ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መበል 55 ኣህጉራዊ መልእኽቲ ሰላም 2022 ዓ.ም
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰላም ምኽንያት፥ ሳዕቤን ውግእን ለብዕን ዘቃልሕ ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘጋጥም መጒዳእቲ ዝዅንን ነቲ ኣብ መላእ ዓለም መንእሰያት ንምክንኻን ማሓድሮ ዘርእይዎ ቆራጽነት ዝነኣዱሉን ንእዋናዊ ጊልያነት ዝተጠቕዑን ብሃገራዊ ድሕንነት ዘይዕቈቡ ስደተይናታት ኵነታቶም ክመሓየሽ ምሕጽንታ ዘቕረቡሉ መልእኽቲ ወግዓዊ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ምህርቲ ኣጽዋር ውግእ ካብቲ ኣብ እዋን “ዝሑል ውግእ” ከምኡ እውን ሳዕቤት ምዝባዕ ኵነታት ከባቢ ኣየርን ጥሜትን ጽምእን እናገደደ ዝኸይድ እኳ እንተኾነ “ዘለኣለማዊ ሰላም” ንምህናጽ ዝከኣል እዩ። እዘን ቃላት እዚኣተን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንዕለት 1 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰላም ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ዝተጠቀሙለን ጭቡጥ ተስፋ ዘቃልሓ እያተን። ተስፋ ዝሰነቐ ዘተ፥ እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ወለዶታት ርክብን ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን ሕብረተሰብ ብጭቡጥ ምርኻብን ሰብ ተራኻቢ ከም ምዃኑ መጠን በዚ ባህርይ እዚ ኣቡሉ ኸኣ ነቲ ጓሓፋይን ሸለልትነትን ዘስፍሕ ባህሊ ምብዳህ ከምዝከኣል ቅዱስነቶም ኣብ መልእክቶም የመላኽቱ፣
ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ንዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሰላም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘመሓላለፍዎ ዓመታዊ መልእኽቲ ንዅሉም ሰብ ጹቕ ድላይ ኣሰብኡትን ኣንስትን ንመራሕቲ መንግስታት ከምኡ እውን ነቶም ኣብ ወሳኒ ሓላፍነት ዝተቐመጡ ኣብ መንጐ ወለዶታት ዘተ ትምህርቲ ከምኡ እውን ስራሕ ንዅሉን ብትብዓትን ብምህዞን ውሑስ ክኸውን መታን ብሓባር ኣብዚ ንናይ ሓባራዊ ሰናይ ጐዳና ብሓባር ምጉዓዝ የድሊ እንክብሉ ጻውዒት የቕርቡ።
ውግእን ግጭትን እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ብከላ ማሓድሮን ናይ ውልቀ ሰባት ቁጠባዊ ኣረኣእያ ከምኡ እውን ሳዕቤን ለብዒ ኮቪድ - 19 ጠቒሶም፥ “ድኻታትን እንነብረላ መሬትን ፍትሕን ሰላምን ክርከብ ድምጾም ብዓውታ የስምዑ” ኣለዉ “ሰላም፥ ኣብ ኵሉ መዋእል ካብ ላዕሊ ዝመጽእ ውህበትን ጻማ ናይ ሓባር ሕርኵት ጻዕርን እዩ” ቢሎም ነባሪ ሰላም ንምህናጽ ዘኽእሉ ሰለስተ መገድታት ይመርጹ፥
ዘተ ኣብ መንጎ ወለዶታት
እቲ ቐዳማይ “ሓባራዊ ውጥናት ንኺፍጸም መሰረት ዚኸውን ኣብ መንጎ ወለዶታት ዚግበር ዘተ” ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ይገልጹ። እዛ ዓለም እዚኣ በቲ ንብዙሓት ሰባት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ዕጹው ኣብ ዝኾነት ንእሽቶ ዓለም ንኺምዕቈቡ ወይ ኣዕናዊ ዓመጽ ንኽገብር ብዝደፋፍእ ለብዒ ተታሒዛ ኣላ።
ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ከም ዝብልዎ እቲ ምይይጥ ኣብ መንጎ እቶም ንሓድሕዶም ክሰማምዑ እተፈላለየ ኣረኣእያ ክካፈሉ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ከምኡ እውን ብሓባር ክጓዓዙ መታን ምትእምማን ከምዘድሊ ኣመላኺቶም እዚ ብፍላይ ኣብ መንጎ ወለዶታት “ኣብ መንጎ ሓለውቲ ተዘክሮን ኣርጋውያንን ኣብ መንጎ እቶም ታሪኽ ንቕድሚት ዘሰጒሙ መንእሰያትን” ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፡ “እደ ጥበባውን ቍጠባውን ምዕባለ ኣብ መንጎ ወለዶታት ምክፍፋል ክፈጥር ዝኽእል እኳ እንተኾነ እዚ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ግን ኣብ መንጎ ወለዶታት ሽርክንት ብህጹጽ ከም ዘድሊ ዘርኢ ምዃኑ የብርሁ።
