ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ መንፈስ ቅዱስ ንሓድሽ መንፈስ ጴንጠቆስጠ የንብር!

ናይ ኣተንስን መላእ ግሪኽን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ሄሮኒሞስ ዳግማዊ ኣብቲ ኣብ ኣተንስ ኣብ ዝርከብ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያ መንበረ ሊቀ ጳጳሳት ምብጻሕ ንዘካየዱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓንጐፋይ ቢሎም ከምእተቐበልዎምን ክልቲእቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብዘለዎም ናይ ሕውነትን ሓባራዊ ኣኽብሮትን መንፈስ ክንየው ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ብድሆታትን ተስፋታትን ከማዕድዉ ትምኒቶም ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ኣተንስን ግሪኽን ሂሮኖሞስ ዳግማዊ ኣብ መንበሮም ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብውዕዉዕ ሰላምታ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ር.ሊ.ጳ. ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ለስቮስ ኣብ ዝርከብ ናይ ስደተይናታት መእለዪ ማእከል ዘካየድዎ ምብጻሕ ብምዝካር ብዛዕባ ኵነታት ስደተይናታት ዓለም ከስተውዕል ከም ዘተባብዑን “ናይ ሕውነትን ክብርን ስምዒት” ዚገልጽ መደረ ከምዘስምዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ጻድቕነቶም ኣብቲ ሰፊሕ መደረኦም፥ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ኣገዳሲ ጒዳያት ከምዝዘከሩን ገለ ካብዚ ኸኣ ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ጒዳይ ለብዒ ስደተይናታት ለውጢ ከባቢ ኣየር ምላሽ ምሃብ ከምኡ እውን ባህሊ ዝቕይር ምዕባለ ዕደ ጥበብ ሱር ክርስቲያናዊ እምነት ምቕያርን ዝብሉ ንምጥቃስ ይከኣል እዩ። ነቲ ኣብዚ ዓመት እዚ መበል 200 ዓመት ግሪኻውያን ናይ ናጽነት ቃልሲ ዘኪሮም ኣብቲ ዝተገብረ ናይ ናጽነት ቃልሲ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ደገፋ ንኸተቕርብ ዘኽእላ ዕድላት ከም ዘይተጠቀመትሉን ገሊጾም እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ንመጻኢ ብምጥማት ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ተግባር ዓቢይ ኣኽብሮትን ፍቕርን ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝነበረን ሕጂ ዘሎን ብርሃንን ጽላሎትን ብምርኣይ ከም ኣሕዋት መጠን ንቕድሚት ንምስጓም ሓባራዊ ጻዕሪ ከምዝሓደሱ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ሕውነት ሓጐስ ምክፋል

ር.ሊ.ጳ. እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ጻድቕነቶም ንዝገበሩሎም ምዉቕ ኣቀባብላን ነዝርኣዮም ፍቕሪ ኣመስጊኖም ከምኡ እውን ንዅሎም እቶም ኣብ ግሪኽ ዝርከቡ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ሰላምታኦም ብምቕራብ፥ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ለስቮስ ኣብ መእለዪ ስደተይናታት ዘካይድዎ ምብጻሕን ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ዘርኣይዎ ምትሕብባርን ቅርበትን ኣመስጊኖም ሎሚ ኸኣ ናይ ሕውነት ሓጐስ ንምክፋልን ከምኡ እውን መዲትራኒያን ንህዝብታት ዘቀራርብ እምበር ዝፈላልይ ማያት ባሕሪ ከምዘይኮነ ንምምስካር ዝካየድ ክሌኣዊ ርክብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም . . . “ናይ ሓባር በመቆል ክርስትና ዘለና ኢና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንዝሓለፉ ጌጋታት ይቕረ ምብህሃል

