ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ሰውራ ለውሃት ዘይትጽበዮ ፍትሒ ዝግበረሉ መገዲ እዩ!

ብዘይ እዚ “ናይ ለውሃት ሶውራ” እዚ ብቐሊሉ ንኸንትስእ ዝገብረና ንድሕነት ምስ መቕጻዕቲ ኣብ ዘደናግር ፍትሒ ክንእሰር ንኽእል ኢና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 19 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ነቲ ኣብ ተክለ ሰብነት ቅዱስ ዮሴፍ ኣማእኪሎም ዝጀመርዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፥ እግዚኣብሔር ልክዕ ከምቲ ኣብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 15 ዝግለጽ መሓርነቱ፥ ብሓጢኣትና ዘይስምብድ ወትሩ ቀረባናን ዘፍቅረናን ምዃኑ ከም ዘጒልሑን ብዛዕባ ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ዘለዉ ሰባት ዘኪሮም፥ እቶም ጌጋ ዝፈጸሙ ሰባት ጌጋኦም ኪኸፍሉ ግብእ እኳ እንተዀነ ካብ ጌጋታቶም ኪብጀዉ ምግባር እውን ፍትሓዊ ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ተመክሮ ለውሃት “ኣብ ድኽነትናን ጸበባናን ኵሉ ከም እተፈቐርናን ሓንጐፋይ ዝብል እንግዶት ምቕባል ማለት እዩ። ብፍቕሪ ኣምላክ ምልዋጥ ማለት እዩ።” እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ ዝሓለፍ ሰሙን ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ዘተኮረ ምስ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተተሓሓዘ እዩ። ቅዱስነቶም እታ ብምኽንያት ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ብኣባታዊ ልቢ ዘርእስቱ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ምልስ ቢሎም ብምዝካር ዮሴፍ ቅዱስ ሓላዊ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተሰመየሉ ዝኽሪ መበል 150 ዓመትን ከምኡ እውን ወንጌላዊ ሉቃስ ዘዘንትዎ ምሳሌ መሓሪ ኣቦ ብምዝካር ለውሃት ብቐዳምነት “ተመስጦ ወይ ስምዒትታዊ ጒዳይ” ኣይኰነን። “ጐይታ ከም ብሓድሽ በቲ ኣዚዩ ተነቃፊ ዝገበረና ነገራት ብልክዕ ክሓልፍ ምርኣይ ዘጠቓልል እዩ። ንኹሉ ድኽመታትናን ሓጢኣትናን ብናይ እስራት ፍርዲ ዘይኮነስ ብኢድና ሑዙ ካብቲ ድኽመታት ንኽንትንስእ እዩ ዝሕግዘና። ብርግጽ ኵላትና ክፍታሕ ዘለዎ ጸብጻብ ሕይወት ዘሎና ኢና፣ ምስ እግዚኣብሔር ምጽብጻብ ክንደይ ሰናይ እዩ። ገና ንኽንዛረብ ኣፍና ምስ እንኸፍት ንሱ ቀዲሙ እዩ ኣብ ሕቕፉኡ ዘንብረና።”

ለውሃት ካብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዓለም እዚዩ ዓቢይ እዩ። ዘይትጽበዮ መጋበርያ ፍትሒ እዩ። ስለዚ ኸኣ ኢና ኣምላኽ ብሓጢኣትና ከም ዘይስንብድ ክንርስዕ ዘይብልና - ፈጺምና ክንርስዖ የብልናን። ኣምላኽ ብሓጢኣትና ፍጺሙ ኣይስምብድን። ካብ ሓጢኣትና እዚዩ ዝዓበየን ኣቦ ፍቕሪ ለዋህ እዩ። ብሓጢኣትና ብጌጋታትና ብውድቀትና ኣይስምብድን። ልብና ክንዓጽው እንኰለና እዩ ዝሓዝን። . . . እዚ የሳቕዮ። ኣብ ፍቕሪ ዘይምእማንና ድማ የሰምብዶ። ፍቕሪ ኣምላኽ ዘንጽሕ ዓቢይ ለውሃት እዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ቅዱስ ዮሴፍ እዩ ንእየሱስ ዝመሃሮ፡ እዚ ባህ የብል፡ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ኣምላኽ ወትሩ ብሰብኣዊ ተመክሮታት ኣቢሉ እዩ ናባና ዚመጽእ!

