ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ብእተኻእለ መጠን ንዅሉ ካብ ለብዒ ናጻ ምግባርን ንእዋናዊ ዓብላሊ ንጽል ህልዮ ኢድካ ዘይምሃብን

ቅዱስነቶም ነቶም መቐመጢኦም ኣብ ሮማ ዝኾኑ ናይ 87 ሓገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበርን እቶም መቐመጢኦም ካብ ሮማ ወጻኢ ዝዀኑ 96 ብጠቕላላ ናይተን 183 ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ስለ ኣገልግሎቶም ምስ ኣመስገኑ

ዕለት10 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዅሎም ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ንዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ምንዮቶም ንምግላጽ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ብዛዕባ ጥዕናን ቁጠባን ማሕበራውን ሳዕቤናት ናይቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣማእኪሎም “ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ ሓቀይና ምሕዋይ ከምዘድልን ኣንጻር ውግእ ውክልናን ከምኡ እውን ስደተይናታት ዝልወጡ ኣቑሑ ዘይኮኑስ ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ምእንጋድን ሓገዝ ምቕራብን ብዙሕነት ክኽበር መታን ዓብላሊ ንጽል ኣተሓሳስባ ምውጋድ” ዝብሉ ነጥብታት ብሰፊሕ ከምዝተንከፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ዝንዛሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ስነ ሓሳብን ለብዕን ሳዕቤናቱን ኣብ ኵነታት ጥዕናን ማሕበራውን ቍጠባን መዳያት ክንክን ጥዕናን ከምኡ እውን ክትባት ስነ ምግባራዊ ግዴታ ምዃኑን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሶሪያን የመንን ኡክራይንን ደቡብ ሱዳንን ብውክልና ዝካየድ ውግእን ዓብላሊ ንጽል ሓሳብን ሓላፍነት ህንጸትን ትምህርትን ስራሕ ኣልቦነትን ቍጠባን ክንክን ናይ ሓባር ቤትናን ተርእዮ ስደትን ዝምልከቱ ጉዳያት ዳህሲሶም፡ ዘይፍትሓውነት ዘበለ ኵሉ ኮኒኖም ምእንቲ እዚ መጻኢ ውሑስ ዝገብር ተግባርን ራእይን ዘድሊ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣስዒቦም እዚ ዝጀመርናዮ ሓድሽ ዓመት ንምዕባለን ንሓድሽ ኺደት መውሃቢ ኣገልግሎትን ምስ ሰብኣዊ ክብረትን መሰልን ዝመዓራረይ ስራሕ ምፍጣርን ከምኡ እውን ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን እዅል ደሞዝን ማሕበራዊ ዕቝባን ውሑስ ዝኾነሉ ዓመት ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ብእተኻእለ መጠን ንዅሉ ካብ ለብዒ ናጻ ምግባርን ንእዋናዊ ዓብላሊ ንጽል ህልዮ ኢድካ ዘይምሃብ!
ር.ሊ.ጳ.፥ ብእተኻእለ መጠን ንዅሉ ካብ ለብዒ ናጻ ምግባርን ንእዋናዊ ዓብላሊ ንጽል ህልዮ ኢድካ ዘይምሃብ!

ዝኽሪ ነፍሰ ሄር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጆርዳኖ

ቅዱስነቶም ነቶም መቐመጢኦም ኣብ ሮማ ዝኾኑ ናይ 87 ሓገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበርን እቶም መቐመጢኦም ካብ ሮማ ወጻኢ ዝዀኑ 96 ብጠቕላላ ናይተን 183 ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ስለ ኣገልግሎቶም ምስ ኣመስገኑ ብዛዕባ ለብዒ ኮቪድ 19ን ዕለት 2 ታሓሳስ 2021 ዓ.ም. በለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ኣብ በልጂም ዝዓረፉ ኣብ ቨነዝወላ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣልዶ ጆርንዳኖን ዘኪሮምን፥

