ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ማርያም ኣብ ልብናን ኣብ ዓለም ኣስተንፍሶ ስኒት ትኹን!

ቅዱስነቶ ዕለት ሓደ ጥሪ እውን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ምዃኑ ዘኪሮም፥ ሰላም ካብ ኣምላኽ ከም ዚመጽእን ፍረ ናይ ሓባር መብጻዓ እውን ምዃኑ ገሊጾም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ሓድሽ ዓመት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓባር ቅድሚ ምዕራጐም፥ ማርያም ንግስተ ሰላም ኣብ ልብናን ኣብ መላእ ዓለምን ስኒት መታን ክወርድ እጅገና ዓጺፍና ኣብ ህንጸት ሰላም ክንዋፈር ተተባብዓና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንጎሆ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 1 ጥሪ ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላክ ምኽንያት ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ነቶም ኣብ ኣጸድ ቅዱስ ጴጥሮ ዝተረኽቡ ምእመናን ፍርቂ መዓልቲ ተቐቢሎም ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዝለገሱን፡ ዕለት 1 ጥሪ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል እመ እምላኽን መዓልቲ ሰላምን እተብዕለሉ ዕለት ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 2, 16-21 ዝተወስደ ምንባብ ኣማኣኪሎም፥ እቶም ጓሶት ብመላእኽቲ ተበሲሮም ናብቲ እቲ ሕጻን ዝተወልደሉ መብልዕ ማል ከይዶም ዝርኣይዎ ዘደንቕ ግልጸት ገሊጾም። ንማርያም ከም ሓላይትን ሓብሓቢትን ኣደ ንኽንጥምታ ዘኽእል ግልጸት ምዃኑ ኣመላኺቶም፥ ማርያም ነቲ ምእንቲ ኵሉ ዝተወልደ ሕጻን ተቕርበልና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እግዚኣብሔር ቀረባና እዩ
እግዚኣብሔር ቀረባና እዩ

እግዚኣብሔር ቀረባና እዩ

ማርያም ንኢየሱስ ከተቕርበልና ኣምላኽ ቀረባና ምዃኑ ተረጋግጸልና፣ ምእንቲ ክንፈርህ ዘይኮነስ ከም እተፈቐረና ምእንቲ ከነስተውዕል። እግዚኣብሔር ሓደ ካባና ምእንቲ ክኸውን ሰብኣዊ ኵነትና ለቢሱ ናባና መጸ . . . ኵላትና ኣሕዋትን ኣሓትን መታን ክንከውን . . .

ኣምላኽ ብለውሃት ትብዓት ይጽግወና

እግዚኣብሔር ኣብ ሕጻነ ኢየሱስ “ኣምላኽ ምሳና ኩነ” በዚ ለውሃትን ሓልዮትን እዚ ኣቢሉ ድማ ትብዓት ይህበና። እዚ ኣድላዪ ምትብባዕ እዚ ኸኣ ኣብዚ ብሰንኪ እቲ ለብዒ ዝተኣታተወ ዘይተኣማምንን ኣጸጋምን እዋን ክንጻወሮን ክንሰግሮን የብቅዓና፣ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ንመጻኢ እውን ዘፍርህን ኣዴታትን ደቃተንን ካብ ግጭትን ጥሜትን ኪሃድሙ ወይ ከኣ ኣብ መዓስርክ ሰተይናታት ዝርከቡን እውን ዘኪሮም ንሕና እውን ልክዕ ከም ማርያም ኣብ ዓለም ንእወታዊ ለውጢ መጋበርያ ክንከውን ንኽእል ኢና። ናይ ሕውነት ኣንጠረይናታት እንተ ዄይና ነታ ብውግእን ዓመጽን እተበታተነት ዓለም ከነዕሪ ንኽእል” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

እግዚኣብሔር ቀረባና እዩ
እግዚኣብሔር ቀረባና እዩ

 ሰላም ውህበትን ሓባራዊ ቃል ኪዳንን እዩ

ቅዱስነቶ ዕለት ሓደ ጥሪ እውን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ምዃኑ ዘኪሮም፥ ሰላም ካብ ኣምላኽ ከም ዚመጽእን ፍረ ናይ ሓባር መብጻዓ እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ ሰላም ብዘይ ሓገዝ እግዚኣብሔር ክንዕቅባ ስለ ዘይንኽእል ካብ ላዕሊ ሰላም ንኽበጽሓና ክንልምን ከምዘሎና ኣጒሊሖም፡ እቲ መስፍን ሰላም ጭቡጥ ስጒምቲ ብምውሳድ ንሰላም ቈራጽነት ክንገብር መታን ኣብ ልብና ሰላም ክህልወና ይሓተና። እዚ ኸኣ ንድኻታት ጽን ኢልና ክንሰምዕን ፍትሒ ክርከብ መታን ንኽንዓዪ ከምኡ እውን ጽልኢ ንምውጋድ ንኻልኦት ይቕረ ንምባል ትብዓት ምጥራይ ማለት እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኰነ ኣብ ሕብረተሰብ ነቲ “ሓድነት ከም ዝህልወና ዝገብር ሰናይ” ኵላዊ ምርኣይ ዝብል ንሰላም ዘደልድል እወታዊ ኣረኣእያ የድልየና። ጭንቀት ምጒርምራም ጥቕሚ የብሉን “እጅገና ዓጺፍና” ምእንቲ ሰላም ንኽንዓዪ መታን ንግስቲ ሰላም ዝኾነት ማርያም “ኣብ ልብናን ኣብ መላእ ዓለም ስኒት ክርከብ” ረደኤታ ንለምን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እግዚኣብሔር ቀረባና እዩ
እግዚኣብሔር ቀረባና እዩ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ዕለት 1 ጥሪ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሰላም ምዃኑ ብምዝኽኻር እዚ እውን ብድልየት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1986 ዓ.ም. ዝተበገሰ መደብ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ኵሉ ሰብ ሰላም መታን ክረክብ ካብ ዝብል ትምኒት ዝነቐለን ሰላም ጸጋ እግዚኣብሔር ምዃኑ ብምስትውዓል እውን እዩ። “ኣብ መንጐ ወለዶታትን ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን ናይ ዕዮ ቦታታትን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ መጋበርያ ሰላም እዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ነዛ መዓልቲ ሰላም እዚኣ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላም ዘኪሮም ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ስለ ዘመሓላለፍዎ ብሔራዊ መልእኽቲ እውን ኣመስጊኖም ንዅሎም ነቶም ኣብቲ ጸሎት ዝሓበሩን ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓለም ሰላም ምእንቲ ክረጋገጽን ውሑስ ክኸውንን ዝዓዩ ኣባላት ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምስጋናኦም ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ገሊጹ።

03 Jan 2022, 16:40