ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ብዙሓት ሰራሕተይናታት ይምዝመዙ!

ሎሚ ናይ ስራሕ ክቡር ዋጋ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ንርእስና ክንሓትት ኣሎና፡ ከም ቤተ ክርስቲያን መጠን ካብቲ መኽሰብ ጥራይ ካብ ዝብል ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ክትብጀዎ

ዕለት 12 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ተክለ ሰብነት ቅድስ ዮሴፍ - ጸራባይ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡሕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ “ዕዮ ከም መሰረታዊ መሰልን ግዴታን ሰብኣዊ ፍጥረት ጌርካ ምእንቲ ክንበር” ቤተ ክርስቲያን ንዕዮ ብኸመይ ከም እትብጀዎን ገዛእ ርእሳ ንኽትሓትትን ስራሕ “ካብቲ መኽሰብ ጥራሕ ዝብል” ናይ ስራሕን ሰራሕተይናታትን ክብሪ ዝጐስይ ኣገባብ” ብኸመይ ናጻ ምግባር ዝብል ሕቶ ንገዛእ ርእሳ ከተቕርብ ኣለዋ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ዮሴፍ ልክዕ ከምቲ ብግዜ ኢየሱስ ኣብ ፍልስጥኤም ዝነበረ ጸራቢ ክኸውን እንከሎ እዚ ዕለታዊ ዕዮ ቅዱስ ዮሴፍን እቲ ካብኡ ስራሕ ዝመሃር ወዱን ብዛዕባ እቶም ብቕሳነት ንኸይነብሩ ዝግደዱ ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑን ብዛዕባ ስራሕን ሰራሕተይናን ጒዳይ ንኸነስተንትን ይዕድድመና።

ቅዱስነቶም እውን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘስተንትን ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ነቶም ኣድካሚ ስራሕ ዝሰርሑን፡ ክሰርሑ ዝግደዱን ኣብ ስራሕ ዝዋፈሩ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ኣብ ናይ ዕዮ ቦታ ዘጋጥም ሞትን ማህሰይን ዘርዚሮም እዞም ሰባት እዚኦም “ስራሕ ከም ሓደ ኣገዳሲ ክፍሊ ህይወትን ሰብኣውነት ክኸውን ዝድርኽ ዘይኮነስ ብዝያዳ ተነጺሎም ንኽነብሩ ዝግደድሉ ከም ዝኾኖም ገሊጾም፥ መላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ክብሪ ንምምላስ ከምኡ እውን ካብቲ መኽሰብ ጥራሕ ዝብል ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ክላቐቕን መሰልን ክብርን ግዴታን ምዃኑ ብዘስተውዕል ኣገባብ ክንበርን መታን እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ሕቶ ንገዛእ ርእሳ ከተቕርብ ሓቲቶም፥ “መንግስታት ዜጋታት ዕለታዊ እንጌራ ከርክቦም ዝኽእል ባይታ ክፈጥሩሎም እቲ ካብቲ ስራሕ ዝርከብ ደሞዝ ጽግዕተይና ከይኴንካ ናይ ምንባር ክብሪ የውህብ”  ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጽርበት ከቢድ ዕዮ እዩ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዕለት 12 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ዘቕረብዎ ንቅዱስ ዮሴፍ እተወፍየ ሻብዓይ መደብ፥ ቅዱስ ዮሴፍ ዝመሓደርሉ ዝነበረ ስርሑን ሞያኡን መሰረት ገይሮም፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዕዮ ጽርበትን ጸራብን ኣብ ፍልስጥኤም ኣባይቲ ንምሕናጽ ዕንጨይቲ ምድላው እውን ዘጠቓልል ዕዮ እዩ ዝነበረ፡ እዚ ኸኣ ዕዮ ጽርበት ክሳብ ክንደይ ኣድካምን ብርቱዕን ምዃኑ እዩ ዘመላኽት።  ብዙሕ ኣታዊ ዘይርከቦን ብህዝቢ ናዝሬት እውን ክብሪ ይወሃቦ ከም ዘይነበረን ኢየሱስ ወዲ እቲ ጸረቢ ዝብል ኣብቲ እዋን ናይ ትሑታት ክፍሊ ሕብረተሰብ መግለጺ ዝነበረን ትሑት ማሕበራዊ ደረጃ መግለጺ እዩ ዝነበረ፣ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪሰብኽን ኪምህርን ምዝ ጀመረን ልክዕ ከም ሓደ ናይ ሕጊ ሊቅ ኮይኑ ክምህር ዝሰምዑ ዝነበሩ እቶም ኣብቲ ምኵራብ ተኣኪቦም ዝነበሩን ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ኰሎም ይግረሙን ጥራሕ ዘይኰንስ “እዚ ጥበብን ተኣምራን እዚ ካበይ ረኸቦ” እንክብሉ ይሓትቱ፥ መሕትቲኦም ከኣ ወዲ ጸራባይ ስለ ዝነበረ እዩ።

