ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ
ዕለት 16 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዉ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ንዘብቅዑ ዘለዉ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ንዘብቅዑ ንዘለዉ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ዕለት 16 ታሕሳስ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ብመሰረት ቅዋም ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ናይ ሃገርን ህዝብን ሓድነት መግለጺ ክኸውን እንከሎ ናይ ኣገልግሎት ዓመታት ገደብ ድማ ሸውዓተ ዓመት ክኸውን እንከሎ ፓለቲካ ኢጣሊያ ምስ ቅዋም ኢጣሊያ ኪሰማማዕ ናይ ምግባር ሓላፍነት ዘለዎ እዩ። ምስ ዝኾነ ይዅን ናይ ፖለቲካ ውድባት ዝቃደው ዘይኮነ ሃገራውን ህዝባውን ሓድነት ዓቃቢ እዩ። ማታረላ ናይ ኢጣሊያ ናይ ቅዋም ሃገር ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣቦ መንበር ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣብ መባእታ 2015 ዓ.ም. ብናይ ኢጣሊያ ህዝባዊ ባይቶ ርእሰ ብሔር ንኽኾኑ ዝተሓርዮ እዮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ብሔር ማታረላ ካብ ቅዱስነቶምምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ወጻኢ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ እውን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ልባዊ ምይይጥ
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከም ዝሕብሮ፥ “እቲ ምስ ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ዝተኻየደ ምይይጥ ልባዊ ኣዕጋብን እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ዘሎ ርክብ ሰናይ ምዃኑ ዝምስክርን ብዛዕባ ለብዒ ኮቪድ - 19 ነዚ ለብዒ እዚ ንምብዳህ ዝካየድ ዘሎ ወፈራ ክትባትን ብዛዕባ ኣባይቲ ስድራን ዋሕዲ ብዝሒ ህዝቢ ኢጣሊያን ትምህርትን መንእሰያትን ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዱ ክፍልፈጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ ክሊኣዊ ርክብ ኣስዒቡ እውን ኣቃልቦኡ ናብ ኣህጉራዊ ጉዳያት ዝገበረን ብዛዕባ ኣፍሪቃን ጸኣት ስደተይናታትን ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ደሞክራሲ ኤውሮጳን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት እውን ምይይጥ ከምእተገበር ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ርእሰ ብሔር ማታረላ ንመጀመርታ ግዜ ዕለት 18 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምጻሕ ከምዘካየዱን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ግንቦት 2017 ዓ.ም. ኣብ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ህንጻ ኵሪናለ ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩ የዘኻኽር።
ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት
ከምቲ ልሙድ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከምዝፍጸምን ርእሰ ብሔር ማታረላ ንቕዱስነቶም ካብቲ በሪኽ ሕንጻ ርእሰ ብሔር ዝተቐርጸ ናይ መላእ ከተማ ሮማ ዘርኢ ስእል ናይ ኢጣሊያው ስነ ጥበበይና ጒዶ ረኒ ታሪኽ እትገልጽ መጻሓፍን ገጸ በረኸት ከምዘቕረቡሎምን ቅዱስነቶ እውን ብወገኖም ካብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ዝተቐርጸ ናይ መጀመርታ ጥንታዊ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ስእልን ናይ ሰላም መልእክቲ 2022 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኾሮና ተህዋስ ኣብ ዝተራእየሉን ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሕሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኵሉ ኣብ ተወሸብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንበይኖም ዝፈጸመዎ ጸሎት ልመናን ዝፈጸምዎ ፍሉይ መንፈሳዊ ስነ ስርዓት ብስእሊ እተብርህ መጽሓፍ ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።