ጸረ ኮቪድ - 19 ንብምሉእ ሕዝቢ

ነፍሰ ሄር ብጹዕ ኣቡነ ጆርዳኖ ሓደ ካብቶም ግዳያት እዚ ለብዒ እዚ ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት እዮም። እዚ ለብዒ እዚ ማሕበራዊ ምንጽጻልን ናይ ብዙሓት ህይወት ንሞት ሓደጋ ዘቃልዕን ዘሎ ገና እውን ዘየብቅዔ ለብዒ ኮቪድ 19 ንምውጋድ ኵለ መዳያዊ ጻዕሪ ከምዘድልን “ብእተኻእለ መጠን ንህዝቢ ካብዚ ሕማም እዚ ናጻ ንምግባር ዚግበር ጻዕሪ ምብርታዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ ብሕታውን ፖለቲካውን ኣህጉራውን ደረጃታት ብዙሕ ናይ ህርኵት ጻዕሪ ቃል ኪዳን ዝሓትት ጒዳይ እዩ። ቅድም ቀዳድም ብውልቃዊ ደረጃ እውን!

ር.ሊ.ጳ.፥ ብእተኻእለ መጠን ንዅሉ ካብ ለብዒ ናጻ ምግባርን ንእዋናዊ ዓብላሊ ንጽል ህልዮ ኢድካ ዘይምሃብ!
ር.ሊ.ጳ.፥ ብእተኻእለ መጠን ንዅሉ ካብ ለብዒ ናጻ ምግባርን ንእዋናዊ ዓብላሊ ንጽል ህልዮ ኢድካ ዘይምሃብ!

“ክንክን ጥዕና ስነ ምግባራዊ ግዴታ እዩ። ኵላትና ንገዛእ ርእስናን ንጥዕናን ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ኣሎና፡ እዚ ኸኣ ንጥዕና እቶም ዝቐርቡና እውን ዘኽብር እዩ” እንክብሉ ሓሳብ ኣቕሪቦም ብዛዕባ እቲ ንህዱእ ወፈራ  ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ዝዓግት ካብቲ “ብርቱዕ ተቓዋሚ ስነ ሓሳብ” ምጥንቃቕ የድሊ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክትባት ሚዛናዊ መጋበርያ እዩ

ክትባት ዝፍውስ ምትሃት ኣይኩነን የግዳስ ኣብ ርእሲ እቲ ክምዕብል ዘለዎ ሕክምናን ነቲ ሕማም ንምክልኻል እቲ ዝበገለጸ ርትዓዊ መፍትሒ ምዃኑ እተረጋገጸ እዩ። ስለዚህ ብቕዓት ብዘለዎ ውሳኔ ንናይ ሕዝቢ ጥቕሚ ምስዓብ የድሊ፡ ዜጋታት ሕንፍሽፍሽን ምጥርጣርን ከምኡ እውን ማሕበራዊ ተዛምዳድነት ምእንቲ ከይስምዖ ፖለቲካ ብውሳኔታት ኣቢሉ ንናይ ንጥቕሚ ህዝቢ ዘማእከለ ውሳኔ ከቅርብ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ። . . .

ር.ሊ.ጳ.፥ ብእተኻእለ መጠን ንዅሉ ካብ ለብዒ ናጻ ምግባርን ንእዋናዊ ዓብላሊ ንጽል ህልዮ ኢድካ ዘይምሃብ!
ር.ሊ.ጳ.፥ ብእተኻእለ መጠን ንዅሉ ካብ ለብዒ ናጻ ምግባርን ንእዋናዊ ዓብላሊ ንጽል ህልዮ ኢድካ ዘይምሃብ!

ናጻ ኣገልግሎት ጥዕና ንዅሉ

ስለዚ ክንክን ጥዕና ክዳን ኵሉ ስለ ዝኾነ ብምሉኡ ህዝቢ ዓለም ማዕረን ኣድላዪን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክረክብ ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ናጻ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዅሉ ኣብ ዝብል መተከል ከስፍሖ ጻውዒት ኣቕሪቦም . . .

