ድለ

ር.ሊ.ጳ. ነታ ብምዕልቕላቕ ማይ ንእተተቕዔት ብራዚል ቅርበቶምን ጸሎትም የረጋግጹ! ር.ሊ.ጳ. ነታ ብምዕልቕላቕ ማይ ንእተተቕዔት ብራዚል ቅርበቶምን ጸሎትም የረጋግጹ!  (Washington Alves/Light Press)

ር.ሊ.ጳ. ነታ ብምዕልቕላቕ ማይ ንእተተቕዔት ብራዚል ቅርበቶምን ጸሎትም የረጋግጹ!

ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ነቲ ኣብ ብራዚል ዘጋጠመ ኣጸጋሚ ኵነታት ብጥልቂ ዘብርህ ጸሎት ከም ዘቕረቡን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ኣጸድ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ብሓባር ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ብራዚል ብሰንኪ ኣብ ዓሰርተ ግዝኣት ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናምን ነዚ ስዒቢ ብዘጓነፈ ምዕልቕላቕ ማይ ንዝተሃሰዩን ሓደጋ ሞት ዘጋጠሞምን ንብረቶምን ኣባይትኦምን ንዝዓነዎም ኵሎም ቅርበቶም ጸሎትም ኣረጋጊጾም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንሃገረ ብራዚል ቅርበቶምን ንዅሎም በቲ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ንዝተተንከፉ እናሓሰብ ኵሉ ስሌኦም ክጽሊ ድማ ሓደራ እንክብሉ፥

ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ሰሙን ነቶም ኣብ እተፈላለየ ዞባታት ብራዚል ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናምን ነዚ ስዒቢ ብዝተፈጥረ ምዕልቕላቕ ማይን ንዝተጐድኡ ኵሎም ቅርበተይ አረጋግጽ፥ ብፍላይ ምእንቲ እቶም ግዳያትን ምእንቲ ስድራ ቤቶምን ከምኡ እውን ምእንቲ እቶም ኣባይቶምን ንብረቶምን ዝሰኣኑ ኵሎም እጽሊ፡ ኣምላኽ ነቶም ሓገዝ ዘቕርቡ ዘለዉ ናይ ምክልኻል ሓደጋ ሰራሕተይናታትን ሰብ ግብረ ሰናይን ይሓግዝ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ነቲ ኣብ ብራዚል ዘጋጠመ ኣጸጋሚ ኵነታት ብጥልቂ ዘብርህ ጸሎት ከም ዘቕረቡን ኣብተን ብዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን እተጐድኣ ዓሰርተ ግዝኣታት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ድማ ግዝኣት ባይያን ሚናስ ጀራይስን ከቢድ መጉዳእቲ ከም ዘስዓበን 25 ዜጋታት እውን ንሞት ከምዝዳረገን ኣባይቲ ትምህርትን መውሃቢ ኣገልግሎትን ትሕቲ ቅርጽታትን እውን ከም ዘዕነወን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝርከብ ጨንፈር ኣቢሉ ምስቲ ኣብ ብራዚል ዝርከብ ጨንፈር ካሪታስ ብምትሕብባር ነቲ ዝተጐድአ ህዝቢ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ከም ዝርከብን ሕብረት ኤውሮጳ እውን ነቲ ሕዝቢ ሓገዝ ዝወዕል ሓደ ሚሊዮን ኤውሮጳ ከም ዝመደበ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ዕለት 25 ጥሪ ዝዛዘም  ምእንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ቅነ ዕለት 18 ጥሪ ዝጅመር ምዃኑ ኣዘኻኺሮም እዚ ኣብ ዓዓመት ዝካየድ ምእንቲ ሓድነት ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ቅነ ዝተፈላለየ መርሕ ቃል ዝወሃቦ ክኸውን እንከሎ እቲ ናይ ለምዘበን 2022 ዓ.ም. መርሕ ቃል ኮዀብ ብምብራቕ ረኣና ዝብል ምዃኑን ነቲ ኮዀብ ብምስዓብ ነቲ ቈልዓ ዝረኸብዎን ኣብቲ እተወለደሉ ስፍራ በጺሖምን ነቲ እተኣወጀ ንጉስ ናይ ዘኽበሩ ሰብኣ ሰገል ተመክሮ ዝንበረሉ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት እውን እዩ ቢሎም፡ ኵሉ ኣብዚ መደብ ጸሎት እዚ ክሓብር ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

17 January 2022, 16:59