ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ነቲ ኣብ መንጐና ኪሓድር ንዝደለየ ዘፍቕር ኣምላኽ ክፉታት ንዅን!

ኢየሱስ ዘለኣለማዊ ቃለ እግዚኣብሔር ምዃኑ እም ቅድመ ዓለም እተፈጥረ ዘለኣለማዊ ቃለ ኣብ እዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ስጋ ድማ ነቲ እተፈጠርናሉ ህያውነት ተነቃፊ ድሩት ከምኡ እውን መዋትነት ዘመላኽት እዩ!

ዕለት 2 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ኣብ ኣጸድ ቅዱስ ጴጥሮስን ምስ ዝተረኽቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም፥ “እግዚኣብሔር ኣብ መንጐና ክሳብ ምንባር ኣፍቀረና” ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ “ንኢየሱስ ናብ ሕይወት ብፍላይ ከኣ ናብቲ እንቃለሶ ጽንኵርን ኣጸጋምን ኵነትና ንዓድሞ” እንክብሉ ከም ዝተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

 ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ በዓለ ልደት ኣብ ዝለገስዎ ስብክት ብዛዕባ በዓለ ልደት ዝሃብዎ ትርጉም በዓለ ልደት ምልስ ቢሎም ብምዝኽኻር፥ “ቃል ስጋ ኮነ ኣባና እውን ሓደረ” ዝብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዘብርሁን እዚ ዘደንጽውን ዘደንቕን ስራሕ እግዚኣብሔር እውን ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ኢየሱስ ዝተዓረቐ ኣንጻራውነት

ዘለዓለማዊ ቃልን ሰብኣዊ ስጋን፥ ክልተ ኣንጻር ዝኾነ ማእዝን፥

ኢየሱስ ዘለኣለማዊ ቃለ እግዚኣብሔር ምዃኑ እም ቅድመ ዓለም እተፈጥረ ዘለኣለማዊ ቃለ ኣብ እዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ስጋ ድማ ነቲ እተፈጠርናሉ ህያውነት ተነቃፊ ድሩት ከምኡ እውን መዋትነት ዘመላኽት እዩ!

ሰማይን ምድርን ኢትኣላውነትን ደረትነትን መግለጺ እዩ። ከምኡ እውን ብርሃንን ጸልማትን ንሓድሕዶም ዋላ ሓንቲ ርክብ ዘይብሎም ክልተ ተጻጸርቲ ኵነት እያቶም። ይኹም እምበር ኣብ ኢየሱስ እዚ ኵሉ ይቕንዕን ኣብቲ ኣብ ስጋ ዝለበሰ ቃለ ኣብ ካብ ምጥርናፍ ሓሊፉ ከም እተዓረቐናን ነስተውዕል፥

ኢየሱስ ናብ ጸልማት ዓለም ዝኣተወ ብርሃነ ኣብ እዩ። ኣምላኽ ብርሃን እዩ። ኣብ ልዕሉኡ ጸልማትን ጭካነን የልቦን በቲ ካልእ ሸነኽ ግን ብዙሕ ጸልማት ድማ ኣሎ። ስለዚህ ኣብቲ ስጋ ዝኾነ ቃለ ኣብ - ኢየሱስ ብርሃንን ጸልማትን ቅድስናን ሓጢኣትን ጸጋን ሓጢኣትን ተራኸበ፥

ኣብ ማእከልና ሓደረ

ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ወንጌል ጠቒሶም፥ ወንጌል ነቲ ዝተፈላለየ ውልትው ኵነት ተጠቂሙ ኣምላኽ ዘደንቕ ስራሑ ዝኣወጀሉ ስፍራ እዩ። ኣምላኽ ድኽመትና ምስ ኣጋጠሞ ናብቲ ዘለዓለምውነቱን ደረት ኣልቦንቱ ብርሃኑን ኣየንሰሓበን። ኣክንድኡስ “ኣምላኽ ናብ ጸልማት ይወርድ ኣብቲ ንምዃኑ ጓና ዝዀኑ ነገር ይሓደር፥

