ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ንመደባት ኣምላኽ ክፉት ዝኾነን ቅኑዕን ህይወት ምዅስኳስ!

ር.ሊ.ጳ. ነቶም መጻምድቲ ዝኾኑ ክርስትያን ሰብ ሓዳር “ካብቲ ርትዕዊ ኣተሓሳስባ ብዛዕባ ናይ ምፍቓር ዝብል ስምዒታዊ ፍቕሪ ናብቲ ብሱል ፍቕሪ ንኽሓልፉን ብሱል ፍቕሪ ኪምስክሩን” ዓዲሞም “ህይወት ኣብ ክንዲ እትእሰር ፍቕሪ ከደልድል ዝኽእል ምርጫ” ምግባር

እቲ ቅዱስ ዮሴፍ ዘሕለፎ ተመክሮ ንዅነታት ህይወት ብመሰረት ሓልዮት ኣምላኽ ንኽምርምሮ ይምህረና” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ነቲ ኣብ ተክለ ቅዱስ ዮሴፍ ኣማእኪሎም ዝጀመርዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስዒቦም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ክኸውን እንከሎ፥ ከም ዝገለጽዎ እቲ ምስ ማርያም ዝገበሮ ጒዕዞ እቶም እተሓጸዩ ክርስቲያን ሰብ ሓዳር ካብቲ ዘበራትዕን ነባሪ ዝኾነን ብሱል ፍቕሪ ንኽሓልፉ ትብዓት ምእንቲ ክህልዎም ኣብነት ይኾኖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ኣብ ዘመነ ምጽኣት ኣብ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ብዛዕባ ዮሴፍ ዘበገስዎ ኣስተምህሮ ብምቕጻል ማቴዎስ ወንጌል ዝገልጾ “ቅኑዕን ጻድቕን ሕጹይ ማርያም” እንክብል ንዮሴፍ ዝሃብዎ መግለጺ ከዕምቑ መሪጾም፥ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ንዅሎም ሕጹያት ሰብ ሓዳርን ሓደስቲ ሰብ ሓዳርን መልእኽቲ ንምቕራብ ዓቢይ ኣጋጣሚ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ነቲ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘሎ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍን ማርያምን ዝዛረብ ጽሑፋት ኣተኵይሮም፥ ዮሴፍ ምስ ማርያም ከም እተሓጸየን ንሳ ኸኣ “ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝጠነሰትን” ዮሴፍ ከኣ ክሓድጋ ስለ ዘይደለየ” ብሕቡእ ክፍለያ ምስ ወሰነ ድማ እቲ መልኣኽ ብሕልሚ ተራእዮ እሞ “እቲ ዝተጸንሰ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ምስኣ ኵን ኣይትፍራህ” በሎ።

ማርያምን ዮሴፍን ብዛዕባ ህይወቶምን መጻኢኦምን ሕልምን ትጽቢትን ዘማዕበሉ ክልተ ሕጹያት እያቶም። ኣምላኽ ኣብ ታሪኾም ዘይተጸበይዎን ዋላ እውን ኣብ ፈለማ ጻዕሪ ዝሓትት እንተመሰለ ክልቲኦም ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ጋህዲ ልቦም ይኸፍትሉ።

ጥበብ ዮሴፍን ድምጺ ኣምላኽ ምስማዕን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ተክለ ሰብነት ዮሴፍ ኪሓስቡ እንከለዉ፡ ንኸረድእዎ፥ ብቐዳምነ ቅኑዕ “ከም ኵሉ እስራኤላዊ ንሕጊ እዙዝ ሃይማኖተይና ሰብ” እኳ እንተነበረ እዚዩ ጥበበይና ካብ ምዃኑ እተለዓለ ከኣ “ንማርያም ዘለዎ ፍቕርን ኣብኡ ዘለዎ ትውክልትን ንምኽባር ሕግን ክብርን እታ መርዓቱን ዜድሕን መገዲ ከለልይ በቕዐ።” ከም ሓቂ እኳ ደኣስ “ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከይተዋረደ ብምስጢርን ብዘይ ንገሮን በሎን ክነጽጋ ወሰነ” ብሓጺሩ “ብዘይ ፈተናን ሕነ ምፍዳይን መገዲ ምስጢር” እዩ ዝመርጽ። ይኵን እምበር ቅዱስነቶ ከም ዝገለጽዎ፥ ዮሴፍ ናብ ካልእ ውሳኔ እዩ ኣምሪሑ፥ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ኣብ ምምስራቕ እንከሎ ድምጺ ኣምላኽ ደበኽ ይብሎ፥ እዚ ኸኣ ናይ ሓደ ሰብ ኣረኣእያ ንምስፋሕን ኵነታት ህይወት ብካልእ ዝሰፍሐ ኣረኣእያ ንምምርማር “ቅኑዕ ህይወት ንምዅስኳስ” ከምኡ እውን ወትሩ “ሓገዝ ኣምላኽ ከም ዘድልየካ” ክስምዓካ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ዘመላኽት ምዃኑ የነጽሩ።

