ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ብቃል ኣምላኽ ምልዋጥ!

ብመንፈስ ቅድሱ ቅቡእ ዝኾነ ኢየሱስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንዅሉ ትርጉም ይህብ። . . . ነዚ ንኽነበስር ኢና ዝተጸዋዕና

ዕለት 23 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቃል ኣምላኽ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ኣጸድ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተኽርብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኮይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ቅድሚ ምዕራጐም፥ “ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሕና ንኽንልወጥን ሓጐስ ኣምላኽ ንኽንምስክርን መታን ዕለታዊ ቃል ኣምላኽ ነንብብ” እንክብሉ ከም ዝመዓዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኢየሱስ ኣብታ ዝዓበየላ ናዝሬት ኣብ ዝርከብ ሙክራብ ኪሰብኽ እንከሎ፥ ነቲ ኣብ ነቢይ ኢሳያስ ዘሎ ቃል ትንቢት ጠቒሱ፥ “ንምሩኻት ምምላስ ንዕውራት ምርኣይ ንግፉዓት መውጻእ ሓራ ከበስር ለኣኸኒ . . . እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ተፈጺሙ . . .” ዝበሎ ኣብ ኵሉ እዋን ዝጓዓዝ ወትሩ ክቡር ዋጋ ዘለዎ እዩ!” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብመንፈስ ቅዱስ ቅቡእ

ቅዱስነቶም ሰባት ብቃል ኢየሱስ ከም እተተንከፉን ዝበለጸ ነገር ክስዕቡ ዘስተውዓሉ እውን እንትነበሩ ብናይ ገዛእ ርእሶም ኣተሓሳስባን ቀዲምካ ብምፍራድን ውጥናቶም ደበና ተኸቢቦም እዮም ዝነበሩ። ብመንፈስ ቅድሱ ቅቡእ ዝኾነ ኢየሱስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንዅሉ ትርጉም ይህብ። . . . ነዚ ንኽነበስር ኢና ዝተጸዋዕና፡ ካብዚ ወጻእ ግና ስብከታትና ንቓል ኣምላኽ ዘየቃልሕ ዘይጭቡጥ ኮይኑ ንገዛእ ርእስናን ንዝሰምዑናን ህይወት ዘይትንክፍን ዘይልውጥን እዩ ዝኸውን። ምእንቲ እዚ ቅብኣት መፍነስ ቅዱስ የድሊ። ስብከትና ካብ መንፈስ ቅዱስ ቅቡእ ካብ ምዃን ዝነቕል ካብ እዋናዊ ተመክሮ ዝውሕዝን እዩ ክኸውን ዘለዎ።”

ሰንበት ዘቃለ ኣብ

ቅዱስነቶም ንዅሎም እቶም ወንጌል ዚሰብኩን ዚምህሩን ሰባት ብፍላይ ከኣ ኣብዛ ሰንበት ዘቃለ ኣባ ምስጋናኦም እንክገልጹ ቃል ኣምላኽ ወትሩ ብከመይ “ህያውን ውጽኢታውን” ምዃኑ ብምስትባህል ንቕዱሳት መጻሕፍቲ ህያው ብዚገብሮ መንፈስ ምእንቲ ክምላኡ ንዅሎም እቶም ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ንዝዋፈሩ ኪጽለይ ኣተባብዖም ቃል ኣምላኽ የጸናንዓናን ይመርሓንን ህይወትና ይልውጣን።”

ወንጌል ዕለታዊ ምንባብ

“ቃል ኣምላኽ ኣብ ዕለታዊ ተራ ህይወትና ዝዛረበና ምዃኑ ኣጒሊሖም፥ መዓልታዊ ከንብቦን ሓደራ ቢሎም፥ ቃለ ወንጌል መዓልታዊ ምስ እነንብብ ከኣ ብቐጥታ ይዛረበናን ዝሓሸን ሰላማዊ ናብራ ንኽንነብር ክሕግዘናን ክንርኢ ኢና” ቢሎም “ወንጌል ናብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ምስ ዝኣትው ኵሉ ድማ ብኣምላኽ ስለ ዝምላእ ወንጌል ምፍላጥ ሕዳሴን ሓጐስን ኣምላኽ ክበጽሓና ይገብር፥”

ቃል ኣምላኽ ነቲ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ዝተጀመረ ጉዕዞ ሲኖዳውነት ዝመርሕ ይዅን። ንሓድሕድና ብኣቃልቦን ብምስትውዓልን ክንሰማማዕ ክንጽዕር መታን ብሓባር ቃል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ጽን ንበል። ቅድስቲ ድንግል ማርያም መዓልቲ መዓልቲ ወንጌል ንኽንምግበ ዘክእለና ጽንዓት ክንጽገው ተማልደልና

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዛዚሞም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

25 January 2022, 09:03