ትምህርቲ፥ ናይ ናጽነትን ሓላፍነትን ምዕባለን ረቛሒ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላም ኣብ ምስዓብ ዘጒልሕዎ ካልኣይ መገዲ “ትምህርቲ” እዩ። ትምህርቲ ንውልቀ ሰባት ናጻን ዝያዳ ሓላፍነት ዝስምዖ ከም ዝገብሮን ከምኡ እውን ሰላም ንኽከላኸልን ንኸነስፍሓን ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጾም። ድሕርዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዓለም ለኻዊ ወሰኽ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ብዝርዝር ጠቒሶም፥ መንግስታት ነቲ ነጽዋር ውግእ ዝወጽእ መጠን ህዝባዊ ገንዘብ ንትምህርቲ ከውዕልዎ ዝዓለመ ቍጠባዊ መደብ ከማዕብሉ ይግባእ።
ንትምህርቲ ጉልበትን ዓቕሚ ሃብቲ ገንዘብን ምውፋር ዝብል ባህሊ ዘይንጽል ንዅሉ ዝብል መደብ ክንክን ጥዕና ብዘደንፍዕ ባህሊ ተሰንዩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘለዎ ከምዝኾነን እዚ እውን በቲ “ንዝመጽእ ወለዶታት ብዛዕባ ትምህርትን ብዛዕባ መጻኢ ወለዶታትን ዝሓልይ ዓለም ለኻዊ ፍልዩ ውዕላት ዝምራሕ ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ኸኣ ናይ ኵለን ሃገራት መንግታት ጻዕሪ ይሓትት፡ ስለዚ ከተግብር ዝክእል ሓድሽ መርኣያታት ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እዚ ንመጻኢ ወለዶ ዝምልከት ናይ ትምህርቲ ውዕል እዚ ኸኣ ኵለንትናዊ ማሓድሮን ኣርኣያ ሰላም ንምድፋዕ ቆራጽነት ይሓትት። እዚ እውን ነቲ ኣብ ሕውነት ዝተመሰረተ ዘላቒ ምዕባለ ሰብኣዊ ፍጥረትን ከባብን ክህሉ ዝሕግዝ ምዃኑ የመላኽቱ።
ስራሕ፥ ሰብኣዊ ክብረት ምሉእ ብምሉእ ውሑስ ክኸውን ዝሕግዝ መገዲ እዩ
ቅዱስነቶም ዘቕርብዎ ሳልሳይ መገዲ፥ ስራሕ ዝብል ክኸውን እንከሎ ስራሕ ሰላም ኣብ ምህናጽን ምዕቃብን ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ ኣብ ዚብል እምነት እተመርኮሰ እውን ምዃኑ የነጽሩ። ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ቅዱስነቶም ለብዒ ኮቪድ - 19 ዘምጽኦ ኣዕናዊ ሳዕቤናት፥ ፍሸልት ቍጠባውን ምህርታዊ ንጥፈታትን ምስፋሕ ስእነት ስራሕን ዝብሉ ጠቒሶም፡ ስራሕ ኣብ ኵሉ ማሕበረሰብ ፍትሕን ምትሕብባርን ንምህናጽ መሰረት ከም ዝኾነ ይገልጹ። ብሓደ ሸነኽ ስራሕ ኣድላዪ እዩ፥ ምኽንያት ናብ ዕቤት ዚመርሕ ብሕታዊ ዕግበት ከምኡ እውን ንማሕበረሰብ ኣበርክቶ ዘለዎ ብምዃኑ ሓደ ክፋል ናይ ህይወት ትርጉም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እውን እዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ “ነቶም ሸቃሎ ጽቡቕን ምዕሩግን ናይ ስራሕ ኵነታት ምድንፋዕ ከምኡ እውን መኽሰብ ከም እንኮ መለክዒ ዘይርኢ” ሓድሽ ኣገባብ ስራሕ ንምትብባዕ ዝሕግዝ ተበግሶታት ካብ ቀደም ሎሚ ኣዚዩ ህጹጽ ምዃኑ ኣብሪሆም ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎም ግደ ዘስተውዕሉ ከምኡ እውን ሰብኣዊ ክብረት ኣብ ዝኽበረሉ ቦታ ክሰርሑ ዕግበት ክረኽቡ ምግባር ኣብ መንጎ ውለዶታት ዘተ ክህሉን ትምህርትን ስራሕን መሰረተ እዩ እዚ ኸኣ ኵሉ ናይ ሰላም ኣንጠረይና ንኽኸውን ዘተባብዖ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዕለት 1 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣብ ዝመሓላለፈ ናይ ሰላም መልእኽቲ ብሰፊሕ ከም ዘመላኽቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።