ካብ ዮሴፍን ኢየሱስን ናብ መላእ ዓለም ሰራሕተይናታት

ቅዱስ ዮሴፍ ምስ ማርያም ኰይኑ ንኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ከቕርቦ እንከሎ “ከምቲ ሕጊ ንድኻታት ዝእዝዞ ድማ ክልተ ባሬቶ ወይስ ክልተ ጫጩት ርግቢ መስዋእቲ ምእንቲ ኺህቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኬቝምዎ ናብ የሩሳሌም ከም ዝኸዱ” ወንጌል ይነገረና፥ ብዛዕባ ናይ ዮሴፍን ኢየሱስን ክትሓስብ እንኮለኻ ብዛዕባ ኵሎም ሰራሕተይናታት ዓለም ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቶም ኣብ መዐደኒታት ኣብ ገሊኡ ፋብሪካታት ኣድካሚ ዕዮ ዝዓዩን ዝምዝመዙን ብጸሊም ዝሰርሑን ኣብ ናይ ዕዮ ቦታ ናይ ሞትን ማህሰይትን ሓደጋ ዘጋጥሞምን ግዳያት ሸቕሊ ነቶም ብዘይ ዕድመኦም ኣክንዲ ናብ ትምህርቲ ንኽሰርሑ ዚግደዱ ቈልዑን ኣብ ፈቐዶ መእከቢ ጓሓፍ ገለ ነገር ዝልወጥን ዝሽየጥን እንተረኽብና ቢሎም ኣብ ፈቖዶ ኵምሮ ጓሕፍ ክፍትሹ ዝውዕሉን ንኽትሓስብ ይድርኽ።

መቕዘፍቲ ጸሊም ስራሕ

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ብዙሕ ከባቢ ዓለም ዝረአይ ናይ ጡረታ ኣበል ዘይብሉ ዕድመኻ ምስ ደፍአ ዘንብር ክፍሊት ክትረኽበሉ ዘኽእል ብወግዒ ናይ ወሃቢ ስራሕን ሰራሕተይናን ውዕሊ ዘይብሉ ብጸሊም ክትሰርሕ ዘገድድን ስራሕ እንተ ዘይብልካ ከኣ ድሕንነት ስለ ዘይህልወካ ሕራይ ቢልካ እትቕበሎ መዝማዚ ስራሕ እዚ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብሰፊሕ ከምዝርአን ብዙሓት ቈልዕነቶም ኣብ ምጽዋትን ደሓር እውን ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ከሕልፉ እናተገብኦም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንስራሕ ዓለም ዝዳረጉን ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑን ስራሕ ዘውህቦ ክብሪ ዘይረኽቡን ኵሎም እናሓሰቡ፥

. . . ስራሕ ዕለታዊ እንጌራ ንኽትረክብ የብቅዓካ እንጌራ ምርካብ ክብሪ ይህበካ . . .ንሰብኡትን ኣንስትን ዕለታዊ እንጌራ ናይ ምርካብ ዕድል - ክእለት እንተ ዘይሂብናዮም ማሕበራዊ ፍትሒ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። . . . ዕለታዊ እንጌራ ብረሃጾም ክረኽቡ እንተ ዘይገበርና ኣብ ማሕበራዊ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኢና እንዋሳ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናብ መንግስታት ዝቐርብ ጸዋዕታን ኣብ ናይ ዕዮ ቦታ ዘጋጥም ሞትን ማህሰይትን

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥

መንግስታት ንዅሉ ሰብ እንጌራ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ክህቡን ክፈጥሩን ኣለዎም፡ ስራሕ ክብሪ ስለ ዝኾነ፡ ክብርን ስራሕን ዝተተሓሓዘ እዩ። ብዙሓት መንእሰያት ብዙሓት ኣቦታትን ኣዴታትን ብሰላም ክነብሩ ዘኽእሎም ስራሕ ብዘይ ምርካቦም ዘሕዝን ፍጻሜ እዩ ዘጓንፎም። . . . ተስፋን ትምኒትን ህይወት ከም ዚስእኑ እዩ ዝገብሮም። ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ብዙሓት ሰባት ካብ ስራሕ ተሰጒይጎምን ገሊኣቶም እውን ስራሕ ንኽረኽቡ ዘይሕግዝ ኵነት ስለ ዘቕርብ ዘሎ በዚ ኵነት እዚ ተሳቕዮም ካብ ርእሰ ቅትለት ዝበጽሑ ብዙሓት እያቶም። . . .