ስቓይ ለስቮ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻታትን ምስ መራሕቲ መንግስታትን ርእሳነ ብሔርን ህዝብን ዘካየድዎ ርክባት ምልስ ቢሎም ብምዝካር ኣስዒቦም ህልው ኵነታት ሊባኖስን በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ስደት ህዝብን ከምኡ እውን ኣብታ መበቆል ስልጣነ ዝኾነት ሃገረ ዒራቕ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዘኪሮም እቲ ህዝቢ ክብሩ ዳግም ንምርካብ ብሰላም ናይ ምንባር መሰል ዘለዎን ምዃኑን ምስ እዚ ህዝቢ እዚ ዘካየድዎ ርክብን ደሓር እውን ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ቡዳፐስትን ደሓር እውን ናብ ቆጵሮስን ግሪኽን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምልስ ቢሎም ብምዝካር ኣብ ግሪኽ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብቲ ኣብ ለስቮ ዝርከብ መእለዪ ስደተይታት በጺሖም ምስቶም ስደተይናታት ተራኺቦም ዘጋጠሞምን ዝረኣይውን ልቢ ዝትንክፍ ኵነታት ስደተይናታት ገሊጾም፥ . . .

ስደተይናታት ናይ ካልእ ጸገም ኣይኮነን

ካብ ኣፍጋኒስታ ዝሃድሙ ከምኡ እውን ኣብ ዶባት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መክሲኮን ንዚነብሩ ሰተይናታት ቅኑዕን ሰብኣውነትን  ዘማእከለ ስጉምቲ ክረኽቡን ብርግጽ ሃገራት ጸገም ከምዘለወን ዝዝንጋዕ ኣይኩነን ይኹን እምበር ኵለን ሃገራት ከከም ዓቕመንን ጽቡቕ ድላይ ተወሲኽዎን ነቶም ስደተይናታት ውሱን እውን ይኹን ኣብ ምእንጋድ እተዝዋስኣ ንገለ ሃገራት ጥራሕ ምሕዳግ ዘስዕቦ ዘሎ ኵለ መደያዊ ጸገም ኣይምሃለውን . . . ኣብ መንጐ ምቕባልን ምሉእ ብምሉእ ምንጻግን ንጹር ፍልልይ ኣሎ . . .

ር.ሊ.ጳ.፥ ብእተኻእለ መጠን ንዅሉ ካብ ለብዒ ናጻ ምግባርን ንእዋናዊ ዓብላሊ ንጽል ህልዮ ኢድካ ዘይምሃብ!
ር.ሊ.ጳ.፥ ብእተኻእለ መጠን ንዅሉ ካብ ለብዒ ናጻ ምግባርን ንእዋናዊ ዓብላሊ ንጽል ህልዮ ኢድካ ዘይምሃብ!

ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ፖለቲካዊ ምምሕዳር ጉዳይ ስደተይናታት ጥምረት የድሊ

እቲ ዘሕዝን ግን ሎሚ ብዙሓት ስደተይናታት መብዛሕቲኡ ግዜ “መጋበርያ ፖለቲካዊ ሃልኪን ንናይ ፖለቲካዊ ዕዳጋን ምቕያሩ እዩ። ሕብረት ኤውሮጳ ነቶም ካብ ኣፍሪቃን እስያን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ ስደተይናታት ኣብ ግምት ብምእታውን ጥሙር ዝኾነ ናይ ጒዳይ ስደተይናታት መመሓደሪ ስርዓት ክህልዎ ምሕንጽታ ኣቕሪቦም፥ ስደተይናታት ብሕጋዊ መገዲ ዝኣትውሉ ስርዓት እውን ንገዛእ ርእሱ መጋበርያ ሰላም እዩ፡ . . .