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዘሕዝን “ናይ ዓለም ሻቕሎት” ክሳብ ክንደይ ከም ዝመረዘናን ኣብ መንጐ ክርስቲያን ምክፍፋል ከም ዘስዓበ እውን ኣፍልጦ ሂቦም፥ እዚ “ዘሕፍር -  ነዚ ከም መንፈሳዊ መራሒ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣፍልጦ እህበሉ” እዚ ኸኣ ምስ ኢየሱስን ወንጌልን ብዙሓት ዘይብሉ ወይ ዋላ ሓንቲ ርክብ ዘይብሉ ግን ከኣ ረብሓን ስልጣንን ንምርካብ ዝብል ጽምኢ ዝነበሮ ንማሕበርሰብና ኣጸቢቑ ዘዳኸሞ እዩ። ነቲ ብዙሓት ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዝፈጸመዎ ጌጋትት ንኣምላኽን ኣሓዋትን ኣሓትን ይቕረተ እሓትት . . .” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ . . . መበቆልና ሓዋርያዊ ምዃኑ ርግጸይንታት ክንከውም ከም እንኽእል ከምኡ እውን እቲ ኣምላኽ ዝተኸሎ ብሓደ መንፈስ ይዓብን ይፈርን ኣሎ። ነቲ ጽቡቕ ፍረ ሓድሕድና ኸነለልዮን ንጐይታ ከነመስግን ምኽኣላና ሓጐስ ይፈጥረልና” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ሓድነት ቅብኣ ዘይቲ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ እቲ ቀንዲ ፍረ ኣውሊዕ ዘይቲ ነቲ ንቤተ ክርስቲያን ዝወለደ መንፈስ ቅዱስ እዩ ዘዘኻኽረና። “መንፍስ ቅዱስ ልዕሊ ኵሉ ዘይቲ ሓድነት እዩ” ከምኡ እውን “ነዚ ኣፍልጦ ምሃብ ሓባራዊ ሰብኣውነት ናባና ንኸብል ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ሓይሊ እዩ፥ ሕብረት ብኸመይ ሕብረት ኣምላኽ ከምዘምጽእ” ከምኡ እውን መንፈስ ኣብ ልባትና ምስ ዝፈስስ “ብሕብረት ገዛእ ርእስና ምእንቲ ክንሃንጽ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ዝለዓለ ሕብረት ክንደሊ” ከም እንድረኽ ገሊጾም ድሕሪ እዚ ንኣምላኽ ኣብ ምምላኽን ንጐረባብትና “ብዘይ ግብረ ምስዳዕ ሃይማኖት ንሓርነት ካልኦት ምሉእ ኣኽብሮትን” ኣብ ምግልጋል ንሓድሕድና ንኽንተሓጋገዝ ብሓባር ክንዓዪ እተባብዕ፡” ቢሎም እቲ ንህዝቢ ዘተኣኻኽብ ፍቅሪ ክርስቶስ ምእንቲ ከነበስር ሓድነት ክህልወና ስለ ዘለዎ ሓባራዊ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ብህጹጽ ኣድላዪ ምዃኑ ከምዘጒለሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዘይቲ ጥበብን ምጽንናዕን

ር.ሊ.ጳ. ኣስዒቦም መንፈስ ዘይቲ ጥበብ ምዃኑ እውን ገሊጾም ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እታ “ነቲ ናይ መጀመርታ ኣገዳሲ ቅርጺ እምነት ምስ ባህሊ ግሪኽ ወራሲት ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ሃይማኖታዊ ህንጸት ዓቢይ ግደ ከምዘለዋ ገሊጾም፡ ነቲ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽን ቫቲካንን ኣብ ሮማ ዝሪከብ ጳጳሳዊ መናብርተ ጥበብ እቲ ናይ ሓባር ኣህጉራዊ ናይ ቲዮሎጊያ መጋባእያን ዘሎ ምትሕብባርን ንኢዶም፡ መንፈስ ቅዱስ ንድኹማትን ንድኻታትን ክንከናኸኖምን ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ልዕሊዅሉ ኣገዳሲ ዝኾነ ዕላማ ናብ ኣቃልቦ ዓለም ከነቕርቦ ይምሕጸነና እዩ” ምስ በሉ “መንፈስ ቅዱስ ንቝስሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ብዘይቲ ፍቕሪ ንኸንሕዊ” እዩ ዝጽውዓና” ቢሎም ዘስምዕዎ መደረ ቅድሚ ምዝዛሞም፥

ናይ ውህደት ባህጊ ኣብ ልብና ይዀላዕ!

“ኣምላኽ ንዓለም ምእንቲ ኬጸናንዕን ነቲ ዝቘሰለ ርክብና ምእንቲ ከነሕውዮን ምእንቲ ውህደት ክንጽሊ ኣሎና” ነዚ ዝሓለፈ ምክፍፋል ንምስናፍ ጸሎት ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም፥ “መንፈስ ናይቲ እተሰቕለን ካብ ሞት ዝተንስኤን ጐይታ ናባና መጺኡ”ብመለኮታዊ ምሕረት ህያው ዝኾነን ንኣእምሮ ሰባት ሓራ ኸውጽእን ንዅሉ ሓድሽ ፍቓድ ከነቓቕሕን ዝኽእል ህዱእን ኣርሒቑ ዝርእን ሓቀይና ራእይ” ክህበና “ድሌት ውህደት ኣብ ልብና ከጐሃህር ብጥበቡ የብርሃልና ብምጽንናዑ ይቕብኣና” ዝብል ጸሎት ከምዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ መንፈስ ቅዱስ ንሓድሽ መንፈስ ጴንጠቆስጠ የንብር!
07 Dec 2021, 08:37