ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ

ኣቦ ምዃን ኮይንካዮ እትፍጠሮ ዘይኮነ ሓላፍነት ኣቦነት ኣብ ምቕባል ዝሕነጽ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ኣባይቲ ስድራ ነቶም ወለዲ ዘይብሎም ዘኽታማት ቆልዑ ከም ደቃቶም ተቐቢሎም ፍቕሪ ከካፍልዎም ኣተባቢዕም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 5 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ከም ዘቕረቡን እቲ ናይ 2022 ዓ.ም. ቀዳማይ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ “ኣብ ኣቦነት ቅዱስ ዮሴፍ” ዘማእከለ ገይሮም፡ ቈልዑ እቶም ዘኽታማት ዝኾኑን ኵሎም ናይ ኣቦ ፍቕሪ ክረኽቡን ከስተማቕሩን ስሌኦም ክንጽሊ ኣዘኻኪሮም፥ ቅዱስ ዮሴፍ ናይ ኣቦነት ፍቕሪ ኣብነት ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ተክለ ሰብነት ቅዱስ ዮሴፍ ኣማእኪሎም ካብ ዝሓለፍ ዓመት ዘበገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቀጺሎም፥ ናይ ዕለት 5 ጥሪ 2022 ዓ.ም.  ትምህርተ ክርስቶስ ብፍሉይ ኣብቲ ቅዱስ ዮሴፍ ከም ኣቦ ኢየሱስ ዝነበሮ ግደ ዘተኵር ገይሮም፥ ኣቦነት ቅዱስ ዮሴፍ ንውላድካ ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘኽታም ዝኾነ ከም ውላድካ ንኸትዕብዮ ናይ ዝንበር ምሉእ ኣቦነት ፍቕሪ መርኣያ እዩ፡ ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ምሉእነት ኣቦነት ይስትውዓል ከምዝበሉን ወንጌል ሉቃስን ማቴዎስን ንቕዱስ ዮሴፍ ናይ ኢየሱስ “ስነ ህይወታዊ ኣቦ ዘይኮነስ ከም ውላዱ ተቐቢሉ ዘዕበዮ ኣቦ” ከም ዝዀነ ይነግሩና።

ንዘይውላድካ ከም ውላድካ ተቐቢልካ ኣብ ምዕባይ ዝንበር ኣቦነት

ንዘይ-ውላድካ እሞ ዘኽታም ንዝኾነ ከም ውላድካ ምዕባይ ካብ ጥንቲ ዝነበረን ብፍላይ ቅድሚ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ምብራቕ ዓለም ዝርአይ ዝነበረ ሰናይ ባህሊ እዩ። ኣብ ኦሪት ዘዳግም ምዕ. 25, 5-6፥

ኣሕዋት ብሓንሳእ እንተ ተቐመጡ እሞ፡ ሓዲኦም ውሉድ ዘይብሉ እንተ ሞተ፡ ሰበይቲ እቲ ዝሞተ ናብ ጓና ኣይትመርዖ። እቲ ሓሙታ ተመርዕዩ ንርእሱ ይወረሳ እሞ ናይ ሓሙት ግቡእ ይፈጽመላ። ስም እቲ ምዉት ሓዉ ካብ እስራኤል ምእንቲ ኸይድምሰስ ድማ እቲ ዝወለደቶ በዅሪ ብስሙ ይጸዋዕ።

ዝብል ነንብብ፥

መንነት ምስራጽ

ኣቦ ናይ ምዃን መስርሕ ኣቦ ንውላዱ ወይ ከም ውላዱ ንዝቕበሉ መጸውዕ ስም ናይ ምምራጽ መሰል ከም ዘለዎ ይሕብረና፡ እዚ ድማ ሕጋዊ ኣፍልጦ ምሃብ ማለት የስምዕ፡ ስም ክተውጽእን ክትሓርን መሰል ውሉድነትን ኣቦነት ኣፍልጦ ምሃብን ምቕባልን ማለት እዩ።

ኣብ ጥንቲ ስም ንመንነት ሓደ ሰብ መመላእታ እዩ ዝነበረ። ስለዚ ስምካ ምቕያር ክበሃል እንከሎ ገዛእ ርእስካ ከም ምቕያር እዩ ዝነበረ!

እግዚኣብሔር ንስም ኣብራም ናብ ኣብርሃም ንስም ያዕቆብ ናብ እስራኤል ዝብል መጸውዕ ከምዝቐየሮ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ነንብብ በዚ መሰረት ቅዱስነቶም ስም መግለጺ መንነት ምዃኑ ገሊጾም ስም ኣብ ምቕያር እውን መንነት ምቕያር ከም ዘሎ ነስተውዕል ቢሎም፡ ስም ምቕያር መንነት ምቕያር ዘጠቓልል እዩ ኢሎም።

እግዚኣብሔር ‘ንወዱ’ ስም ከም ዝመረጸ ዮሴፍ ይፈልጥ ነይሩ እቲ ስም ከኣ ኢየሱስ ዝብል ክኸውን እንከሎ ኣብቲ ኢየሱስ እንክብል ብእግዚኣብሔር ዝተውሃበ ስም “ጐይታ ኣድሓነ” ዝብል መንነት ይግለጽ።