እቲ ንስደተይናታት ዝምልከት ጒዳይ ከምኡ እውን ለብዕን ምቅይያርን ምዝባዕን ከባቢ ኣየር ዋላ ሓደ ሰብ ንበይኑ ክድሕን ከም ዘይክእል ማለት ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዓበይቲ ብድሆታት ዓለም ለኻዊ ምዃኑ ብንጹር ዘርኢ እዩ፥ ምጥርጣርን ዘይምርግጋእን ከም ዝስምዓካ ዝገብር ንዅሉ ዝትንክፍ ጒዳይ እዩ . . . ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓደገይና እንኮን ፍሉይን ዓብላሊ ኣተሓሳስባ

“መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ውጽኢታውነት ብዙሓት ኣህጉራውያን ማሕበራት ዘሎ ጒድለትን ዝቕባበን ገሊጾም እዚ ኸኣ ብዙሕ ግዜ እቲ ውድባት ምስቲ ናይቲ ውድብ መሰረታዊ ዕላማ ብዘይ ምቅዳው ናይቲ ውድብ ማሕበር ማእከላዊ ስሕበት ረብሓ ናብ ዝብል ኪደት ምቕያር ዘስዕቦ እዩ፥ እዚ ጒድለትን ዝቕባበን እዚ ብመሰረቱ ዝኽሰት ንባህርያዊ መሰረት ደቅሰብን መንነት ብዙሕነት - ህዝብታት ዘቝማ ባህላዊ መበቈልን ብዝኽሕድ ዓብላሊ እንኮ ኣተሓሳስባ ብዝኾነ ባህልታት ብዝሓኽ ባህሊ ክምርሓ ምስ ዝጅምራ እዩ . . .

ብዙሕነት ምኽባር

ስለዚ ናይ ስነ ክሌኣዊ ርክብ ሜላ ብዙሕነትን ታሪኻውን ስምዒት ኣኽቢርካ ምርኣይ ጥራሕ ዘይኮነ ብሓቂ ዝሓቍፍ ኣገልግሎት እዩ፡ ከም መሰል ህይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ምኽባር ከምኡ እውን መሰል ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝኣመሰለ ቀዋሚ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ፈጺሙ ዝርስዕ ክኸውን የብሉን . . . ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ብእተኻእለ መጠን ንዅሉ ካብ ለብዒ ናጻ ምግባርን ንእዋናዊ ዓብላሊ ንጽል ህልዮ ኢድካ ዘይምሃብ!
ር.ሊ.ጳ.፥ ብእተኻእለ መጠን ንዅሉ ካብ ለብዒ ናጻ ምግባርን ንእዋናዊ ዓብላሊ ንጽል ህልዮ ኢድካ ዘይምሃብ!

ከባቢ ኣየር፥ ነዊሕ ግዜ ዘይህብ መገዲ

ቅዱስነቶም ነቲ ብምኽንያት ቀጻልን ብዘይ ኣፈላላይን ምዝመዛ ሃብትን ዝሳቐ ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻን ህጹጽ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም “እቲ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ግላስኮ እተገብረ መበል 26 ኣህጉራዊ ዋዕላ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ናብ ቅኑዕ ኣንፈት እተወሰነ ስጒምትታት ንቕድሚት ዘስጒም እውን እንተዀነ ግን ምስ ዝኽሰት ዘሎ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ክነጻጸር እንከሎ ድኹም እዩ” ቢሎም . . . ሸቶታት ውዕል ፓሪስ ንምውቃዕ ዝግበር ጉዕዞ እተሓላለፈኽ ከምኡ እውን ክሳዕ ሕጂ ነዊሕ ብምዃኑ እቲ ናይ ሓባር ቤትና ካብቲ ዘጋጥሞ ዘሎ መጒዳእቲ ንምድሓን ዘድሊ ግዜ እናነከየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ስለዚ ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ ምስሪ ንኽኻየድ እተወሰነ መበል 27 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ምቕይያር ከባቢ ኣየር ኣብ ግምት ብምእታው ሓባራዊ ስጒምቲ ንምውሳድ ዘተባብዕ መሰረታዊ ባይታን ዕድልን እዩ . . . ።