ዕዮ ኣብ ጐደና ቅድስና እውን ኣገዳሲ እዩ

“ዕዮ ኣብ ህይወት ወዲሰብን ኣብ መገዲ ቅድስናን ኣገዳሲ ክፋል ምዃኑ እዅል ግምት ኣይግበረሉን ኢዩ” ምኽንያቱ “ስራሕ ግቡእ መነባብሮ ንምርካብ ጥራይ ዘይኰነስ ሓሳብና እንገልጸሉ ጠቓሚ ምዃንና ክስምዓና ዝገብር ከምኡ እውን ኣብ ዘይጭቡጥ መንፈሳውነት ንኸይንወድቕ ዝሕግዘና ዓቢይ ጭቡጥ ትምህርቲ እንመሃረሉ ቦታ እዩ፥”

እቲ ዘሕዝን ግን ስራሕ መብዛሕቲኡ ግዜ ንማሕበራዊ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ከም ጅሆ ገርካ ኢዩ ዝርአ፡ ሰብኣውነት ንምምሕያሽ ኣብ ክንዲ ዝግበር ወሰናስን ህላወ ተገይሩ እዩ ዝሕሰብ፡ መብዛሕቲኡ ግዜ መዓልታዊ ዕዮና በየናይ መንፈስ ኢና እንፍጽሞ? ድኻምና ብኸመይ ኢና እንጻወሮ? ንጥፈታትና ምስ ጽሕፍቶና ወይ ምስ ጽሕፍቶ ካልኦት ጥራይ እተተሓሓዘ ምዃኑ ንርኢ ዶ?

ስራሕ ካብቲ ናብ ርትዓዊ መኽሰብ ናብ ድሕነት ከብል

ከም ሓቂ እኳ ደኣስ “ዕዮ ባህርያትና እንገልጸሉ መገዲ እዩ። እዚ ኸኣ ብተፈጥሮኡ ርክብም መራኸብን እዩ” ኣብ ርእሲ እዚ እውን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ዕዮ ብናይ ገዛእ ርእሱ ኣገባብ ስለ ዚዓዮ “መሃዝነትና እንገልጸሉ መገዲ እዩ። ኢየሱስ ባዕሉ ከም ዝዓየየን ነዚ ስነ ጥበብ እዚ ብልክዕ ካብ ቅዱስ ዮሴፍ ከም እተመሃርን ምሕሳብ” ባህ ዘብል እዩ።

ሎሚ ናይ ስራሕ ክቡር ዋጋ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ንርእስና ክንሓትት ኣሎና፡ ከም ቤተ ክርስቲያን መጠን ካብቲ መኽሰብ ጥራይ ካብ ዝብል ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ክትብጀዎ ከምኡ እውን ክብረት ዝገልጸሉን ዘዕብን መሰረታዊ መሰልን ክብርን ግዴታን ናይ ሰብ ኰይኑ ምእንቲ ክንበር ከመይ ዝበለ እንታይ ዝዓይነቱ ኣበርክቶ ክንገብር ንኽእል?

ዝብሉ ሕቶታት ኣቕሪቦም፥

ጸሎት ጳውሎስ ሻድሻይ ንባሕቲ ግንቦት

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ዕለት 1 ግንቦት 1966 ዓ.ም. ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዘቕረብዎ፥

ኦ ሓላዊ ኵላዊት ቤተክርስቲያን ቅዱስ ዮሴፍ፥ ኣብ ጐድኒ እቲ ስጋ ዝለበሰ ቃል ብምንባር ካብኡ ብርታዐ እናረኸብካ ብጻዕሪ እንጌራ ንምርካብ መዓልታዊ እትዓዪ ዝነበርካ፥ ጭንቀት ጽባሕ መሪር ድኽነት ብርቱዕ ስራሕ ዘሕለፍካ እቲ ሎሚ ዘንጸባርቕ ሰብኣውነት ዝመልኦ ኣብነትካን ኣብ ቅድሚ ሰብን ኣምላኽን ኣዚዩ ዓቢይ ትሕትናኻን ነቶም ኣብ ጽንኵር መዓልታዊ ህይወት ዝዓዩ ካብ ተስፋ ምቝራጽ ካብ ከሓዲ ዕልወትን ካብ ፈተና ሄደንተይናነት ኣዕቍቦም፡ እታ ንምዕባለ ህዝብታት ውሕስነት ክህብ ዝኽእል  ሰላም ድማ ኣብ ዓለም ዓቅባ። ኣሜን!

ዝብል ጸሎት ደጊሞም ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡሕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

13 January 2022, 08:42