ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ቆጵሮስ ክፍትቲ ደሴት ብዙሕ እተሳቐየት ምእንቲ ሰላም እጽልይ!

ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ዕርቅን ሓድነትን የድልዮ፡ ንቕድሚት ክስጉም ከኣ ትብዓትን ጽንዓትን የድልዮ። ምኽንያቱ እቲ መናድቕ ፍርህን እቲ ብሃገራዊ ረብሓታት ዝምራሕ ዝሓለፈ ወይ ዝጸደቐ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ከም ዘይውዕል ናይ ምግባር መሰል ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡ ቍጠባዊ ምምሕያሽ ጥራይ እውን ንናይ ኤውሮጳ ድሕነትን ርግኣትን ዘውሕዝ ኣይከውን!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ካሳብ ዕለት 5 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ዝቕጽል ዕለት 2 ታሕሳስ ኣብ ቆጵሮስ ዘካይድዎ ዘለዎ ሓዋርያዊ መገሻ መደብ መሰረት ዕለት 2 ታሕሳስ ልክዕ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ንኽብሪ ሃገር ቆጵሮስን መንግስትን ህዝብን ናብ ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ነቒሎምን ብርእሰ ብሔር እናስታሲያደስ  ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣብኡ ምስ ርእሰ ብሔር ክሌኣዊ ርክብ ኣካይዶምን ናይ ገጸ በረኸት ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምስ ተፈጸመ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ናይ መንግስቲ ላዕለዎ ኣካላትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስትያን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ላዕልዎት ኣካላትን ናብ ዝተረኽቡሉ ኣዳራሽ በጺሖም ርእሰ ብሔር ኣናስታሲያደስ ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ምስ ኣስምዑ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም መደረ ከምዘስምዑን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ዝተገብረሎም ኣቀባብላን ርእሰ ብሔር ቆጵሮስ ስለ ዘስምዕዎ መደረን ስለ ዝገበሩሎም ኣቀባብላን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃሎምን ኣመስጊኖም፥ “ዝኾነ ይዅን ግጭት ዘሕውን ንጽባቔ ሕውነት ዝሕድሶ መገዲ ዘተ ጥራሕ እዩ” ዝብል ሓሳብ ኣብ ዘስመሩሉ መልእኽቶም፥ “ቆጵሮስ ኣብ መንጐ ኣህጉራት ናይ ጽባቔ መልእኽተይና ኣብ ኤውሮጳ ንናይ ክርስትና ጽድያ ኣበጋሲትን ብመልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ ንእሽተይ ዝኾነ ግና ዓቢይ ታሪኽ ዘለዋ” እንክብሉ ገሊጾም፥ ናይቶም ቀዳሞት ክርስቲያን ልኡካን ዝኾኑ ቅዱሳን ጳውሎስን በርናባስን ማርቆስን መሬት ዝኾነት ሃገር። “ኣብ ማእከልመዲትራንያን ክብርቲ ዕንቍ” ዝኾነት ሃገር ቢሎም፥

ናይቲ ብሓባር ኣብ ምዃን ዘሎ ብዝሓ ጽባቐ ምዕቃብ

ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ሓደ ሉል እቲ ዝኾኖ ኮይኑ ዝርአይ ኣብ ግዜ ቅርጺ እናሓዘ ዝኸይድ እዩ፥ ከብለጭልጭን እተፈላለየ ቀጸላታቱ ሓደ ጭቡጥ ክኸውን ዓመታት ይሓትት። ብተመሳሳሊ ጽባቐ ቆጵሮስ ካብቲ ንዘመናት እተራኸበን እተወአሃሃደን ባህልታት ዝመጸ እዩ። ርእሰ ብሔር ኣናስታስያደስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንቆጵሮስ፥ “ሰላማዊ ሕብረት ህዝብታት ዘለዋ ቦታ” ዝብል ትርጉም ሂቦምዋ እዮም፡ ኣብኡ ኸኣ እቲ እተፈላለየ ተዋጽኦታት “ኣብ ነባሪ ላህጃዊ ርክብ ኢዩ ዘሎ፡ ኣብዚ ከኣ እቲ ዝተፈላለየ ባህልን ልምድታትን ዝተኣሳሰረ ይኸውን።” ብዙሓት ሰባት “እተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎም እቲ ፍልልያቶም ውሁድ ጥዑም ቅንይት የቕውም” እቲ ጥዑም ቅንይት ድማ ህዝብታት እታ ሃገር እያቶም፥

