ድለ

ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ናይ ቅድስቲ መሬት ተንተንቲ መጽሔት፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሕውነት ዘዘንትው! ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ናይ ቅድስቲ መሬት ተንተንቲ መጽሔት፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሕውነት ዘዘንትው!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ናይ ቅድስቲ መሬት ተንተንቲ መጽሔት፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሕውነት ዘዘንትው!

ብዛዕባ እቲ ክውን ክኸውን ዝኽእል ታሪኽ ሕውነት ክትነግሩ አተባብዓኵም፡ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስትያን እቲ ዘሕዝን ፍልልይ ዘሎ እውን እንተዀነ እቲ ኣብ መንጐ እዘን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሰዓብትን ዘሎ ሕውነት መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ቅድስቲ ምድሪ ናብ ሓድነት ዘቕርብ እዩ

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ብጋሴ ተንታኒ ቅዱስ መሬት (መጽሔት)ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳት ስፍራ ዓቃቢ ተሰንዮም ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ልኡካን ዕለት 17 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ተቐቢሎም “ንዓለም ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኵሎም ደቂ ኣብርሃምን ዘሎ ታሪኽ ሕውነት ኣዘንትዉ” ዝብል ምዕዳን ዘማእከለ መደረ ከምዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራ ዓቃቢ ሓው ፍራንቸስኮ ፓቶን ዝተሰነዩ ናይታ ናይ ቅድስቲ መሬት ተንታኒት ዘርእስታ መጽሔት 50 ዝዀኑ ጋዜጠይናታት ሰኑይ ንጐሆ ዕለት 17 ጥሪ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፡ ቅዱስነቶም ንብምሉኦም እቶም ናይታ መጽሔትን ናይታ መጽሔት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሓንን ሰራሕተይናታትን ጋዜጠይናታትን ዝወከሉ 50 ጋዜጠይናታት ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝገብርዎ ወፈያ ኣመስጊኖም፥

ሎሚ እቲ እትፍጽምዎ ኣገልግሎት ምስቲ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ነዚ ኣገልግሎት እዚ ዘበገሱን ዝመርሑ ፈርዲናንዶ ዲዮታለቪ ሓሳብ ዝሰማማዕ እዩ። እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ሕታት እታ መጽሔት “ነታ ቅድስቲ መሬት - ምድሪ ኣምላክ መበቈል ክርስትና ከምኡ እውን ነቲ ድሕነት ደቅሰብ እተፈጸመሉ ቅዱስ ስፍራ ኣኽቢርካ ንምርኣይን ንምፍላጥን” ዝሕግዝ እዩ

ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም ኣብ ኣግለግሎትኵም ሓደራ ንቕድሚት ተጓዓዙ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ ኰሎም ሕውነት ምድንፋዕ

ዛንታ ቅድስቲ መሬት ምንጋር ክበሃል እንከሎ “ሓምሻይ ወንጌል” ምክፋል ማለት እዩ። እዚ ኸኣ “እቲ ቃል ኣምላኽ እተገለጸሉን ንዓናን ንድሕነትናን ኣብ ኢየሱስ ናዝራዊ ስጋ ዝለበሰሉን ትሪኻውን መልክዓ ምድራዊ ሃዋሁ” እዩ። ሓፈሻዊ ሸቶ ናይቲ መጽሔት ጋዜጠይናታት ኣብ ኣጸጋምን እተሓላለኸን ማሕበራዊ ኵነታት ማእከላይ ምብራቕ “ማሕበረሰብ ምህናጽ” ከምኡ እውን “ሕውነት ምሕናጽ” ዝብል ክኸውን ከም ዘለዎ እንክገልጹ፥