ውግእ ውክልናን ዝተረስዑ ውግኣትን

ኣስዒቦም “ዘተን ሕውነትን” ነዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ጸገማት ንምስናፍ ዘድሊ ክልተ ረቛሒ እዩ። “መላእ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ሓድሓድ ግዜ ናይ ሓቂ ውግእ ናይ ውክልና ውግእ ዝካየደሉ ንሓጺር እዋን ዝቕጽል ግጭታት ዘበለ ኵሉ ፍታሕ ንምርካ ክሳብ ክንደይ ህጹጽ ምዃኑ ካብ ምስትውዓል ሓሊፉ ነቲ ብውክልና ዝካየድ ውግእ ፍጺሙ ከይህሉ ዝገብር ፍታሕ ክድለ ኣለዎ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ቅድም ቀዳድም እቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ውግእ ዘኪሮም፡ “ክሳዕ ሕጂ ንጹር ኣድማስ ዘይንርእየሉን ከምኡ እውን ኣብ የመን ዘሎ ግጭት ንሓይሎ ዓመታት ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ዘሕዝን ፍጻመን ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን እተገብረ ናይ ሰላም መስርሕ ኣብ ሊቢያ ዝርአይ ዘሎ መንግስታዊ ምስሕሓብን ኣብ ሳሄልን ሱዳንን ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ሽበራዊ መጥቓዕትን ኣብ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርአይ ዘሎ ግጭታትን፥ ፍታሕ ክረክብ ከምዘለዎን ብውክልና ዝካየድ ውእግን ዝተረስዑ ውግኣት ህጹጽ መሰረታዊ መፍትሒ የድልዮ” ምስ በሉ ኣስዒቦም ኣብ ኣህጉር ኣመሪካ ዘሎ ማዕርነትን ፍትሕን ምጉዳል ዘስፍሕ ምግባረ ብልሽውና እዚ እውን ብተራኡ “ንማሕበራዊ ግጭት” ዝዳርግ ምዃኑ ኣብሪሆም ኮኒኖም። ኣብ ኡክራይን ኣብ ደቡባዊ ካውካዚያን ዘሎ ውጥረት እውን “ቅቡልን ነባርን ፍታሕ” የድሊዮ። ከምኡ እውን ኣብ ሃገራት ባልካን ዝርአ ዘሎ ሓድሽ ቅልውላው ክውገድ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ምያንማር ዘጋጠመ ቅልውላው ኵሉ “ዘተን ሕውነትን” ካብ ቀደም ሎሚ ብዝያዳ ህጹጽ ኮይኑ ኣሎ ከመይሲ ቀደም እቲ መአከቢ ዝነበረ ጐደናታት ናይ ግጭትን ዕንወትን ስፍራ ኮይኑ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣጽዋር ውግእ ምውናን ኢስነ ምግባራዊ እዩ

እቲ ኵሉ ኣብ ዓለም ዝርአ ውግእን ምስሕሓባትን ግጭት በቲ ኣብ ዓለም ዝምረት ብዝሒ ኣውጽዋር ውግእን በቶም ነዚ ኣጽዋር እዚ ንምዝርጋሕ ዝዓዩ ሰባትን ዝድገፍ እዩ፥ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ብፍላይ ዘተሓሳስብ ጒዳይ እዩ። “ኑከልሳዊ ኣጽዋር ነቲ ኣብ መበል 21 ዘመን ንድሕነት ዘስግእ ነገራት ኵሉ ምላሽ ንምሃብ እዅልን ግቡእን መጋበሪያ ከምዘይኮነን ብሓጺሩ ምውናን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘይስነ ምግባራዊ እዩ” ቢሎም እዚ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ኣቕዋም ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ በዚ ኣረኣእያ እዚ ክርአ እንከሎ እቲ ምስ ኢራን ብዛዕባ ኑክለሳዊ ጉዳይ ዝተበጽሐ ውዕላት መሰረት ዳግም ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘማእከለን ዝድግፍን ኣብ ቪየና ክቕጽል ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ትምህርቲ ምዕቃብ

