ድለ

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን፥ ንዘተ ምስማዕ ኣገዳሲ እዩ! መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን፥ ንዘተ ምስማዕ ኣገዳሲ እዩ!  (Vatican Media)

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን፥ ንዘተ ምስማዕ ኣገዳሲ እዩ!

ኣብ ቤተ ክርስቲያን “ንሓድሕድና ክንሰምዕን ክንሰማማዕን ኣዚዩ ኣድላዪ እዩ፡ ንሰባት ንምስማዕ ናይ ገዛእ ርእስና ግዜ ብናጻ ምሃብ ናይ መጀመርታ ተግባር ግብረ ሰናይ እዩ። ንሓድሕድና ንምስማዕ ጽቡቕ ኣጋጥሚ ምእንቲ ክኸውን ጸሎት ክግበረሉ

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን፥ ንዘተ ምስማዕ ኣገዳሲ እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ን2022 ዓ.ም. መበል 56 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓት ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ኣብ ወግዓዊ ሓበሬታ ዘሎ ምጥርጣርን ንዓለም ናይ ሓበሬታ ትውክልቲ ዝገብሮን ብሩህ ንምግባር ኣጸጋሚ ዝዀነሉ ዝቕባበ ሓበሬታ እውን ኣስዒቡ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን ኣተሓሒዞም እውን ንስደተይናታት እናሓሰቡ፥ “ታሪኾም ብምስማዕ ንጽልኢ ነወግድ፡ ኣብ ቅድመና ቍጽርታት ኰነ ሓደገይናታት ወረርቲ የብልናን!” እንክብሉ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ምቅርራብን ምልላይን ዓቢይ ግደ ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናይ 2021 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን መልእኽቶም ንኽውንነት ኣብ ምርኣይን ንኻልኦት ኣብ ምምሕልላፍን ኣብ ዝብል ኣምር ድሕሪ ምትኳር ኣብታ ናይ 2022 ዓ.ም. ዕለት 24 ጥሪ ወግዓዊ ዝኾነት ንመበል 56 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፥ ጽን ኢልካ ምስማዕ ዝብል ሓሳብ ዘጒልሕ ኮይኑ፥ ጽን ኢልካ ምስማዕ “ንሰዋሱው ምርኻብን ንቕኑዕን ሓቀይናን ዘተ ወሳኒ እዩ።” ሰባት ንሓድሕዶም ጽን ምብህሃልን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ናይ ምስማዕ ክእለቶም ብናህሪ የጥፍኡ ከም ዘለዉን እዚ ኸኣ ብፍላይ እቲ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓድሽ ዓይነት እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዝፈጥሮ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ኣገባብ ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም የብርሁ።

ብእዝነ ልቢ ምስማዕ

ናይ 2022 ዓ.ም. ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን መርሕ ቃል “ብእዝነ ልቢ ምስማዕ” ዝብል ከም ዝኾነን ምስማዕን ናይ ምስማዕ ክእለትን ኣብ ዝብል ሓሳብ ከነስተንትንን ዝዕድም ኮይኑ ናይ ሓቂ ምስማዕ መሰረት ናይ ሓቀይና ርክብ ክኸውን እንከሎ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጐ ኣምላኽን ደቅሰብን ዘሎ ርክብ ድማ መሰረት ከም ዝኾነና ቅዱስነቶ ብሰፊሕ የብርሁ።

ቅዱስነቶም ቅዱስ ጳውሎስ ስጠቒሶም “እምነት ብምስማዕ እዩ ዝመጽእ” ቢሎም ከም ሓቂ እኳ ደኣስ “ምስማዕ ምስቲ ትሕትና ዝመልኦ ኣገባብ ኣምላኽ ዚመሳሰል እዩ፡ ንሱ ገዛእ ርእሱ ብቓሉ ክገልጽ እንከሎ ሰብኣውን ኣንስታውን ፍጥረት ኵሉ ብምስምዕ ኣቢሉን ንሓድሕዶም ክሰማምዑ እንከለው ኣብ ዘተ ከም መሻርኽቱ ገይሩ ዝርእዮም ምዃኑ የመላኽቱ።

