ር.ሊ.ጳ. ናብ ሮማ ተመሊሶም፥ ንህዝቢ ግሪኽ “ኣብ ልበይ ምሳይ ኢኻትኵም!”
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ታሕሳስ ኣብ ግሪኽ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ልክዕ ፍርቂ መዓልትን ርብዕን ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ሮማ ኣብ ዝርክበ ፊውሚቺኖ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝኣተወትን ኣብ ጉዕዞኦም በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም “ስለቲ ኣብ ቆጵሮስን ግሪኽን እተገብረለይ ኣቀባብላ ኣዝየ አመስግን፡ ንዅሎም እቶም ኣብዚ ሓዋርያዊ ጉዕዞ እዚ ዝተሓባበሩ አመስግን፡ የቐንየለይ! ኣብ ተዘክሮይን ጸሎተይን ህልዋት ኢኻትኵም” ብዝብላ ቃላት ኣቢሎም ንህዝቢ ግሪኽ ሰላምታኦም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ልክዕ ሰዓት 10.58 ደቓይቕ ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣተንስ ምስ ነቐሉ ብኡንብኡ ንረፓብሊካዊት ግሪኽ ርእሰ ብሔር ካተሪነ ሳኬላሩፑሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ጸሎትን በረኸትን ነታ ሃገር ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ግሪኽ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ዝረኸበዎ “ሕያውነት ዝዓሰሎ እንግዶት” እውን “ዓሚቝ ምስጋና” አቕርብ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብታ ዝተጓዕዙላ ነፋሪት ምስ ዘሰንይዎም ናይ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠይናታት ቃለ መሕትት ከምዘካየዱን ኵሉ እቲ ኣብ ቆጵሮስ ኮነ ኣብ ግሪኽ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዘሕደረሎም ስምዒት እዚ ዝፈጠረሎም ሓሴትን ምስቶም ስደተይናታት ምርኻብ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣቝሳል ክትንክፉ ከም ዝገበሮምን እንገዳ ረኺቦም ኣቐሳሎም ምስ ዘሕይውየሎም ሕብረተሰብ እውን ከም እተራኸቡን ኣብ ገጾም ሓጐስ ንምርኣይ ስለ ዝበቕዑ ድማ ሓጐስ ከም ዝፈጥረሎም ብሰፊሕ ከምዝሓበሩ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ናብ ሮማ ንኽምለሱ ኣብ ዝገበርዎ ጒዕዞ ነፈራት ንናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን “እቲ ኣብ ቆጥሮስን ግሪኽን ዘካይድክዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዘተን ደሞክራስን ኣብ መንጐ ሰባት ምትሕብባርን ንምድንፋዕን ንምትብባዕን ኣጋጣሚ” ከምዝኾኖም ገሊጾም፡ “ንኣኹም ርእሰ ብሔር ማታረላን ንመላእ ህዝቢ ኢጣሊያን ሰላምታይ ንኸመሓላልፍ ብምኽኣለይ ሓጐስ ይስምዓኒ” ከምዝበሉን ርእሰ ብሔር ማታረለላ እውን ቅዱስነቶም ኣብ ምምላሶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ኣብዚ ጒስነት እዚ ሰብኣዊ ክብረት ንምድንፋዕን ንምክልኻልን ብስልጣናዊ ትምህርትዅምን ስብከታትኵምን ቃለ ምዕዳንኵንምን ኣቢልኵም ከምእ እውን ዘተን ሓድነት ስኒት ንምድልዳል ደኺመ ከይበልኵም እተተባብዑን እዚ ዅሉ ድማ ንሰብኣዊ ዕቤት ሃገራት መዲትራኒያን ኣድላዪ ረቛሒ እዩ። ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክራኸበኵም እናተጸበዅ ናይ መላእ ሃገረ ኢጣሊያ ህዝቢ ፍቕርን ቅርበትን ኣረጋግጸልኵም” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅዱስነቶም ንጸሎት ሮማ ኣብ ዝርከብ ባሲሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ናብ ሃገረ ቫቲካን ሃዋርያዊ መንበሮም ቅድሚ ምእታዎም ከምቲ ልሙድ ንሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ምንቃሎምን ምምላሶምን ናብ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ባዚሊካ ዘካይድዎ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም “ኣብቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዝረኣይዎ ዘሳቒ ማሕበራውን ሰብኣውን ወጅህታትን ዝሰምዕዎ ዘሕዝን ዛንታታትን ኣምላኽ በማዳልድነት ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ክልወጦ” ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።