ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ስደተይናታት ዘይምኽባር ሰብኣውነትና እዪ ዘጒድል

ኣብ ርእሲ እዚ ዘይስሩዕ ፖለቲካውን ሕጋውን መዳያት ሰብኣዊ ወጅሂ ጸኣት ክንየው ኵሉ መልክዓ ምድራዊ ምክፍፋል ዶባት ክፍሊ ሓንቲ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ምዃንና ክንርስእ የብልናን!

ብምኽንያት ቅዋመ መበል 70 ዓመት ኣህጉራዊ ውድብ ሓልዮ ስደተይናታት ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ እተነበ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ንስደተይናታት ከም ዋጋ ዕዳጋን ግዳያት ፖለቲኣዊ ውደራን ጌርካ ምጥቓም ዜሕዝን እዩ። ሕጋዊ መተሓላፍሎ ንስደተይናታት ፍቑድ ብዝኾነሉ መጠን ነቶም ስደተይናታት ካብ መጻወዲድያ ናይ ገበን ጒጅለታትን ንግድ ሰብን ነድሕኖም” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ስደተይናታት “ዝልውጡን ዝሽየጡን ግዳያት ናይ ፖለቲካ ውደራን” ኮይኖም ኣለዉ፡ ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 70 ዓመት እቲ ኣብ ጀነቭ ዋና መቐመጢኡ ዝኾነን ቅድስቲ መንበር ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣባል ናይ ዝኽዕነትሉ   ቅዋመ ኣህጉራዊ ውድብ ሓልዮ ስደተይናትት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፥ ቅዱስነቶም ዕለት 28 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ ኣብ ዶባት ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ተዓጊቶም ዘለዎም ኣብ ማያት ባሕሪ መዲትራኒያን ዝሞቱን ስደተይናታት ዓቢይ ሓዘን ከምዝፈጥረሎም ገሊጾም ነቲ ኣብ ግሪኽ ደሴት ለስቦ ዝርከብ መእለዪ ስደተይናታት ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ ግምት ብምእታው ምእቲ ዅሎም እቶም “ብዘይ ጥርጥር ሓደ ካብቲ ኣብ ህይወት ኣዚዩ ኣጸጋሚ ዝኾነ ነገር ዘጓንፎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን” ሓገዝን ደገፍን ጻውዒት ኣቕሪቦም። መብዛሕቲኡ ግዜ ክስደዱ ዚግደዱ ኵሉ ሳዕ ብዘይ ሕጋዊ ዕቝባ ክነብሩ ስለ ዚግደዱ ኣብ ኢድ ናይ ገበን ጉጅለታትን ኣብ ኢት እቶም ንግድ ሰብ ዘካይዱ ገበነይናታት ይወድቁ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ቀቢጸ ተስፋ ዘንቅሎ ዘይኮነ ጥንቃቐ ዝመልኦ ምርጫ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብ እተነበ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ፓለቲካዊ መደባት ንምፍጻም  ወይ ንምጥባቕ ስቓይን ተስፋ ምቝራጽን ብኸመይ ክምዝመዝ ይኽእል? ሰብኣዊ ክብረት ኣብ ሓደጋ ኣብ ዚኣተወሉ እዋን ከመይ ኢሉ እዩ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኺሰፍን ዚኽእል?” ስለዚ ኣህጉራዊ ማሕበርሰብ “ነቲ ዘይስሩዕ ጸዓት ስደተይናታት ዜምጽእ ኵነታት ብህጹጽ ክፌትሖ በዚ ኸምዚ ጒዕዞ ናጻ ምርጫ ሰብ ኺገብርዎ” ከም እተማሕጸኑን፥

መብዛሕቲኦም ኣብ ሃገሮም ጽቡቕ ኪነብሩ ዝኽእሉ እሞ ሰላምን ፍትሕን ድሕንነትን ምሉእ ኣኽብሮትን ንኸናድዩ ዘይሕጋዊ ስደት ከም እንኮ ኣማራጺ ክወስድዎ ኣይምተገደዱን ዝሓሸ ቍጠባን ማብራውን ኵነታት ንምምጻእ ህጹጽ ጻዕሪ የድሊ!

ብዛዕባ ዘይማዕርነትን ተስፋ ምቝራጽን ዚገልጽ ታሪኽ

ናይ ምምርሒታት ለውጢ ጥራሕ ዘይኩነነ ኣብ ኣቀራርባ ስደተይናታት ዚርአ ለውጢ እውን ኣገዳሲ እዩ፡ “ብዛዕባ ስደተይናታት ዚገልጽ ዘይማዕርነትን ተፋ ምቝራጽ ምዝባዕ ማሓድሮን ለውጢ ኵነታት ኣየርን ጥራሕ ዘይኮነ ታሪኽ ስደትን ስደተይናታት ናይ ዓበይቲ ሕልምታትን ምስ ኣባይቲ ስድራ ምርኻብን ሓድሽ ኣጋጣሚ እውን እዩ፥

ኣብ ርእሲ እዚ  ዘይስሩዕ ፖለቲካውን ሕጋውን መዳያት ሰብኣዊ ወጅሂ ጸኣት ክንየው ኵሉ መልክዓ ምድራዊ ምክፍፋል ዶባት ክፍሊ ሓቲ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ምዃንና ክንርስእ የብልናን!

ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ “እቲ ዝባዕባ ስደተይናታት ዚለዓል ክርክር ብዛዕባ ስደተይናታት ዝመያየጥ መድረኽ ኣይኮነን። ብዛዕባ ስደተይናታት ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ኵላትና ብዛዕባ ሕሉፍን ሕጅን መጻእን ሕብረተሰብ እዩ ዚዛረብ። ቍጽሪ ስደተይናታት ከገርመና የብሉን የገዳስ ከም ዘባት ኼንና ኽንራኸቦም ገጾም ክንርኢ ዛንታታቶም ክንሰምዕ ከምኡ እውን ነቲ ፍሉይ ብሕታውን ስድራ ቤታውን ኵነታቶም ብዝበለጸ መገዲ ምላሽ ክንህበሉ ኽንጽዕር ኣሎና። ከምዚ ዓይነት ምላሽ ምሃብ ሰብኣዊ ስብዒት ፍትሒ ከምኡ እውን ሕውነት ዝሓትት እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስደተይናታት ነቶም ዘአንግድዎም ማሕበረሰ-ሰብ የሀብትሙ

እዚ ስምዒት እዚ ኸኣ ኣብቲ መንግስታት ንስደተይናታት ንምቕባል ዝገብርዎ ነገራት ጥራይ ዘይኮነስ ጭቡጥ ዝኸውን ኣብቲ “ስደተይናታት ነቶም ዘአንግድዎም ማሕበርሰባት እንታይ ረብሓታት ከም ዘምጽእሎምን ብኸመይ ከም ዘሀብትምዎምን” ኣብ ዝብል ጒዳይ ዘተኮረ እውን እዩ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ኣብ ዕዳጋ እተን ማእከላይ ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ሸቃሎ ስደተይናታት ብዙሕ ጠለብ ኣለዎ ሕጽረት ሸቃሎ ዚኽሕስ መገዲ ድማ እዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ስደተይናታት መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ዝተኣንገድሉ ሕብረሰብ ክንጸጉን ይረኣዩ።

እዚ ድርብ መዐቀኒ እዚ ካብቲ ንሰብ ዘድልዮ ነገራትን ክብረቱን ዝበጸሉ ቍጠባዊ ረብሓታት ዝምንጭው እዩ። ኮቪድ - 19 ኣብ እተኸስተሉ እዋን ተወሸብ መብዛሕቲኦም ስደተይናታት ከም ደቂ ሃገር ሓገዝ ኣይረኸቡን” እዚ እውን ነቲ ናይቶም ስደተይናታት ጸገም ኣግዲድዎ እዩ።

ዘይሕጋዊ ስደተይናታት ናብ ሕጋዊ ስደተይናታት ምስግጋር

ነቲ መዓልታዊ መዓት ኵሉ ኣብ ግምት ብምእታው ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣርባዕቲ “ትዕዝብቲ” የቕርቡ። ቅድም ቀዳድም ካብ ዘይስሩዕ ኵነታት ብህጹጽ ናብ ሕጋዊ መገዲ ምስግጋር፥

ኣብ ልዕሊ ቀያዲ ሕግታት ወትሩ ተስፋ ምቝራጽን ተስፋን እያቶም ዝዕወት፡ ዝያዳ ሕጋዊ መገድታት ብዝሃለወ መጠን ስደተይናታት ናብ ገበናዊ መራኸቢ ንጋዶ ሰባት ወይ ከኣ ኣብቲ ዘይሕጋዊ መዳያት ናብ ምዝመዛን ህስያን ኣይሰሓቡን እዮም!

ስደተይናታት “ነቲ ንብምሉኦም ሰብኣዊ ስድራ ቤት ሓድነት ከም ዚህልዎም ዚገብ ማእሰር ብምዕባለ ባህልታት ከምኡ እውን ንማሕበረሰብ እቶም ስደተይናታት ዜቝሙ ምልውዋጥን ንግዳዊ መራኸብን ንምምሕያሽ ዜኽእሉ ዓቢይ ሃብቲ እያቶም።

እተኸልከለ ረብሓታት

ኣብዚ መዳይ እዚ ኵለንተናዊ መስርሕ ወሳኒ ይኸውን፡ ኣብ ሓባራዊ ፍልጠት ግልጽነትን ንሕግታትን ባህልን እንተን ዘአንግዳ ሃገራት ምኽባር ናይ ሓቂ ምቕርራብን ሓባራዊ ምዕባለን እዩ ዝፈጥር።

እታ ስደተይና ዝኾነት ስድራ ቤት ወሳኒ ኽፋልማሕበረሰብ ናይታ ዓውሎማዊ ዝኾነት ዓለም እኳ እንተ ዀነት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ግን ሰራሕተይናታት ስደተይናታት ብሰንኪ ሕጋዊ ዕንቅፋታት ረብሓታትን ርግኣትን ናብራ ስድራ ቤት ተኸልኪሎም ይርከቡ።

ስደተይናታት ኣሃዛዊ ጸብጻብን ክውንነት ኣይኰኑን

“ስደተይናታት ሕይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ናይ ሓቂ ስአባት ምዃኖም ኣይንረስዕ” ቢሎም፥ ነዚ ኣፍልጦ ብምሃብ ከኣ “ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ ተቕዋማታ ኣቢላ ሓንጐፋይ ቢላ ናይ ምቕባልን ምዕቋብን ናይ ምትብባዕን ናይ ምውሃድን ተልእኾኣ” ተሳልጥ እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

02 December 2021, 08:30