ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዓመታዊ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖም

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ እቲ ሰብኣ ሰገል ንሕጻን ኢየሱስ ዘቕረብሉ ገጸ በረኸት እንከስተንትኑ፥ እዚ ከኣ ነቲ ጐይታ ካባና ኪረኽቦ ዚደልዮ ውህበት ኢዩ ዘመላኽት፥ ወርቂ ኣምላኽ ቀዳማይ ስፍራ ክወሃቦ ከም ዘለዎ ዕጣን ትእምርቲ ኣገዳስነት ጸሎት ከርበ ድማ ነቲ ካብ መስቀል ዝወረደ ኣካለ ክርስቶስ ናይ ምኽባር ምልክት እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስን ብመዛዘሚ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ተረኺቦም ካልኣይ ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖምን ስብከት ከም ዝለገሱን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካንን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ካልኦት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ልኡካን ብሓባር ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዓመታዊ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ ካልኣይ ጸሎተ ዘሰርክን እቲ ካብ ዕለት 18-25 ጥሪ ዝካየድ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያንን ናይ መዛዘሚ ስነ ስርዓት ከም ዝመርሑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ናይ ለምዘበን ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን መርሕ ሓሳብ “. . . ኮኸብ ብምራቕ ርኢና እሞ ክንሰግደሉ መጺእና” ዝብል መሰረት ገይሮም፥ እቲ ናይቶም ሰብኣ ሰገል ጒዕዞ፥ ካብ ምብራቕ ተበጊሱን ብኢየሩሳሌም ሓሊፉን ኣብ ቤተ ልሄት ዝበጽሐ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብሪሆም፥ እዚ ዛንታ ሰብኣ ሰገል እዚ ምሉእ ብምሉእ ሓድነት ንኸነማዕብል ዝሕግዝ እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ካብ ምብራቕ ዝተበገሰ ጒዕዞ

እቶም ሰብ ጥበብ ካብቲ ጸሓይ እትበርቀሉ ምብራቕ ኮዀብ ከም ዝረኣዩን በቲ ናይ ገዛእ ርእሶም “ፍልጠትን ልምድታትን” ዘይዓገቡ “ካብኡ ዝዓቢ ነገር ይደልዩ” ቢሎም፥ ኵሎም ክርስቲያን እቲ ኣብ ጒዕዞ ከጋጥሞም ዝክእል ድኻምን ናይቲ ንውሓቱን ከየጨነቖም ናይ ኢየሱስ ኮዀብ እናሰዓቢ ናብ ሓድነት እናቐረቡ ክኸዱ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣስዒቦም “እቲ ምብራቕ ዝብል ቃል እውን እቲ ብውግእን ዓመጽ ኣብ ከቢጽ ስቓይን መከራን ንዝርከብ ከባቢ የዘኻኽረና፡ እቶም ሰማዕታት ናይቲ ከባቢ ድማ ናብ ሓድነት ዝመርሕ ንጹር መገዲ የመላኽቱና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ምብጻሕ - ምእታው ኣብ ኢየሩሳሌም

እቶም ሰብኣ ሰገል ናብ ኢየሩሳሌም ምስ መጹ ሄሮድስን መላእ ህዝቢ ኢየሩሳሌም በቲ ናይ ሰብኣ ሰግል ተልእኾ ተጨነቝ። እቶም ሰብኣ ሰገል ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሑ ናይታ እትመርሖም ዝነበረት ኮዀብ ነጸብራቕ ኣይረኣዩን፥ እታ ዝመራሓቶም ኮዀብ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሑ ትስወሮም በዚ ተመክሮ እዚ ኣቢሎም ድማ ተመክሮ ናይቲ ብርሃን ክርኢ ዘይደሊ ሓይልታት ጸልምታ ኣዛ ዓለም እዚኣ ተመክሮ ይገብሩ፡ እዚ ተመክሮ እዚ እውን ንሓድነት ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ከጋጥመና ዝኽእል እዩ። ኣብቲ ንሓድነት እንገብሮ ጉዕዞ እዚ ናይቲ ዝለመሰን ምድንጋርን ፍርህን ናይቲ ህዝቢ ከጋጥመና ዝከኣል እዩ። ስለዚህ ክርስቲያን ኣብዚ ንሓድነት ኣብ ዝግበሮ ጒዕዞ ብዘይ ምፍርራህ ብምትእምማን ብሓባር ኪጓዓዙ ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም እቶም ሰብ ጥበብ ብዙሕ ተጻብኦ እኳ እንተ ኣጋጠሞም ነታ ናብ ቤተ ልሄም እትመርሕ መገዲ ኣብ ኢየሩሳሌም ከም ዘለለይዎ ኣብሪሆም ናይዚ እዋን ክርስቲያን ብሓባር ቃል ኣምላኽ ብምስትንታን ብዕምቈት ከንብቡን ኣብ ቃሉ ሓቢሮም ድማ ናብ ኢየሱስ ክቐርቡን ከምኡ እውን ናብ ኣሕዋትን ኣሓትን ከብሉ ከም እተላበዉ ኣፍሊጡ።

