ር.ሊ.ጳ.፥ ሓቀይና ሃብቲ ሰብኣ ሰገል ንገዛእ ርእሶም ድሕነት ከም ዘድልዮም ገይሮም ምሕሳብ እዩ
ላቲናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 6 ጥሪ ክብረ በዓል ግልጸተ ዘእግዚእነ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ድሕሪ ምዕራጐም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ኣጸድ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፍሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኮይኖም መሪሖም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ እቶም “ሃባትምን ሊቃውንትን ውሩያትን ሰብኣ ሰገል ኣብ ቅድሚ እቲ ዕብየት ኣምላኽ ዝግለጸሉ እተወልደ ሕጻን ኣየንሰሓቡን ውርደት እውን ኣይተሰመዖምን” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንዅሎም ነቶም ምስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓቢሮም ንዕብየት ግልጸት ዘእግዚኣነ ማለት ምግላጽ ኢየሱስ ንደቂ ሰብ ዘብዕሉን ኣብ ኣጸድ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡን መንፈሳውያን ነጋዶ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ርሑስ በዓለ ግልጸት ዘእግዚእነ ተመንዮም፥
ትርኢት ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ኣብ መብልዕ ማል እተወልደ ሕጻ ትሕቱን ንእሽቶን ተነቃፍን እዩ፡ እቶም ሰለስተ ነጋውስ - ሰብኣ ሰገል ብኾኸብ ተመሪሖም ናብታ በዓቲ ድኻታት በጺሖም ደው በሉ፡ እዞም ካብ ምብራቕ ዝመጹ ውሩያት ሃባትም ሊቃውንቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ምሉእ ኵነት ፍጹም ድኽነት ተስፋ ኣይቈረጹን፥ “ኣብ ቅድሚ ሓደ ድኻ ቈልዓ ንኽርከቡ ብዙሕ መገዲ ኣቋሪጾም መስዋዕትን ከፊሎምን ከይተዓንቀፉን ከም ዝሓሰብናዮ ኣይኮነን ከይበሉ ብዘይ ምጒርምራም ኣምለኽዎን ሰገዱሉን።”
ሰብኣ ሰገልን ተሰሚዑን ተራእዩን ዘይፈልጥ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ እግዚኣብሔርን
ትማሊ ከምቲ ሎሚ “ኣብ ቅድሚ እቲ ምልክት ሓይልን ክብርን ዘለዎ ስልጣን ገዛእ ርእስኻ ትሕት ምባልን ምስጋድን ልሙድ እንተዀነ ኣብ ቅድሚ ምስ ሓደ ምስ ኣዲኡ ዝነበረ እሞ ድኻ ቈልዓ ምስጋድ ግን ልሙድ ኣይኮነን፡ እቲ ሃብትን ዕብየትን እቶም ሰብኣ ሰገል ኣብዚ እዩ ዝግለጽ።”
ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ቤተ ልሄም እተወልደ መለኰቱ ህቡእን ዕዉት ዘይመስል ዘይርአን ኣምላኽ ክትሰግድ ቀሊል ኣይኰነን፡ ነዚ ኣምላኽ እዚ ምስጋድ ማለት ነቲ ኣብ ትሕትና ንዝግለጽ ኣምላኽ ምቕባል ማለት እዩ፡ እቶም ሰብኣ ሰገል ከምቲ ንሶም ዝሓስብዎ ዘይኮነ ነቲ ተራእዩ ዘይፈጥል ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ነቲ ንእሽቶን ድኻን ኮይኑ ዝመጸ ኣምላኽ እዮም ዝተቐበሉ ንኣኡ ንኽሰግዱ ዘኽኣሎም ከኣ ዕብየቶም ሓሳባቶም ኣወጊዶም ንኣምላኽ ቦታ ስለ ዝሃቡ እዩ። ከምዚ ንምግባር ትሕትና የድሊ!
ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
“ኣምለኽዎን ሰገዱሉን”
እቶም ሰብ ጥበብ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስጢረ ስጋዌ ዝዓመምዎ ነገራት “ምድሓን ዜድልዮ” ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ “ነቲ ገዛእ ርእሱ ብትሕትና ዜቕረበ ኣምላኽ ብትሕና ሓንጐፋይ ቢሎም ተቐብልዎ፥”
ናይ ዕለቱ ወንጌል እቶም ሰብኣ ሰገል ተገሪሞም ከም ዝፈተዉዎን ዝሓሰብዎን ክንየው ብምባል ከም ዝሰገዱሉን ከም ዘምለኽዎን የጒልሕ። እዚ ከኣ ኣምላኽነት ምስ ስግደትን ኣምልኾን ዝተተሓሕዘ መዃኑ ይሕብረና፡ እቶም ኣረማውያን ሰብኣ ሰገል ዝፈጸምዎ ጒዕዞ ነቲ ትሕትና ዘርኢ ኣምላኽ ብትሕትና ከም እተቐበልዎ ይሕብረና። በዚ ከምዚ ከኣ እዮም ንኣምላኽ ዜምለኹ። እቲ ህያብ ንኸቕርብሉ ዝኸፍትዎ ሳንዱቕ ምስሊ ክፉት ልባቶም እዩ። እቲ ሓቀይና ሃብቶም ዝና ኣሳልጦ ዘይኮነስ ድሕነት ከም ዘድልዮም ንኸስተውዕሉ ዝገበሮም ትሕትናኦም እዩ። ሰብኣ ሰገል ነዚ ኣብነት እዚ እዮም ዘህቡና።
ስጋና ለበሰ
ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ዘይኮነ ከይነምልኽን ከይንሰግድን መታን ንተግባራትና ማእከል ህላወና ሓደራ ኣይንግበር እንክብሉ ቅዱስነቶም ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነታ እትመርሓና ኮዀብ እናጠመትና ንጓዓዝ ሓደራ!
ወትሩ ማእከል ኵሉ ኣክንዲ እግዚኣብሔር ሓሳባትና ጃህራናን እንተ ጌርና ክሳዕ መወዳኣታ ፈጺምና ንኣምላኽ ክንረኽቦን ከነኽብሮን ከነምልኾን ዝድርኽ ጽምኢ ኣይክህልወናን እዩ (. . .) ብውሽጥና ትሑታት እንተድኣ ኴይና ነቲ ንኢየሱስ ንኸነኽብሮ ዝገብረና ዜደንቕ ነገርት ክንረኽብን ክንርእን ኢና። እቶም ክረኽብዎ ዘይደልዩ ህላወ ኣምላኽ ዘየስተብህሉ እያቶም (. . .) ኣብ ዘድልየና እዋን ጥራሕ ዲና ወይስ ኵሉ ሳዕ ኢና እንጽሊ? ነታ እትመርሓና ኮዀብ እናጠመትና ሓደራ ንቕድሚት ንጓዕዝ!
ቢሎም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።