ብዙሓት ስደተይናታት ከምዘለዉ እውን እሓስብ እየ፡ እዚ ኸኣ እቶም ዘአንገደቶም ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ እቲ ዝለዓለ ሚእታዊ ዝሽፍን እዩ። ነዚ እተፈላለየ ሕብሪ መግለጺ ጽባቔ ብምሉእ ምዕቃብ ቀሊል ኣይኮነን። ልክዕ ከምቲ ሉል ግዜን ትዕግስትን ይሓትት፡ . . . እተፈላለየ ባህልታት ዝሓቘፈን ኣርሒቕካ ብምርኣይ ንመጻኢ ዚዝርጋሕ ሰፊሕ ራእይ የድሊ። በዚ መዳይ እዚ ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ሕብረተሰብ ብፍላይ ከኣ ነቶም ብኣሃዛዊ ጸብጻብ ሒደት ዝኾኑ ንምዕቃብን ምድንፋዕን ኣድላዪ እዩ . . . ንዅሉ ከም ምዃን ምሕቋፍ . . .

ካብዚኣቶም እቶም ካብ ጠቕላላ ሕዝቢ እቶም ኣርባዕተ ሚእታዊ ዝሽፍኑ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እያቶም። ግቡእ ተቕዋማዊ ተፈልጥነት ክረኽቡ ተስፋ እገብር። እዚ ኸኣ ብንጥፈታቶም ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓውዲ ህንጸትን ግብረ ሰናይን ኣቢሎም ኣብ ሕብረተሰብ ዘቕርብዎ ኣበርክቶ ብሕጋዊ ኣረኣእያ ኣጸቢቑ ምእንቲ ኽግለጽ” ኢሎም።

በሰላ ለብዕን መቝሰልትን

ስለዚ ሓደ ሉሉ ንጽባቔኡ ኣብ ኣጸጋሚ ኵነት የብርሆ` ሓድሓደ ግዜ ሑጻ ከም መከላኸሊ ኮይኑ ይሽፍኖ እሞ ቀስ እናበለ ናይቲ ሉል ጽባቔ ኣጸቢቑ ክዅላዕ ይሕግዞ፥ በዚ መሰረት እዚ እታ ሉል ቆጵሮስ በቲ ንብዙሓት በጻሕቲ ናብኣ ንኸይኣትዎ ጽባቔኣ ንኸይርእዩ ብዝዓገቶም ለብዒ ተዓብሊላ እያ። እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ካልኦት ቦታታት ዘጋጠመ ቍጠባዊ ቅልውላው ዘምጽኦ ሳዕቤት ዝገደደ ኢዩ። ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ፥ እቲ ኣድላይ ምሕዋይ በቲ ዝባኸነ ንምምላስ ብዝብል ኣገባብ ክልለ የብሉን የግዳስ “ብፍላይ ምስ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ሰብኣዊ ክብሪ ምስ ዘበላሹ በሰላን ወሳኒ ቃልስ ብምግባር ምሕዋይ ሕብረተሰብ ንምድንፋዕ ብዝግበር ቈራጽነት እዩ ክልለ ዘለዎ።

እንተዀነ ግን እቲ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ልዕሊ ዅሉ ዘሳቕያ ዘሎ በሰላ በቲ ኣብ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት ዘጋጠማ ዘስካሕክሕ መቝሰልቲ ዝተደረኸ እዩ። ብዛዕባ ውሽጣዊ ስቓይ እቶም ናብ ኣባይቶምን ቦታታት ኣምልኾኦምን ኪምለሱ ዘይከእሉ ሰባት እሓስብ። ሰላምኵም ሰላም ምልእቲ እታ ደሴት ክኸውን መታን እጽሊ። ብዅሉ ሓይለይ ድማ እትስፈው። እቲ ግጭታት ዘሕውይን ጽባቐ ኣሕዋት ዝሕድስን ሰላም ካብ ዘተ እዩ።

ናይ ወስታ ብርታዐ ደኣ እምበር ብርቱዕ ወስታ ኣይኰነን ዘድሊ

ከምቲ እቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ስብከት ብጹዕና፥ “ዕጉሳትን ለዋሃትን ክንከውን ይላበወና፡ እዚ ኸኣ ናይ ሕይወት ክርስትና ቡሶል እዩ ቢሎም ናይ ቆጵሮስ ቀዳማይ ሊቀ ጳጳሳት ማካሪዮስ፥ ትርጉም ስሞም “ብጹዕ” ማለት እዩ። ዘገርም ኣይኮነን ናይታ ሃገር መግለጺ እንታይ ምዃኑ እዩ ዘመላኽት። ሰላም ዘዳልው ናይ ወስታ ብርታዐ ኣሎ። ብኻልእ ሸነኽ ሰላም ዘልምስ ብርቱዕ ወስታ ክህሉ ይኽእል፣ ነዚ ምልላይ የድሊ፥