ብዛዕባ እቲ ክውን ክኸውን ዝኽእል ታሪኽ ሕውነት ክትነግሩ አተባብዓኵም፡ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስትያን እቲ ዘሕዝን ፍልልይ ዘሎ እውን እንተዀነ እቲ ኣብ መንጐ እዘን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሰዓብትን ዘሎ ሕውነት መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ቅድስቲ ምድሪ ናብ ሓድነት ዘቕርብ እዩ። ኵሎም ኣይሁድ ክርስቲያን ከምኡ እውም ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ደቂ ኣብርሃም ከም ዝኾኑ ንንገሮም። ንስደተይናታት ካብ መረበቶም ንእተመዛበሉ ከምኡ እውን ዝሓሸ መጻኢ ንምድላይ ካብ ሃገሮም ምስ ዝስደዱ እቲ ዝተኸልከሎም ክብርን መሰልን መታን ክምለሰሎምን መሰሎምን ክብሮምን ክኽበረሎም ንገሩ!  

ዛንታታት ብጽቡቕ ምንጋር

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ነቶም ጋዜጠይናታት “ንሰባት ኣበይነቶም ከመይነቶም ብምርኻብ” እተገልግሉ ብምዃንኵም አመስግነኵም፡ ሶሪያን ሊባኖስን ፍልስጥኤምን ጋዛን ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ መከራን ኣሸጋሪ ኵነታትን ቦታታትን ዝገልጽ እቶም ዝጋዜጠይናታት ዘቕርብዎ ሓበሬታ ትብዓት ዝምስክር ምዃኑ እንከመላኽቱ፥

ዕዮዅም ብግብኡ ንምፍጻም ጫማታትኵም ኣጥሊቕኵም ናብቲ ጭቡጥ ኵነት ከተብሉ ትብዓት ዘለኵም ብምዃንኵም ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ከተባብዓኩም እደሊ፡ ነዚ ካብ ምፍጻም ድማ ድሕር ከም ዘይትብሉ እፈልጥ እየ፡ ከመስግነኵም እደሊ!

መልእኽቲ ድሕነት ምምሕልላፍ

ምስ በሉ፥ ቃል ኣምላኽ ነቲ ናይ ድሕነት መልእኽቲ ዝገለጸሉ ቦታ ብውጽኢታዊ መገዲ ንምምሕልላፍ ብህይወት - ብተግባር ምንባር ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጾም፥ እቶም ጋዜጠይናታት ብዛዕባ እታ ናይ ድሕነት ታሪኽን መልክዓ ምድራውን ፍጻሜታቱ ዝዝንተወላ ቅድስቲ መሬት ንኸተላልዩን ንኸተዘንትውን ዝተጸዋኩም ኢኻትኵም። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብፍላይ ንወንጌል ብሓድሽ ኣገባብ ንኸነንብቦ እትሕግዙ ምዃንኵም ኣይትረስዑ፥

ምስጢረ ፋሲካ ንሎሚ ኮነ ንጒዕዞ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ሎሚ ብቝስልን ግጭትን ዝሳቐዩ ግን ከኣ ብጸጋ ኣምላኽ ወትሩ ንተስፋ ሕውነትን ሰላምን እተርህወሎም ሃገር ክትከውን ብርሃንን ትርጉምን ይህብ!

ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ክርስቲያን ኣብ እምነት ክዓብዩ ምሕጋዝ

ነቶም ናይታ መጽሔት ጋዜጠይናታትን ሰራሕተይናታትን ኵሎም ኣብ ዕዮኦምን ኣገልግሎቶም ኣተባቢዖም እዚ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣመንቲ ክቡር ኣገልግሎት እዩ። ምስ እዚ እውን ነቶም ኣብ ምድሪ ኢየሱስ ዝነብሩ ክርስቲያን ሓገዝ ዝውዕል እዩ” ቢሎም ዝለገስዎ ቃል፥ “በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣቢለ ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኵሉ ሳዕ ኣብ ጸሎተይ ህልዋን ከምዝኾኑኑ ከም ዝዝክሮም ከረጋግጸሎም እፈቱ” ቢሎም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ናይ ቅድስቲ መሬት ተንተንቲ መጽሔት፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሕውነት ዘዘንትው!
19 January 2022, 09:46