ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ማርያም ንዅሉ ነገራት ክንዕቅብን ከነስተንትንን ትሓግዘና

እቲ መብልዕ ማል እቲ ንዓና እግዚኣብሔር ዘሰናደዎ መኣዲ እንታይ ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝተነበየ ስፍራ እዩ። እቲ ናቱ ድኽነት ድማ ነቶም ኣብ ሕድጋት ዘለዉን እተነጸሉን ኵሎም ሰናይ ብስራት እዩ። . . .

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ጥሪ ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽ ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ እዚ ዓቢይ በዓል እዚ “ገዛእ ርእስና ኣብ ትሕቲ ዕቕባ ማርያም ከነወክፍ የተባብዓና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጐይታ እሙን ምዃኑን ንነፍሲ ወከፍ መስቀል ናብ ትንሳኤ ክቕይሮ ከምዝኽእል ትብዓትን ሓጐስን ተጸግወና” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመሰረት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ጥዕና ድንጋገ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 1 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ሓድሽ ዓመትን ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽን ምኽንያት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ዕለቱ እውን ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰላም ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ጓሶት ነቲ ኣብ መብልዕ ማል እተወልደ ኢየሱስ ክበጽሕዎ እንከለዉ ዝተሰምዖም ሓጐስ ዘኪሮም፡ እዚ ሓጐስ እዚ እግዚኣብሔር ንዅሎም ድኻታትን ኣተሓረጉን ዘቕርቦ ከም ዝዀነ ዘረጋግጽ ኵነት እዩ። ኢየሱስ ኣብ ድኽነትን ውርደትን ስለ እተወልደ ኣብ ልባትና ፍቕሪ እምበር ፍርሂ ኣይክሰርጽን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ድኽነት ኢየሱስ፥ ሰናይ ብስራት

ቅዱስነቶም ስብከቶም ኣብቲ ነቶም ጓሶት “ምልክት ሓጐስ” ኣብ ዝኾነ መብልዕ ማል ኣትኵሮኦም ኣብንቢሮም ኣብ ዘበገስዎ ስብከት፥ እቲ “ምውላድ ኣብ መብልዒ ማል ምልክት ሓጐስ እምበር ምልክት ፍርሂ” ኣይኮነን፥

እቲ መብልዕ ማል እቲ ንዓና እግዚኣብሔር ዘሰናደዎ መኣዲ እንታይ ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝተነበየ ስፍራ እዩ። እቲ ናቱ ድኽነት ድማ ነቶም ኣብ ሕድጋት ዘለዉን እተነጸሉን ኵሎም ሰናይ ብስራት እዩ። . . .  

እምነት ፍርያም ዝገብር ተመክሮ

ክብሪ እቲ ልዑልን መከራ መብልዒ ማልን እንታይ የራኽቦ? ማርያም ብጓሂ ዘይኮነ ነዚ ኵነት እዚ ትዕቅብን ተስተንትኖን ነበረት። ሓጐስ ናይቶም ጓሶትን ናይ ማርያም ኣስተንታኒ ስቕታን ምድናቕን፥

እቲ ናይቶም ጓሶት ኵነታት ዘዘንትው ታሪኽ እቲ ናብ ህይወት እዛ ምድሪ እዚኣ ዝኣትው ኣምላኽ ኣብኵሉ መዳያት ዜደንቕ ሓጐስ ክስምዓካ ዝገብር ምዃኑ የመላኽት። እቲ ናይ ማርያም ኵነት ድማ ናይ ብሱል እምነት መግለጺ እዩ። ብዛዕባ እቲ እተወልደ እምነት ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ ፈራዪ እምነት መርኣያ እውን እዩ። ምኽንያቱ መንፈሳዊ ፍረ ብፈተና እዩ ዝሓልፍ!

መብልዕ ማል

ቅድስቲ እኖ ኣምላኽ ነቲ ዓቢይ ምልክታ ውርደት ዝኾነ ኵነት መገዲ ሓጐስ ምዃኑ ተሕብረና፡ ክንየው መስቀል ትንሳኤ ከምዘሎ፥ እቲ ኵነት ስቓይ ንዝዓበየ ብሱል እምነት ባይታ እዩ፥

ኵላዊ - ካቶሊካዊ ኣደነት ማርያም

ማርያም ትሕትናን ሓይልን መድሓኒ ዓለም፡ ትሕትናን ዕብየትን ትሕብረና፥

ማርያም ኣብ ልባ እቲ ሰናይን ጽንኵር ተመክሮም ከይፈላለየት ብሓደ ኣጣሚራ ብምዕቃብ ትሕትናን ዕብየትን ትሕትናን ስልጣንን መድሓኒ ዓለም ተነጽር። ነቲ ክልተ ኵነት እዚ እተዋህድ፡ እዚ ኸኣ ካቶሊካዊነት ማርያም፡ ካቶሊካዊ ኣደነት ማርያም መግለጺ እዩ። ማርያም እትፈላልይ ዘይኮነ እተዋህድ ብምዃና።

ናይ ኣዴታት ጠመተ

ኣዴታት ናይ ደቃተን ናይ ከባቢኤን ስቓይ ናተን ይገብራ። ማርያም ክሳዕ ቀራንዮ ንወዳ ትስዕቦን ኵሉ ነገር ትዕቅቦን ተስተንትኖን፡ ነቲ ናይ ወዳ ስቓይ ናታ ትገብሮ፡ ኣዴታት ናይ ደቃተን ስቓይ ናተን ክገብራ እንከልዋ ብሓሳብ ዘይኮነ ከም ማርያን ብግብሪ ናተን ገይረን እየን ዝነብርኦ፥

ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ነተን ናይ ደቃተን ስቓይ ናተን ገይረን ንደቃተን ዝሕግዛ ኣዴታት እሓሰብ። ኣብ ልበን ንደቃተን ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ፍቕሪ ከምዘለወን ዘርእያ፡ እዚ እውን ንተስፋ ክፉት ዝኾነ ፍቕሪ መግለጺ እዩ!

ቤተ ክርስቲያን ኣደ - ጓለንስተይቲ እያ

ኣዴታት ኣብ ዝዀነ ይዅን ጸገም ግጭት መሰናኽላት ሰላም ናይ ምምስራቕ ኣኽእሎት ዘለወን እያተን፡ ፈትሊ ሕይወት ከይትብተኽ ዝገብራ፥

ቤተ ክርስቲያን ኣደ እያ፡ ቤተ ክርስቲያን ብጓለንስተይቲ እያ እትምሰል፥ እዚ እውን ናይ ደቀንስትዮ ስፍራ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እንታይ ምዃኑ ይሕብር። ጓለንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ስፍራ እዩ ዘለዋ፥ ኣደን ሓብሓቢትን!

ጐይታ መሳቕልና ይቕይሮ

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ስብከት፥ ኵላትና ገዛእ ርእስና ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ቅድስተ ማርያን ንኸነንብር ዓዲሞም፡ ፈተና ከይፈራህና መስቀል ናብ ትንሳኤ ከም ዝቕይሮ ብምትእምማን ነቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈሶን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ዘሎ “ቅድስቲ ኣኖ ኣምላኽ” ዝብል መግለጺ ማርያም ብሓባር ንኽድገም ዓዲሞም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጐይታ መሳቕልና ይቕይሮ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ ማርያም ንዅሉ ነገራት ክንዕቅብን ከነስተንትንን ትሓግዘና
03 Jan 2022, 16:31