ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሜጥሮጶሊታ ሂላሪዮን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምልጋሶም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዉ ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡኽ ሜጥሮጳሊታ ሂላሪዮን ከም እተራኸቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክሳዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ሓባራዊ ጒዳያት ከም እተመያየጡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካም ምስ ዝኣተዉ ኣብ ሩሲያ ምስ ናይ ቮሎኮላምስክ ሜጥሮጶሊታ ጻድቕነቶም ሂላሪዮን ኣልፈየቭ ኣብ ጽርሓ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዝርከብ መቐብሊ ኣጋይሽ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፥
ሕውነትን ሓባራዊ ሻቕሎትን
ኣብቲ ርክብ እውን እተን ክልተ ኣቢያተ ክርስቲያን ጭቡጥ ሰብኣውን መንፈሳውን ምላሽ ዝጠልብ ሓባራዊ ጒዳያት ዘማእከለ ምይይጥ ምክያዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ብስም ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪርል ንቕዱስነቶም ብምኽንያት መበል 85 ዓመት ውልደቶም እንቋዕ ሓጐሰኩም ከም ዝበልዎምን ቅዱስነቶም ምስ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሃቫና ዘካየድዎ ርክብ ዘኪሮም ፓትሪያርክ ኪሪል ኣብ ቀረባ እዋን መበል 75 ዓመት ዕድመኦም ከብዕሉ ምዃኖም እውን ዘኪሮም ዘለዎም ፍቕርን ቅርበትን ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ እቲ ምይይጥ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከም እተፈጸመን፥
ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ርክባት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብወግዒ ካብ ዝጀመሩሉ ካብ ዕለት 20 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ኣትሒዞም ምስ ሜጥሮጶሊታ ሂላሪዮን ብተገጋጋሚ ከም እተራኸቡን ኣብዚ ቐረባ ግዜ እውን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ “ህዝብታት ከም ኣህዋት ኣብ መጻኢ ምድሪ - ሃይማኖትን ባህልታትን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘዳለዎ መበል 35 ኣህጉራዊ ዓውደ ሰላም ከም እተራኸቡን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።