ወለዲ ምዃን

ር.ሊ.ጳ. ኣስዒቦም ሰባት ንደቆም ዘለዎም ሓላፍነት ብምስካም ወለዲ ከም ዝኾኑ ብምግላጽ ብዛዕባ ኣደነትን ኣቦነት ምዃን እናሓሰቡ፥

ኣቦ ምዃን ብውልደት ዘይኮነ እትዀኖ ጸዋዕታ እዩ። ኮይንካዮ እትውለዶ ኣይኮነን። ሓደ ሰብ ኣቦ ዝኸውን ውሉድ ስለ ዝወለደ ጥራይ ዘይኮነስ ኣቦ ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣብ ምስካም እዩ ኣቦ ዝኸውን፡ ንውላድ ኣብ ምኽንኻንን ምንባይን ሓደ ሰብ ንሕይወት ካልእ ሰብ ብሓላፍነት ምስ ዝቕበል ኣቦ ይኸውን። (ሓዋርያዊ መልእክቲ ‘ልቢ ኣቦ` ረኣ)

ንዘይ ውላድካ ከም ውላድካ ተቐቢልካ ምዕባይ

ናይ ዮሴፍ ኣቦነት ኣብ ፍቕሪ እተመርኰሰ እዩ። ንሓደ ዘይውላድካ ከም ውላድካ ተቐቢልካ ምዕባይ ናይ ሓደ ዓቢይ ፍቕሪ መግለጺ እዩ። ኣብ ዓለም ዝኸናኸኖም ዝጽበዩ ማእለያ ዘይብሎም ቈልዑ ኣለዉ። ብዙሓት ሰብ ሓዳር ኣቦታትን ኣዴታትን ክዀኑ ዝደልዩ እኳ እንተኾነ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይበጽሕዎ እውን እንተዀነ ንዘኽታማት ከም ውላዶም ገይሮም ኣብ ምዕባይ ኣቦነትን ኣደነትን ምዃን ክነብርዎ ይርአይ፡ ካልኦት እውን ውላድ እንከለዎም ዘኽታማት ከም ውላዶም ብምቕባል ኣቦነትን ኣደነትን ዝነብሩ ብዙሓት እያቶም፡ እዚ ፍቕሪ ምክፋል እዩ። ስለዚ ኣቦ ምዃን ኮይንካዮ እትፍጠሮ ዘይኮነ ሓላፍነት ኣቦነት ኣብ ምቕባል ዝሕነጽ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ኣባይቲ ስድራ ነቶም ወለዲ ዘይብሎም ዘኽታማት ቆልዑ ከም ደቃቶም ተቐቢሎም ፍቕሪ ከካፍልዎም ኣተባቢዕም ኣብዚ እዋን እዚ ዋሕዲ ዝውለዱ ቈልዑ ብሰፊሕ ዝርአይ ምዃኑ ገሊጾም ሰብ ሓዳር ሓደስቲ መርዑ ከልብን ደማሙን ካልእ መሰል እንስሳት ካብ ምዕዳግ ብባህርያዊ ኣገባብ ድዩ ወይ ዘኽታማት ከም ደቃቶም ንኸዕብዩ ሓንጓፍይ ቢሎም ብምእንጋድ ጸጋ ኣቦነት ክነብሩ ኣተሓሳሲቦም ንዝውለዱ ቈልዑ ክፉታት ምዃን ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማእስር ኣባታዊ ፍቕሪ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ዝኾነ ይዅን ውሉድ “ስኡን ማእስር ኣባታዊ ፍቕሪ ከይኸውን” ጸልዮም ቅዱስ ዮሴፍ እውን ዑቕባ ይኹኖም ንዘኽታማት ይሓልዎም ውላድ ሃረር ንዝብሉ ሰብ ሓዳር ኣማልደሎም” ቢሎም፥

            ቅዱስ ዮሴፍ

            ንኢየሱስ ብኣባታዊ ፍቕሪ ዘፍቀርካ

            ነቶም ወለዲ ዘይብሎም ፍቕሪ ኣደን ኣቦን ሃረር ዝብሉ ብዙሓት ቈልዑ ቀረባኦም ኵን

            ነቶም ውላድ ክረኽቡ ዘይከኣሉ ሰብ ሓዳር ደግፎም

            በዚ ስቓይ እዚ ኣቢሎም ዓቢይ መደብ ኪገብሩ ድማ ሓግዞም

            ሓደኳ እቲ ሰባት ዘተኣሳስር ሓልዮት ዝንበሮ ቤት ኣልቦ ከይኸውን ደግፍ

ነቶም ካብ ሕይወት ርሒቖም ዚነብሩ ሰባት ከኣ ልቦም ንፍቕሪ ምእንቲ ኪኸፍቱ

ስስዐኦም ክኣልዩ ደግፎም።

ኣሜን

ዝብል ጸሎት ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

05 Jan 2022, 17:12