ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንሀሮኒሞስ ዳግማዊ፥ ኣብ ጐደና ሕውነትን ሰላምን ሓቢርና ንስጒም ር.ሊ.ጳ. ንሀሮኒሞስ ዳግማዊ፥ ኣብ ጐደና ሕውነትን ሰላምን ሓቢርና ንስጒም 

ር.ሊ.ጳ. ንሀሮኒሞስ ዳግማዊ፥ ኣብ ጐደና ሕውነትን ሰላምን ሓቢርና ንስጒም

ቅዱስነቶም እውን ኣስዒቦም ንጻድቕነቶም ሀሮኒሞስ ዳግማዊ፥ “ፍቝር ሓው” እንክብሉ ጸዊዖም ስለቲ “ሕውነታውን ሓልዮትኵም ትሕትናዅምን ትዕግትዅምን አመስግን፡ ጐይታ ኣብዚ መገዲ ሕውነትን ሰላምን ሓቢርና ንኽንስጒም ጸጋኡ ይዓድለና

ናይ ኣተንስን መላእ ግሪኽን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ጻድቕነቶም ሀሮኒሞስ ዳግማዊ ዕለት 5 ታሕሳስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ግሪኽ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ ዝዓረፍሉ ኣብ ኣተንስ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ንኽብሪ ቅዱስነቶም ምብጻሕ ከምዘያየዱን እቲ ዝተኻየደ ክሌኣው ርክብ ብሓባር ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክታሞም ብዘንበሩሉ ስነ ስርዓት ከም እተዛዘመን፥ ሀሮኒሞስ ዳግማዊ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ቅዱስነትኵም ሓው ዘሮሜ” ብዝብል ስም ከምዝጸውዕዎምን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን “ስለ ሕውነትኩምን  ሓልዮትኩምን ትሕትናዅምን ትዕግስትዅምን” አመስግን እንክብሉ ከም ዝመለሱሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ንፍርቂ ሰዓት እተኻየደ ክሌኣዊ ርኽብ ኽልቲኦም መራሕቲ ሃይማኖት ብሕውነትን ፍቕርን ዘርኣይዎ ምቅርራብ ኣብ ናይ ሓባር ጒዕዞ ዓቢይ ድጋፍ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ_

ቅዱስነትኵም ሓው ጳጳስ ዘሮሜ አመስግነኵም!

ጻድቕነቶም ሀሮኒሞስ ዳግማዊ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅዱስነትኵም ሓው ጳጳስ ዘሮሜ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎምን ዕለት 5 ታሕሳስ ዓቢይ በዓል ቅድስተ ሳባ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም “ኣነን ኣሰነይተይን ስለ እቲ ኣብ ግሪኽ ዘካየድክምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅድሚ ናብ ሮማ ምምላስኵም ንኸነመስግን ኣብዚ ንኽብርኵም ክንበጽሓኩም ደለና። ሰላም ክንብለኵምን ሰናይ ጒዕዞ እውን ንምነየልኵም፡ ኣምላኽ ይባርኽኵም” ከምዝበሉን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ “ጐይታ ነተን ክልተ ኣሕዋት ኣቢያተ ክርስትያን ይባርኽ”

ቅዱስነቶም እውን ኣስዒቦም ንጻድቕነቶም ሀሮኒሞስ ዳግማዊ፥ “ፍቝር ሓው” እንክብሉ ጸዊዖም ስለቲ “ሕውነታውን ሓልዮትኵም ትሕትናዅምን ትዕግትዅምን አመስግን፡ ጐይታ ኣብዚ መገዲ ሕውነትን ሰላምን ሓቢርና ንኽንስጒም ጸጋኡ ይዓድለና። ኣብዚ ጒዕዞ ሕውነት እዚ ስለቲ ልግሲ ዝመልኦ ደገፍኵም አመስግን። ጐይታ ነተን ክልተ ኣሕዋት ኣቢያተ ክርስቲያን ይባርኽ እታ ቅድስቲ ኣደ ኣምላኽ እውን ትሓግዘና” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት

ኣብ ፍጻሜ እቲ ርክብ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ጻድቕነቶም ሀሮኒሞስ ዳግማዊ ናይ ገጸ በርኸት ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከም እተፈጸመን እቲ ዝተለዋወጥዎ ገጸ በረኸት ኣብ መንጐ እተን ክልተ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘራኽብ ድልድል ከም ዝኸውንን፡ ርክብ ንገዛእ ርእሱ ስነ ጥበብ ስለ ዝኾነ ወትሩ ኣብ ውሕነታዊ ዘተ ብሓባር ምጒዓዝ ዘድሊ ምዃኑ ዘረጋግጽ ትእምርቲ ሰላማዊ ምቅርራብ ኣብ መንጐ ክልተ ኣሕዋት ኣቢያተ ክርስቲያን ዘመላኽት እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ንሀሮኒሞስ ዳግማዊ፥ ኣብ ጐደና ሕውነትን ሰላምን ሓቢርና ንስጒም
07 Dec 2021, 15:01