ደቅሰብ እውን ብግዲኦም ከምቲ ኣምላኽ ንቃል ኪዳን ፍቕሪ ዝጸወዖም ‘ክሰምዑ ፍቓደይናታት ክዀኑ ኣብ ምስማዕ ገዛእ ርእሶም ክቓንዩ ተጸዊዖም እዮም። ስለዚ ቅዱስነቶም ብመሰረቱ “ምስማዕ ናይ ፍቕሪ ስፍሓት እዩ” ይብሉ።

ናይ ምርኻብ - ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ሰናይ ኵነት

ይዅን እምበር ኣብ ሓያሎ ርክባት ናይ ሓቂ ምስማዕ -  ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ጐዲሉ ይርአ። ከመይሲ ክልቲኦም ወገናት ንሓድ ሕዶም ክዝትዩ ፍቓደይናታት ስለ ዘይኮኑ እዩ። እዚ ኣብዚ ግዜና እውን ከይተረፈ ኣብ ህዝባዊ ህይወት ዝርአይ እዩ። ምኽንያቱ ድማ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ንሓድ ሕዶም ሕሉፍ ብዘይ ጽን ምብህሃል ስለ ዝዛረቡ እዩ። ምስምዕ ዘይብሉ ኵሉ ተዛራባይ ዝዀንሉ!

ይዅን እምበር “ምስማዕ ናይ ንዘተን ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ መሰረት እዩ፡ ዘይሰምዕ ጋዜጠይና ጽቡቕ -ሰናይ ጋዜጠይና ክኸውን ኣይክእልን። ጋዜጠይናታት ነቲ ዜመሓላልፍዎ ሓበሬታ “ኣእማንን ርዝነቱን” ንምርግጋጽ ብዙሕ ብዙሕ ድምጺ ክሰምዑ ኣለዎም። ጽን ኢልካ ምስማዕ ናይ ምስትውዓል ክእለት የሀልው እዚ ኸኣ ገዛእ ርእስኻ ብውሁድ ድምጺ ክትምስርቕ ይሕግዘካ።”

ምስማዕ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን

ኣብ ቤተ ክርስቲያን “ንሓድሕድና ክንሰምዕን ክንሰማማዕን ኣዚዩ ኣድላዪ እዩ፡ ንሰባት ንምስማዕ ናይ ገዛእ ርእስና ግዜ ብናጻ ምሃብ ናይ መጀመርታ ተግባር ግብረ ሰናይ እዩ። ንሓድሕድና ንምስማዕ ጽቡቕ ኣጋጥሚ ምእንቲ ክኸውን ጸሎት ክግበረሉ የድሊ። ነዚ ዚበሉ ድማ ነቲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ እናሓሰቡ ከም ዝዀነን ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ሱታፌ ምስ ዘማርያን ኣነጻጺሮም “ሕብረት ሓደ ዓይነት -ዝሕብሩ ምዃን ዘይኰነስ ብዝሒ ድምጽን እተፈላለየ ቃናን ህብረ ቋንቋን ይሓትት፥ ቅኑይ ውሁድ ሙዚቃ ምዃን ማለት እዩ እንክብሉ ይገልጽዎ። እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ መግለጺ ምዃኑ የብርሁ።

ኣስዒቦም፥ “ነፍሲ ወከፍ ድምጺ እቶም መዘምራን ነቲ ካልእ ድምጺ እናሰመዐን ስኒት ይፈጥር ቢሎም፥ ኣብቲ ቅድም ዝነበረ ሱታፌ ሎሚ እውን ንዓና ዘጠቓልል ህብረት እዩ፡ ናይቲ ዝነበረ ሱታፌ ንካፍል ምዃንና ብምስትውዓል ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብናይ ገዛእ ርእሱ ድምጺ ክዝምር ዝኽእለሉ ውሁድ ጥዕም ቅንይት ዝዓሰላ ቤተ ክርስቲያን ዳግም ንኽንረክብ ንኽእል፣ እዚ ቤተ ክርስትያናዊ ውሁድ ጥዕም ቅንይት ድምጺ ካልኦት ከኣ ከም ውህበት ናይቲ መንፈስ ቅዱስ ዘዳለዎ ስኒት ንምግላጽ ክንቅበሎ ዘክእለና ምዃኑ ብዘብርህ ሓሳብ ቅዱስነቶም ነቲ ናይ 2022 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ይዛዝሙ።

26 January 2022, 09:45