቢ ድልድል
ኣስዒቦም ነታ ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ዕላማ ዘሎ “ንሓድሕድካ” እትብል ካልአይቲ ቃል መሰረት ገይሮም፡ ክርስቲኢያን ወትሩ “ንግፍዕን ሓሶትን” ዝቃወም እዩ፡ ስለዚ ማሕበር ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝቃለሱ ምዃኖም እውን ኣዘኻኺሮም “ኣብ መንጐ ሓበሬታን ሰባትን ዘሎ መሰረታዊ ፍልልይ” ዕሽሽ ከይበሃል ተማሕጺኖም፥
ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክንጸግ ዘለዎ እውን እንተኾነ መብዛሕቲኡ ግዜ ብዘይ ምሉእ ፍልጠት ነቲ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከም ሓቂ ዝወስድዎ ውልቀ ሰባት ግና ክኽበሩ ኣለዎም፥ እቲ ዝንጸግ እቲ ናይ ሓሶት ሓበሬታ እምበር ሰብ ኣይኩነን!
ክርስቲያን ጋዜጠይናታት ዝኽተልዎ ኣገባብ ወንጌላዊ እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ሓነጽቲ ድልድልን ሰላም ዘነቓቕሑን ዅሉ ሓቂ ዝደልዩን እያቶም፡ ስለዚ ግጭት ከም ንቡር ካብ ምቕባልን ኣኽራርንት - እምነትን ካብ ዝብል ዓይነት ስነ ፍልጠት ምጥንቃቕ የድሊ እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፥
ሓቂ ካብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ ዝተሓላለኸ እዩ፡ ነቲ ሰባት ዘበግስዎ ጥርጣረታትን ዜተሓሳስብ ሕቶታትን ከነኽብሮ ኣሎና!
ስለዚ ክርስቲያን ጋዜጠይናታት “ብጽንዓታውን ህዱእን ርትዓውን ብዝኾነ ኣገባብ” ኣቢሎም ንሰባት መልሲ ብምሃብ ዘሰንይዎም ክዀኑ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓቂ፥ ሓሳብ ንሓሳብ ናብ ምልውዋጥ
ንውልቃዊ ወይ ከኣ ንንግዳዊ ረብሓታት ኢዶም ከይሃቡ፡ ሓቂ ኣብ ምግልጋል ክተግሁ ነቶም ጋዜጠይናታት ኣተሓሳሲቦም፥
ንኸሉ ዓይነት ሓሶት ፈውሲ ዝኸውን ኣብ ሓቂ ምንጻሕን ብሓቂ ምንጻሕን እዩ። ንክርስቲያን ሓቂ ምስ ምምዝዛን እተተሓሓዘ ነገራት ናይ ምፍራድ ኣምር ኣይኮነን፡ ሓቂ ንህይወት ብምልኣት ዝምልከት እዩ!
ቢሎም ኣብ መወዳእታንዅሎም ግዳያት ለብዒ ኮቪድ - 19 ብምዝካር፡ ነቶም ጋዜጠይናታት “ንሓቂ ኣብ ምግልጋል ምዕያይ ክበሃል እንከሎ ናይ ኵሉ ረብሓ ምድላይን ሓባራዊ ሸቶ ምንቕቓሕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ምትሕልላፍን ማለት እምበር ዝፈላሊ ዝገማምዕ ዘጻርር ነገራት ምድላይ ማለት ኣይኮነን” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።