“ንእስራኤል ሕጻንከሎ ኣፍቀርክዎ። ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ [. . .] ዘታቴዅዎ ኣነ እየ [. . .] ብርህራሀን ብፍቕርን ናባይ ሰሓብክዎም . . . ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳዶም ኣልዓልኩሎም ደኒነ ድማ መገብክዎም . . . “ (ትንቢት ሆሴዕ)

ለውሃትን ዕርቅን

ንገዛእ ርእስና ነዚ ለውሃት እዚ ተመኪርናዮ እንተድኣ ዄንና ብግዴና ድማ መሰኻኽር እንተድኣ ዄይና ገዛእ ርእስና ንሕተት፡ “ናይዛ ፍቕሪ እዚኣ መሰኻኽር ናይዚ ምሕረት እዚ መሰኻኽር።” ኣብቲ ብኣባታዊ ልቢ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከም ዝበልዎ፥ ለውሃት “ነቲ ተነቃፊ ዝዀነ ነገር ንምትንካፍ ዘኽእል ብሉጽ መገዲ” እዩ። “ኣለይቲ ህሙማን ንቝስሊ ህምሟን ዝፍውሱን ነቲ ዝቖሰለ ኣካል ብኸይም ከም ዝትንክፍዎን ዝከናኸንዎም ምእንቲ ከይጐድእዎ ቢሎም ብለውሃት እያቶም ዝትንክፍዎ” ብተመሳሳሊ መገዲ ጐይታ ነቝሳልና ብለውሃቱ እዩ ዝትንክፎ።”

ኣብ ምስጢረ ንስሓ ምስ መለኰታዊ ርህራሀ ምርኻብ ኣገዳሲ ዝኸውን። ኣብ ምስጢረ ንስሓ ጥራይ ኢና ናይ ኣምላኽ ሓቅን ሓላዪ ፍቕርን እንምከር። እቲ እኩይ ዝኾነ ሰይጣን እውን ብዘገርም ኣገባብ ብዛዕባ ሓቂ ኪዛረበና ይኽእል እዩ። እዚ ዚገብሮ ግና ንኪኸሰና ጥራይ ኢዩ። መለኮታዊ ሓቂ ንዓና ኣይከሰናን ኢዩ። በንጻሩ እኳ ደኣ ብመለኮታዊ ሓቂ ይሓቝፈና የበራትዓና ይምሕረና ይቕበለና። (ብኣባታዊ ልቢ ፍቕዲ 2 ረኣ)

ሰውራ ለውሃት

ኣብ ኣቦነት ዮሴፍ ገዛእ ርእስና ንጠምት፥ ጐይታ ብለውሃቱ ኬፍቅረናን በዚ መገዲ እዚ ክልውጠና እንፈቕደሉ ምዃንናን ዘይምዃንና ገዛእ ርእስና ንመርምር፥

ብዘይ እዚ “ናይ ለውሃት ሶውራ” እዚ ብቐሊሉ ንኸንትስእ ዝገብረና ንድሕነት ምስ መቕጻዕቲ ኣብ ዘደናግር ፍትሒ ክንእሰር ንኽእል ኢና፡ በዚ ምኽንያት እዚ ሎሚ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብፍሉይ መገዲ ክዝክሮም እደሊ እየ። እቶም ጌጋ ዝገበሩ ጌጋኦም ኪኸፍሉ ግብኡ እንኳ እንተ ዀነ እቶም ጌጋ ዝገበሩ እውን ካብ ጌጋታቶም ኪብጀዉ ይኽእሉ እዮም።

“ዝኾነ ይኹን ኵነኔ - ይብሉ ቅዱስነቶም - ወትሩ ናይ ተስፋ መስኰት ኣለዎ፡ ብዛዕባ እቶም እተኣሰሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እስከ ንሕሰብ ኣምላኽ ንዓታቶም ዘለዎ ለውሃት እስከ ንሕሰብ እሞ ኣብቲ መስኰት ተስፋ ናብ ዝሓሸ ህይወት መዋጽኦ ምእንቲ ክረኽቡ ንጸሊ።”

ጸሎት በማላድነት ቅዱስ ዮሴፍ

ኣቦ ለውሃት ቅዱስ ዮሴፍ

ኣብቲ ኣባና ዘሎ ኣዚዩ ድኹም ኣብ ዝዀነ እውን ዝተፈቐሩ ምዃንና

ኣብ መንጐ ድኽነትናን ዕቤት ፍቕሪ ኣምላክ መሰናኽል ከይኸውን መሃረና!

ናብ ምስጢረ ንስሓን ዕርቅን ንምቕራብ ይቕረ ንምባል ከምኡ እውን ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ድኽነቶም ብለውሃት ንኸነፍቅሮም ባህጊ ኣሕድረልና!

ነቶም ጌጋታት ዝፈጸሙን ዋጋ ዝኸፍሉን ዘለዉ ሰባት ቀረባኦም ኵን፣ ምስ ፍትሒ ሓቢሮም ከም ብሓድሽ ንኽጅምሩ ዜኽእሎም ለውሃት ንኺረኽቡ ሓግዞም።

ከም ብሓድሽ ኪጅምሩሉ ዘለዎም መገዲ ድማ ብልቢ ይቕረታ ኣብ ምሕታት ሓልህዮት ኣቦ ከም ክስምዖ መሃሮም!

ኣሜን!

ብዝብል ጸሎት ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 January 2022, 17:42