ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ቆጵሮስ ናብ ግሪኽ

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ንሕዝቢ ቆጵሮስን መንግስቲ እታ ሃገርን ስለ እቲ ዝገበሩሎም ምዉቕ ኣቀባብላን እንግዶትን ዓሚቝ ምስጋናኦም ገሊጾም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቆጵሮስ ስለ እተገበረሎም እንግዶት ኣመስጊኖም፡ እታ ሃገር ሰላም መታን ክትረክብ ጸልዮምን ናይ ተስፋን ሰላምን ሓድነትን መልእኽቲ ሓዲጐም ከኣ ካብ ዕለት 2 – 4 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቆጵሮስ ዘካየድዎ ክልተ መዓልቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም ዕለት 4 ታሕሳስ ንተመሳሳሊ ሓዋርያዊ መገሻ ግሪኽ ከምዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ካብቲ  ኣብ ቆጵሮስ ካብ ዝርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ላርናካ ናይ ቆጵሮስ መንግስቲ ድሕሪ ዝገበረሎም ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ተሰናቢቶም ቀዳም ንግሆ ዕለት 4 ታሕሳስ ብነፋሪት ተጓዒዞም ኣብ ግሪኽ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ርእሰ ከተማ ኣተንስ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሖም ብወግዒ ከምዝጀመሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ከምቲ ልሙድ ድማ ቅዱስነቶም ካብ ሃገረ ቆጵሮስ ምስ ነቐሉ ናይታ ዘአንገደቶም ሃገረ ቆጵሮስ ርእሰ ብሔር ኒኮስ እናታስታስያደስ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ንሕዝቢ  ቆጵሮስን መንግስቲ እታ ሃገርን ስለ እቲ ዝገበሩሎም ምዉቕ ኣቀባብላን እንግዶትን ዓሚቝ ምስጋናኦም ገሊጾም፡ ሕዝብን ሃገረ ቆጵሮስን ሰላምን ምዕባለን ክጽገው ጸሎቶም ምዃኑ ከምዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 December 2021, 00:24