ብዙሕ ግዜ ናይቲ ዝጓንፈና ኵነት እሱራት ኮይኑ ይስምዓና - እንታይ ከምዝጋጠመኒ ረኣይ እሞ! ንብል እንተ ዀነ ግን ኣብ መጀመርታ መሳጢ ኮይኑ ዝስምዓና ዝነበረ ገለ ናይ ህይወት ኵነታት እናሃለው ክነሱ ድሕሪ ግዜ ነቲ ዘሳቕየና ስቓይ እውን ከይተረፈ ትርጉም ዝህብ ቀስ እናበለ ቅርጺ ዝሕዝ ዝተሓብአ ዝመስል ሓልዮት ኣምላኽ ከም ዘሎ ነስተውዕል። እቲ ፈተና ኣብቲ ዘጋጠመና ባህ ዘየብል ነገራት ብምሕሳብ ኣብ ስቓይ ክትዕጸው ዘብል እዩ፡ እዚ ጽቡቕ ኣይኮነን።

ብሱል ፍቕሪ ናይ ህይወት ሓላፍነት ኣብ ምስካም እዩ

ከም ሓቂ እኳ ደኣስ መብዛሕቲኡ ግዜ ህይወት ከምቲ እትሓስቦ ከም ዘይኰነ” ብፍላይ “ኣብ ርክባት ፍቕሪ” ኸኣ “ናብቲ ብሱል ፍቕሪ ዝብል ርዓዊ ኣተሓሳስባ ምሕላፍ” ኣጸጋሚ ምዃኑ ቅዱስነቶም ዝዕዘብዎ ኵነት ምዃኑ ገሊጾም፡ እተወሰነ መልሲ “መብዛሕቲ ግዜ ምስ ክውንነት ናይቲ ጭብጥታት ኣብ ዘይቃዶ ሓሳብ ክንጥሕል እዩ ዝገብረና፡” ግን ነቲ ትጽቢታቱ ምስ እነፍቅሮ ጥራይ እዩ “ናይ ሓቂ ፍቕሪ ክጅምር ዝኽእል”፥

ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ፍቕሪ ኪበሃል ከሎ እቲ ካልእ ወይ ከኣ ህይወት ምስቲ ስእለ ሓሳብና ዚሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ምቕራብ ማለት ኣይኮነን፡ ኣብ ክንዱኡስ ከምቲ ንዓና ዚወሃበና ናይ ህይወት ሓላፍነት ከም ብዘለዎ ብናጻ ንምስካም ምምራጽ ማለት እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ዮሴፍ ንማርያም “ብዝተኸፍታ የዕንቲ ዝመረጻ” ምስቲ ከስዕቦ ዝኽእል “ኵሉ ሓደጋታት” ክንብል ንኽእል።

ክርስቲያን ሕጹያትን ሰብ ሓዳርን ጸሎት ቅዱስ ዮሴፍን

ር.ሊ.ጳ. ነቶም መጻምድቲ ዝኾኑ ክርስትያን ሰብ ሓዳር “ካብቲ ርትዕዊ ኣተሓሳስባ ብዛዕባ ናይ ምፍቓር ዝብል ስምዒታዊ ፍቕሪ ናብቲ ብሱል ፍቕሪ ንኽሓልፉን ብሱል ፍቕሪ ኪምስክሩን” ዓዲሞም “ህይወት ኣብ ክንዲ እትእሰር ፍቕሪ ከደልድል ዝኽእል ምርጫ” ምግባር፡ እዚ ኸኣ “ነቲ ፍቕሪ ፍርያም” ኣብ “ቅድሚ ዝኾነ ይዅን ፈተና ነባሪ ይገብሮ እንክብሉ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም፥ ባእስን ዘይምርድዳእን እናሃለወ ክነሱ እቲ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍቕሪ መዓልቲ መዓልቲ ይበስል እናወሰኸ ድማ ይኸይድ። ሰላም ብዘይ ምግባር ለይቲ ኣነውግሓያ ቢሎም ጸሎት ቅዱስ ዮሴፍ ሓላዊ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን፥

ንስኻ ንማርያም ብናጽነት ዘፍቀርካያ

ነቲ ጭቡጥ ኵነት ቦታ ንምሃብ ነቲ ኣብ ኣእምሮኻ እትሓስቦ ዝነበርካ ዝሓደግካ

ነፍሲ ወከፍና ብኣምላኽ ንኽንግረምን

ንህይወት ከም ዘይተጸበናዮ ፍጻመ ገርና ዘይኮነ

ናይ ሓቂ ሓጐስ ከም ዝሓበአ ምስጢር ጌርና ንኽንቅበሎ ሓግዘና።

ንዅሎም እቶም ሕጹያት ክርስቲያን ሰብ ሓዳር ሓጐስን ሱር በተኽነትን ምሕረትን ይቕረ ምባልን ጥራይ ፍቕሪ ክኡል ከምዝገብር ንኸስተውዕሉ ኣማልድ

ኣሜን

ዝብል ጸሎት ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 December 2021, 08:52