ር.ሊ.ጳ.፥ በዓለ ልደት ንወለደ እግዚኣብሔር ንኸነምልኾ ዝዕድም እዩ!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ በዓለ ልደት ዕለት 22 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ኣብ ውልደት ኢየሱስ ኣማእኪሎም እዚ ፍጻሜ እዚ ዝግብኦም ስለ ዝኾንና ዘይኮነስ ብቐዳምነት ብኣምላኽ ከም እተፈቐርና ዜዘኻኽርን እዚ ፍቕሪ እዚ ንሕና ንእግዚኣብሔር ቅድሚ ምፍቃርና ብእኡ ዝተፈቐርና ምዃንና ዘረጋግጽን እዩ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
በዓለ ልደት ንኸነብዕል ሒደት ማዕልታት ጥራሕ ኣብ ዝተረፈሉ ቅዱስነቶም ነቲ ሰሚናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ልደት ኢየሱስ ከነስተንትን ዓዲሞም ኣብ ቤተ ልሄም ኣብ ዝርከብ ደንበ ዝነበሩ ማርያምን ዮሴፍን ነቶም ትሑታት ጓሶትን ከምኡ እውን ነቶም ካብ ምብራቕ ዝመጹ ሃባትንም ሓያላንን ሰብኣ ሰገል ብምዝካር “መልእኽቲ ወንጌል ውልደት ኢየሱስ ንዅሉ ፍጥረት ሰብ ዝምልከት ኣድማሳዊ ፍጻመ ምዃኑ” ብዘይጥርጥ የነጽር።
ብትሕትና ምድላይ
ቅዱስነቶም ንትሕትና እቶም ጓሶት ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ኣረማውያንን ሰብ ንምርካብን ንምርኻብን ነዊሕን ኣጸጋምን ጒዕዞ ዝገበሩ ጥበበይናታት እውን ብምስትውዓል፥ ናብ ኣምላኽ ክንመጽእን ናይ ሓቂ ትርጉም ህይወት ከነለልይን እንኽእል ብትሕትና ጥራሕ ምዃኑ ዘጒሕል እዩ። “ህይወት ብሓቂ ዋጋ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ እውን ኣቕሪቦም፥
ፍቑራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ናብቲ ኣብ ቤተ ልሄም ናብ ዝርከብ ደምበ ንወለደ እግዚኣብሔር ከነምልኽን ክንሰግድን ክንከይድ እዕድም!
ኵሉ ሰብ ንኣምላኽ ክደልዩ ዝተጸውዐ እዩ። ብጸጋ ኣምላኽ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኪረኽቦ ከም ዝኽእል ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን መላእ ዓለምን “ነቲ ኣብ ደምበ ቤተ ልሄም እተሰግወ እግዚኣብሔር ከይዶም ክሰግድሉን ከምልኽዎን” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ምስ ደለይቲ እግዚኣብሔር ሓቢራ እትጓዓዝ ቤተ ክርስቲያን
ኢየስሱ ቅድም ቀዳድም ነቶም ዝጠመዩ ምሩኻት ዕሩቓት ስደተይናታት ዝሓመሙ እሱራት፥ ብምሱጥ ምዃንነት ገዛእ ርእሱ ከመሳስል ደለየ፡ ደሓር እውን ነቶም ደለይቲ እግዚኣብሔር ዋላ ነቶም ጸላእቲ ሃይማኖት ዝኾኑን ንኸሰንዮም” ይደሊ። ነቶም ዋዕለ ረኪብ “እዚ እግዚኣብሔር ምፍላጥ እዚ ኣብ ኣምላኽ ዝተሰረተን ፍጹም ስለ ዝኾነን ንኣምላኽ ኣፍልጦ ምሃብ ምስ ክብሪ ሰብ ፍጺሙ ዝጻረር ከም ዘይኮነ የረጋግጸልና።”
መሰረት ሓጐስ
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ናብቲ ናብ ቤተ ልሄም ብእግዚኣብሔር ዝተላእኵ መልእኽቲ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም እግዚኣብሔር ዝሕጐሰሎም ሰብ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ቃለ ምስጋና ጠቒሶም ሓዋርያዋ ዮሓንስ ፍቕሪ “ኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኮነ ዘፍቀረና ቅድም ስለ ዘፍቀረና ነፍቅሮ” ኣብ ዝብል መሰረት ዝጸንዐ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ብዘይ ገለ ረብሓ ንኸነፍቅር ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ንሱ ቀዲሙ ከም ዘፍቅረና ብጭቡጥ ነዚ ከኣ ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእከልና ይሓድር እዚ መሰረት ሓጐስና እዩ። ስምን ወጅህን እዛ መለኰታዊት ፍቕሪ እዚኣ ዝኾነ ኢየሱስ መሰረት ሓጐስና እዩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስትምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።