ኣብ ማእከልና ክሓድር ዕዮ ኣምላኽ እዩ፥ ነዚ እውን ዘይብቑዓት ኢና  ዝብል ዝስምዓና መንፈስ እውን ዘይዓግቶ ኣብ ማእከልና ምሕዳር እዩ። ንምቕባሉ ድልዋትን ፍቓደይናታትን እውን እንተ ዘይኴንና ንሱ ናባና ካብ ምምጻኡ ድሕሪ ኣይብልን!

ኣብ ድኽነት እተሰግወ!

ብቝዓት ምዃንና ስለ እንጠራጠር መብዛሕቲኡ ግዜ ካብ ኣምላክ ንርሕቕ። ይዅን እምበር በዓለ ልደት ነገራትናን ኵውንነትናን ብዓይነ እግዚኣብሔር ንክንርእዮ ይዕድመና፥ ኣምላኽ ስጋ ዝለበሰ ክኸውን እዩ ዝደለየ፥ ናብ ኢየሱስ ብምቕራብ ፍርህና ንኸነሰንፍ ተማሕጺኖም፥

ር.ሊ.ጳ.፥ ነት ኣብ መንጐና ኪሓድር ንዝደለየ ዘፍቕር ኣምላኽ ክፉታት ንዅን!
ር.ሊ.ጳ.፥ ነት ኣብ መንጐና ኪሓድር ንዝደለየ ዘፍቕር ኣምላኽ ክፉታት ንዅን!

ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ ልሄም ዝነበረ ደንበ እሞ ሕስብ ነብል፡ ኢየሱስ ዝተወልደሉ ድኽነትን እዚ ኸኣ ኣብቲ ሕማቕ ናብራና መጺኡ ልብና ንኽበጽሕ ከም ዘየፍርሆ ንኸረጋግጸልና ቢሉ እዩ!

ናይ ሎሚ ወንጌል ነታ “ምንባር” እትብል ቃል ይጥቀም ኣብ ማእከልና “ነበረ - ሓደረ” እዛ ቃል እዚኣ ናይ ጥልቂ ርክብን ምሉእ ምክፋልን ኵነት መግለጺት እያ።

ኣብ ውሽጢ ደንበ - መብልዒ ማልና ምንባር

ስለዚ ቅዱስነቶም ሓጥኣን ምዃንና ብዘየገድስ ንኢየሱስ ኣብ ልብና ቦታ ብምሃብ ንመልእኽቲ በዓለ ልደት ሓንጐፋይ ቢልና ንቀበል እንክብሉ ክርስቲያናዊ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ንኢየሱስ ኣብ ኵሉ እቲ ኵሉ ነገር ጽቡቕ ኣብ ዘይኩነሉን ብዙሕ ጸገማት ኣብ ዘለዎ ጭቡጥን ተራን ህይወትና ንኽነብር ከም ዝመጸ ትስብእቱ የረጋግጸልና። ኣብዚ ኵሉ ኵነት እዚ ምስኡ ንኽንመክርን ክንዛረብን ድማ ይዕድመና፥

ኣብ ህይወትና ብፍላይ ኣብቲ ኣዚዩ ጸላም ኵነት ህይወትና ንኽኣትው ንዓድሞ። . . . ናብቲ ውሽጢ ደንበ መብልዒ ማልና ንዓድሞ። ብጀካ እዚ እውን ነቲ ኣብ ግዜና ዘሎ ማሕበራውን ዘይንጹር ኵነትን ጸገማትን ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ብሕታዊ ጸገማትናን ነካፍሎን እግዚኣብሔር ኣብ መንጐና ኪነብር እዩ ዝፈቱ!

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ ጸሎተ መላእከ እግዚኣብሔር ዛዚሞም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብኢር ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ንዅሎም ርሑስ በዓለ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ተመንዮም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 Jan 2022, 16:49