ካንታላመሳ፥ ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ተሓጺሩ ዝቕመጠላ ዕጽውቲ ግንቢ ኣይትዅን!
ብምኽንያ ዘመነ ምጽኣት ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ካንታላመሳ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ኣሳቲፉ ኣብ ዝካየድ ንመላእ ናይ ቅዱስነቶም ተሓባበርቲ ናይ ኵርያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣመሓደርቲ ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ብዛዕባ ማርያም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ገድ ዝገልጽ ሳልሳይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ከምዘቕረቡን፥ ”ኣብዚ ቀረባ ግዜ ደቀንስትዮ ኣብ ውሳነ ቤተ ክርስቲያን ተዋሳእቲ ክኾና ኣብ ናይ ሓላፍነት ኣርካን ቍጽረን ክብ ክብል ብዙሕ ጻዕረ ይገበረ ገና ብዙሕ ንቝድሚት ክስጉም ዘለዎ ጒዳይ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ካብ ሰበይቲ ተወልደ፥” ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላመሳ ዕለት 17 ታሕሳስ ንጐሆ ኣብ ቅድሚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሓባበርቶም ናይ ኵሪያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣምሓደርቲ ኣብ ጽርሓ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዝመርሕዎ ሳልሳይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ካብ መልእክቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ኣብ ምዕ. 4,4 “ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ።” ዝብል ጥቕሲ ኣሞርኵይዞም ነቲ ማርያም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ግደ ብመሰረት ቃል ኣምላኽን ትውፊት ኣበው ቤተ ክርስቲያንን ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ብፍላይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ምውላድ ካብ ሰበይቲ” እትብል መግለጺ ናይቲ ናይ ሰብኣዊ ፍጥርት ድኻምን ተኣፋፍነትን መዋትነት ኵነት ኣካል ምዃን ዘመላኽት እዩ። “ነዘን ሰለስተ ቃላት ኣዚኣተን ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ማዕቅፍ ወጻኢ ንመልከቶ” ብዘይ እዚ ሰብኣዊ ኵነት እዚ ክርስቶስ እንታይ ምኾነ፡ “እተገለ ሰማያዊ ግልጸት” ኮይኑ ምተረፈ ነይሩ። ገብርኤል መልኣኽ ብእግዚኣብሔር “ተላእከ።” ከምቲ ካብ ሰማይ ተላኢኹ ዝመጾ ናብ ሰማይ ድማ ተመልሰ፡ “ድንግል ማርያም ግና ንወልደ እግዚኣብሔር ኣብ ደቅሰብን ታሪክን ንዘለዓለም ኣመልሐቐቶ ስለዚ ኣብ መላእ ፍጥረት ማርያም ጥራሕ እያ ንኢየሱስ ውላደይ ኢኻ ኣነ ኣደኻ እየ” ቢላ ክትዛረብ እትኽእል ቢሎም ነታ “ካብ ሰበይቲ ተወልደ” እትብል መግለጺ ብምዕማቑ፥ ብመሰረት ዘፍ. 3, 15: “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። . . . በሎ” ዝብል ቃል እንከብርሁ ማርያም “ነታ ኣደ ዅሎም ሄዋን ዝመለሰት እያ - እቲ ጠፊኡ ዝነበረ ኵላውነት ኣደ፡” እዚ ድማ በታ “ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል እትምልክት ጓል ጽዮን” ዝብገስ ዝኽፈት ታሪኽ ዝዀነት ዘበይት ዝጅምር ከምኡ እውን በታ ንቤተ ክርስቲያን እትውክል ኣብ ትሕቲ ‘ጸሓይ ዝልባሳ ወርሒ ትርጋጻ” (ራእይ 12,1) ብዝኾነት ሰበይቲ ይዛዘም፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ባህሊ የረጋግጾ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብጀካ እዚ እታ “ሰበይቲ” እትብል ቃል “ኢየሱስ ነታ ኣብ ቃናን ኣብ ትሕቲ መስቀልን ዝነበረት ኣዲኡ ዝተጠቐመላ ቃል እያ - ብመሰረተ ኣተሓሳስባ ዮሓንስ ኣብ መንጐ “ቤተ ክርስቲያንን ማርያም እታ ናይ ሓቂ ኣደን” ዘሎ ማእስር ከምዝገልጾ ነስተውዕል፡ ማለት “ቤተ ክርስቲያን ምሳልያዊት ሰበይትን ኣደን” እዚ ኣብ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “ብርሃነ ኣህዛብ” ኵነት ማርያም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዘንብሮ ጥልቂ መብርሂ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ብጹዕነቶም፥ ነታ “ክብረት ደቂ ንስትዮ” እትብል ሕቶ ብምጥቓስ “ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ወሳኒ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ብቑጽሪ ደረጃ ክብ ንምባል ብዙሕ ተፈጺሙ እዩ። ምናልባት እውን ገና ብዙሕ ክግበር ኣለዎ።” ልዕሊ ዅሉ ግና “እታ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍት እትግለጽ ሰበይቲ ቤተ ክርስቲያን ኣተመላኽት እንተድኣ ኮይና” ብመሰረት ቅዱስ ጳውሎሳዊ ትምህርቲ “እቲ ኢየሱስ ካብ ሰበይቲ ከም እተወልደ ዚገልጽ መረጋገጺ ሎሚ ካብ ቤተ ክርስቲያን ክውለድ ከም ዘለዎ ዚሕብር እዩ።” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብጹዕነቶም ቤተ ክርስቲያን ንመልእኽቲ ክርስቶስ “ብናጻን ብሓጐስን ከይወጽእ እትዓግት እትሓላልኽን ኣሸጋሪ ግንቢ” ምእንቲ ከይትኸውን “ዝከኣለና ኵሉ ክንገብር ኣሎና” ቢሎም እቲ ነቲ ልኡኽ ክሕንኵልን ክኣስርን ዝኽእል “ገማማዒ መናድቕ” እንታይ ከም ዝዀነ ንፈልጦ ኢና። ብቐዳምነት ነተን እተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድሕደን ዝፈላልይ መናድቅ ድሕሪኡ መጠኑ ዝሓለፈ መልከ ቤተ -ጽሕፈታውነት ጽምብላት እውን ከይተረፈ ትርጒም ዘይብሉ እዩ። ዝሓለፉ ስርዓታትን ሕግታትን ክትዓትን ኵሉ ፍልልያት ዘምጽአ እውን እተዀነ ሎሚ ፍርስራስ ኮይኑ እዩ፡ ውዕሊ ሓዲሩ ግን “እዚ ዅሉ ምትዕርራይ ነዚ ሕጂ ዘሎ ድሌት ከም ዘየማልእ ብሓቂ ድማ ዕንቅፋት ከም ዝዀነ እነስተውዕለሉ ግዜ ክመጽእ እዩ። ስለዚ ነቲ ዝፈላልይ ሎሚ ትርጒም ዘይብሉ ብምእላይ ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ኣብ መበቆላ ናብ ዝነበረቶ ተራን መስመራውነትን ንምምላስ ትብዓት ክህለወና ኣለዎ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ሳልሳይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።