ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ጸሎት ልብና ንኣምላኽ ክፉት ይገብር!

ኢየሱስ ኣብታ እተጠመቐላ ህሞት “ይጽሊ ነበረ” ዝብል ወንጌል ዝህቦ ሓበሬታ መሰረት ገይሮም፥ እዛ ይጽሊ ነበረ እትብል ቃል ብዛዕባና ንኽንሓስብን ክሳብ ክደይ ጸላያን ምዃንና ተሕትተና

ዕለት 9 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን በዓለ ጥምቀት ዘእግዚእነ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለተ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ኣጸድ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኰይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓባር ቅድሚ ምድጋሞም፡ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ጸሎትን ዝኽሪ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበልናላ መዓልትን ኣብ ሕይወት ክርስትና ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኢየሱስ ተልእኾ ካብ ምጥማቕ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ኢዩ ብወግዒ ዝጅምር። “ኢየሱስ ንሰላሳ ዓመት ዚኣክል ተሓቢኡ ድሕሪ ምጽናሕ ሒደት ተኣምራትን ኣስተምህሮታትን ንኽፍጽምን ንኸቐርብን ናብ ካቴድራል ኣይኮነን ዝኣተወ እንታይ ደኣ ምስቶም ብዮሓንስ ዚጥመቑ ዝነበሩ ሓጥኣት ተሓዊሱ ንኽጥመቕ እዩ ዝኸደ በዚ መገዲ እዚ እዩ ናይ ድሕነት ተልእኾኡ ብወግዒ ዘበገሰ። ከማና ኮነ ናብቲ ክውንነትና ድማ ተሓተን ንኸሕውየና ድማ ናብ ማያትና ገዛእ ርእሱ ኣእተወ። ምእንቲ ከጥዕትየናን ከሕውየናን ንኽጥመቅ ናብ ማይ እንክኣተው ናብቲ ኵለንተናና ገዛእ ርእሱ የእትው” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኢየሱስ ጸለየ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ኢየሱስ ኣብታ እተጠመቐላ ህሞት “ይጽሊ ነበረ” ዝብል ወንጌል ዝህቦ ሓበሬታ መሰረት ገይሮም፥  እዛ ይጽሊ ነበረ እትብል ቃል ብዛዕባና ንኽንሓስብን ክሳብ ክደይ ጸላያን ምዃንና ተሕትተና እያ። በቲ ሓደ ሸነኽ ንሱ ናባና ማለት ከማና ናብ ማያት - ፈለገ ዮርዳስኖስ ይወርድ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ናብ ኣቡኡ ይጽልይ” እዚ ክልተ ናይ ኢየሱስ ተግባር እዚ ክንነጽሕን ክንጽልይን ከም ዘሎና ኢዩ ዘመላኽተና” ቢሎም፥

ጸገማት ምግጣም

“ኵላትና ኣብ ናይ ህይወት ጸገማትን ኣብ ብዙሕ እተሓላለኸ ኵነታትን ዝጠሓልና ኢና፡ ዘጒህየና ኣጸጋምን ኵነታት እውን የጋጥመና እዩ። እዚ ዅሉ ጸገም እዚ ምእንቲ ከይጭፍልቐና “ንዅሉ ናብ ላዕሊ ከነቕርቦ” ይግባእ፡ እዚ ማለት ከኣ ኵሉ ጸሎት ገይርና ከነቕርቦ ከም ዘሎና እዩ ዘመላኽተና። “ጸሎት መምለጢ መገዲ ኣይኮነን” የግዳስ “ኣምላኽ ኣባና ንኽዓዪ እንፈቐድሉ መገዲ” ምዃኑ ኣብሪሆም፡ “ጸሎት ምስ ኣምላኽ ንኽንሓብርን ልብና ንጐይታ ንኸነርህውን” ይሕግዘና፡ ስለዚህ ጸሎት ናብ ኣምላኽ ልብናን ህይወትናን ዝኸፍት መገዲ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎት ንህይወት እስትንፋስ እዩ። ጸገማትናን ጓሂናን ብጥልቂ ንኽንርድኦ ይሕግዘና፡ ልዕሊ ኵሉ ድማ ልክዕ ናይ ኢየሱስ ተመክሮ ንኽሓድረና ዘኽእል መገዲ እዩ። ኣቦ ከም ዘፍቅረና ናይ ሕጻናት መንፈስ ክስምዓና ዚገብር ተግባር እዩ” ምስ በሉ “ቃሉ ንስማዕ” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 January 2022, 16:54