ንኣብነት ነቲ ንህዝቢ ዘድልዮ ነገራት ቀዳምነት ዝህብ ልባዊ ግጭት ንምውጋድ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዝያዳ ብንጥፈት ንምስታፍ ሃይማኖታውን ባህላውን ውርሻ ንምዕቃብ ከምኡ እውን ንኸም ቦታታት ወይ እንተ ወሓደ ቅዱስ ንብረት ዝኣመሰለ ሰባት ክቡር ዝኾነ ሃባቲ ክዕቀብ እላበው፡

ርእሰ ብሔር ኣናስታስያደስ ኣብ መደረኦም ዝዓነወ ውርሻታት ናይ ኦርቶድክስን ላቲናዊትን ኣርመናዊትን ማሮናዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ከም ዘዘኻኸርዎ፥

መዲትራኒያን ዞባ ዘተ እምበር ዞባ ዘሕዝን ፍጻሜታት ኣይኮነን

. . . ዘተ ንኽካየድ ዝፍተነሉ ኪደት ዓቢይ ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠሞ ሰላም ከዳሉ ዝኽእል ግዜ እዩ! ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ጽልእ ክዕወት ወይ ቍስሊ ዘስዓቦ ብሰላም ንምሕዋይ ዝግበር ጻዕሪ ዕሽሽ ክበሃል የብሉን ምኽንያት መጻኢ ወለዶ ምሕሳብ ስለ ዘድሊ፥

ብዛዕባ እቲ ሕጂ ግጭታትን ዘሕዝን ፍጻሜታት ዝመልኦ መዲትራንያን እስከ ንርአ፥ እቲ ዓሚቝ ጽባቐኣ ምስ ኵሎም ህብረ ህዝብታት ዝተኣሳሰረ ደኣ እምበር ኣተገማመዐ ኣይኮነን። እታ ብመልክዓ ምድራውን ታሪኻውን ባህላውን ሃይማኖታውን መስቀላዊት ዝኾነት ቆጵሮስ ኣብ መዲትራኒያን ናይ ሰላም ስጒምቲ ንምውሳድ ዝዕየየላ ናይ ዘተ ስፍራ እያ፡

ነቲ ዝጠፍአ ብርሃን ዳግም ምርካብ

ታሪክ ቆጵሮስ ምምርማር ክበሃል እንከሎ እቲ ምርኻብን ተቐባልነትን ኣብ ነዊሕ ግዜ ብኸመይ ጠቓሚ ፍረ ከም ዘምጽእ ምርኣይ ማለት ምዃኑ ኣጒሊሖም። “ንታሪኽ ክርስትና ንምምልካት ጥራይ ዘይኮነስ” ሃብቱን ጽባቔኡን ኣብ ብዙሕነቱ ዝረኸበ ሕብረተሰብ ንምህናጽ” እውን እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ፥

ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ዕርቅን ሓድነትን የድልዮ፡ ንቕድሚት ክስጉም ከኣ ትብዓትን ጽንዓትን የድልዮ። ምኽንያቱ እቲ መናድቕ ፍርህን እቲ ብሃገራዊ ረብሓታት ዝምራሕ ዝሓለፈ ወይ ዝጸደቐ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ከም ዘይውዕል ናይ ምግባር መሰል ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡ ቍጠባዊ ምምሕያሽ ጥራይ እውን ንናይ ኤውሮጳ ድሕነትን ርግኣትን ዘውሕዝ ኣይከውን!

ልክዕ ከምቲ ሉል በዚ ናይ ምስፋሕ መንፈስን ሰገር ናይ ምጥማት ክእለትን ጥራሕ እዩ ከም ብሓድሽ ምሕዳስን ነቲ ዝጠፍአ ብርሃን ንምምላስ ዝከኣል እንክብሉ ስለ እተገበረሎም ምዉቕ ኣቀባብላን ህዝብን መንግስትን ሃገረ ቆጵሮስን ንዝለገሱለይ እንገዳ እመስግን እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

 

Photogallery

ነቲ ዝጠፍአ ብርሃን ዳግም ምርካብ
04 December 2021, 09:22