ኣብ ምወዳእታ ቅዱንቶም ኣቃልቦኦም ናብ ጉዳይ ትምህርትን ዕዮ ትምህርትን ገይሮም፡ ትምህርቲ እቲ ሰብ “ናጻን ሓላፍነት ክስምዖን” ከምኡ እውን ሓደስቲ ወለዶታት ዘቕውም ቀንዲ መስርሕ፡ ዘይንጽል ዕብየት ከም ምዃኑ መጠን - እቲ ናይ ትምህርቲ መስርሕ ቀስ ዝበለን ኣድካምን ሓድሓደ ግዜ ናብ ተስፋ ምቝራጽ ኪመርሕ ዝኽእል እውን እንተዀነ ፈጺሙ ክበርስ ዘይብሉ ክብሪ እዩ።”

ብዛዕባ ህስያ ዝምልከት ጒዳይ ንጹር ክኸውን

“ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ትምህርቲ ኣብ መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ማሕበራውን መዳይ ንዕቤት መንእሰያት ዘለዎ ግደ ኣፍልጦ ትህበሉን ኣኽቢራ እውን እያ እትርእዮ ቢሎም “ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ እትብሎ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝወርድ ማህሰይቲ ኣብቲ እቲ ማህሰይቲ ዝወረዶም ዘስዕቦ ስነ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ጸገም ኣዚዩ የጒህይ። እዚ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝፍጸም ገበን ንምንጻር ንነፍሲ ወከፍ ጒዳይ ብጥልቂ ንምምርማር ሓላፍነትን ተሓታትነን ንምርግጋጽ ነቶም ግዳያት ፍትሒ ንምሃብ ከምኡ እውን ተመሳሳሊ ግፍዒ ኣብ መጻኢ ንኸይደጋገም ንምክልኻል ጹንዕ ድሌት ክህልው  ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ከቢድ እኳ እንተኾነ ዝኾነ ይዅን ሕብረተሰብ ነቲ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ክሓድግ ኣይክእልን እዩ። ይኹን እምበር ንናይ ትምህርቲ መውሃቢ ኣገልግሎት ሕንጸት ካብ መንግስታ ዝስላዕ ሃብቲ ገንዘብ ኣዚዩ ትሑት እዩ። እቲ ዝለዓለ ሃብቲ ኣብ ትምህርቲ ምውዓል ንእዋናውን መጻእን ዓለም ናብ ሰናይ መገዲ ምምራሕ እዩ . . .

ናይ ስራሕ ክብሪ

ምስ በሉ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ስራሕ ኣማእኪሎም፥ ነቲ ብሰንኪ ለብዒ ኣብ ቍጠባ ዓለም ዝተኣታተወ ከቢድ ጸቕጢ ኣብ ኣባይቲ ስድራን ሰራሕተይናታትን ከቢድ ሳዕቤን ኣለዎ። መብዛሕቲኦም “ገሊኣቶም ናብ ግራት ምስጢራዊ ቍጠባ ማለት ብወግዒ እቶቱን ወጻኢታትን ንዝምልከቶ ኣካል ጸብጻብ ናብ ዘይህብ ኤኮኖሚ ብምእታው ነቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝዳሎ ማሕበራዊ ዕቝባ ከይህሉ ምግባር የገድደን” ነዚ መሰረት ገርካ ነቲ ስራሕ ዘለዎ ክቡር ዋጋ ዝያዳ ኣገዳስነት ምሃብን ምፍላጥን የድሊ” . . . “ብዘይ ስራሕ ቍጠባዊ ምዕባለ የልቦን እዋናዊ እደ ጥበባዊ ምዕባለ እውን ነቲ ብጻዕሪ ደቅሰብ ዚርከብ ተወሳኺ ዋጋ ዝህብ ኪኸውን ተገይሩ እዩ ግምት ክወሃቦ ዘለዎ” ቢሎም “ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ከባቢኦምን ሃገራውን ዞባውን ኣህጉራውን ደረጃታት ዝርከቡ ተዋሳእቲ፡ ዕቤት ደቅሰብ ንምምሕያሽን ሰላም ኣብ ምህናጽ ጭቡጥ ኣበርክቶ ዘለዎም ዝያዳ ምትሕብባር ከሀልዉን” ጻውዒት ኣቕሪቦም ሰናይ ሓድሽ ዓመት 2022 ዓ.ም. ተመንዮም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 January 2022, 17:09