ምብጻሕ ኣብ ቤተልሔም

ኣብ መወዳእትኡ እቶም ሰብኣ ሰገል ኣብ ቤተ-ልሔም በጽሑ ኣብኡ ኸኣ ተምበርኪኾም ነቲ ቘልዓ - ኢየሱስ ሰገዱሉን ኣምለኽዎን ድማ። እቲ እቲ ኣብ ምወዳእታ ወንጌል ዝንገር ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ኣብ ከረን ዘገሊላ ቅድሚ ትንሳኤ ኢየሱስ ናይ ዝፈጸመዎ ኣምልዀ ኣቐዲሙ ዘርእይ ተመክሮ እዩ። እዚ ክልቲኡ ፍጻሜታት እዚ ነቶም ምሉእ ሓድነት ክረኽቡ ሃረር ዝብሉ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ክርስቲያን ትንቢታኖ መልክት ክዀኑ ይኽእል፡ እዚ ኸኣ “ሓድነት ብኣምልኾ ንጐይታ ጥራይ ዝብጻሕ ከም ዝኾነ” የመላኽት። “ናብ ምሉእ ሕብረት ንምብጻሕ ዚግበር ወሳኒ ጒዕዞ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ጹዑቕ ጸሎት ማለት ኣምልዀ ንኣምላኽ ዝሓትት እዩ” እንክብሉ ብኣጽንዖት ከም ዘዘኻኸሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ከመይሲ ኣምልኾ ንጐይታ በይኑ ማእከል ኵሉ ምእንቲ ክንገብር ኣብራኽና ክንዓጽፍን ትሕትናን ድማ ይሓትተና፡ ስለዚ ክርስቲያን ናይ ትሕትና ትብዓት ክሓትቱ ዓዲሞም እዚ ኸኣ “ንኣምላኽ ኣብታ ናይ ሓባር ቤት ኣብ ዙሪያ መሰውኢ ሓቢሮም ብውህደት ከምልኽዎ ዝመጽሉ መገዲ፥ መገዲ ትሕትና ስለ ዝዀነ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሰብኣ ሰገል ዘቕረብዎ ገጸ በረኸት

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ እቲ ሰብኣ ሰገል ንሕጻን ኢየሱስ ዘቕረብሉ ገጸ በረኸት እንከስተንትኑ፥ እዚ ከኣ ነቲ ጐይታ ካባና ኪረኽቦ ዚደልዮ ውህበት ኢዩ ዘመላኽት፥ ወርቂ ኣምላኽ ቀዳማይ ስፍራ ክወሃቦ ከም ዘለዎ ዕጣን ትእምርቲ ኣገዳስነት ጸሎት ከርበ ድማ ነቲ ካብ መስቀል ዝወረደ ኣካለ ክርስቶስ ናይ ምኽባር ምልክት እዩ፡ እቲ ዝቘሰለ ካብ መስቀል ዝወረደ ኣካለ ክርስቶስ ነቶም ተኸናኸንዎም ናይ ዝብለና ድኻታት ኣቑሳል ዝንጸባረቐሉ እዩ፡ ተኸናኸንዎም ይብለና” ቢሎም፥ ክርስቲያን ከምቲ ሰብኣ ሰገል ናብ ዝመጽሉ እንክምለሱ መገዲ ዝቐየሩ መገዲ ክቕይሩ ዓዲሞም፡ ከምቲ ሳኦል ምስ ክርስቶስ ቅድሚ ምርኻቡ ዝገበሮ፥ መገድታትና ክንቅይር እዩ ዘሎና፥ እቲ ናይ ጳውሎስ ናይ ምልዋጥ መገዲ ነታ ጐይታ ዘመላኽታ መገዲ” መገዲ ትሕትና መገዲ ሕውነትን መገዲ ኣምልዀን እዩ፥ ስለዚ ልምድታትናን እንስዕቦ ዘሎና መገድታትና ለዊጥና ኣብ መገዲ ትሕትናን ሕውነትን ኣምልኾን ንጓዓዝ” ቢሎም፥ “ጐይታ መገድታትና ኽንቅይርን ፍቓድና ዘይኰነስ ፍቓድካ ክንስዕብ ብሓባር ናባኻ ንኽንበጽሕ ናብቲ ሓደ ኪገብረና ዚደሊ መንፈስኻ ንቕድሚት ክንጓዓዝ ናይ ምልዋጥ  ትብዓት ጸግወና” ብዝብል ጸሎት ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 January 2022, 08:55