ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንግሪኻውያን ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣብነት ቅዱስ ጳውሎስ ክስዕቡ ኣተባቢዖም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ግሪኽ ዝነብሩ ውሁዳን ማሕበረሰብ ካቶሊክ ኣብነት ቅዱስ ጳውሎስ ኪስዕቡ ኣተባቢዖም፥ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ሕብረተሰብ ግሪኽ ወንጌል ምብሳር ቀሊል ከምዘይነበረን እንተዀነ ግን ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ንክርስትና ባህሊ ግሪኽን ዘጣመረ ንእሽቶ ዘርኢ ክዘርእ በቕዐ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ኣብ ኣተንስ ዝነብሩ ሒደት ማሕበረሰብ ካቶሊክ ዕለት ኣርባዕተ ታሕሳስ ከምእተራኸቡን ኣብ ዘስምዕዎ ቃሎም፥ ኣብ ግሪኽ ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣብነት ናይቲ ኣብ ኣርዮስፋጐስ ዝነበረ ቅዱስ ዲዮናስዮስ ብምቕያር ዘርኢ ክርስቲያናዊ እምነት ኣድሪ ኣብ ግሪኽ ዝዘርአ ቅዱስ ጳውሎስ ክስዕቡ ከምዘተባብዕዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቶም ናይ ኣተንስ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ግሪኽ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሰቫስቲያኖስ ሮሶላቶስ ነቲ ኣጋጣሚ ብወግዒ ንምኽፋት ድሕሪ ዘቕረብዎ መልእኽቲ ዝተሰምዑ ቃል ምስክርነትን ኣብዚ ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ጸኣት ስደተይናታት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ሓንቲ ኣብላጺ ሰዓብቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝነብረላ ሃገር ሰዓቢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንእሽቶ ማሕበረሰብ ምዃኑ ዘምጽኦ ሓጐስን ብድሆታትን ከምእተሰመረሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ኣሰር ቅዱስ ጳውሎስ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ግሪኽ ዝነብሩ ውሁዳን ማሕበረሰብ ካቶሊክ ኣብነት ቅዱስ ጳውሎስ ኪስዕቡ ኣተባቢዖም፥ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ሕብረተሰብ ግሪኽ ወንጌል ምብሳር ቀሊል ከምዘይነበረን እንተዀነ ግን ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ንክርስትና ባህሊ ግሪኽን ዘጣመረ ንእሽቶ ዘርኢ ክዘርእ በቕዐ። ብፍላይ ነቲ ሃዋርያ ኣብ ኣረማዊ ግሪኽ ዕቤት ንኽገብር ዝሓገዞን ሎሚ ኣብታ ሃገር እምነት ክርስትና ንምስራጽ ክሕግዝ ኣብ ዘኽእልን ክልተ ኣረኣእያታት ኣተኵይሮም፥

ኣብ ኣምላኽ እምንቶ ምሕዳር

እቲ ቀዳማይ ኣረኣእያ ምትእምማን ዝብል እዩ፥ ከምቲ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ዝተገልጸ፥ ጳውሎስ ኣብ ኣብ ኣተንስ ምስ በጽሐ ከም ዘይተደልየ ጋሻ ናብ ኣርዮስጋጉስ ተወሰ፥ “ምናልባት ኣብ መገዲ ብዙሕ ግዜ ንሕና እውን ንእሽቶ ማሕበረሰብ ብምዃንና ንደክምን ንበሳጮን እዛ ቤተ ክርስትያን እዚኣ ወትሩ ምሹእ ኣብ ዘይኮነ ሃዋሁ ብዙሕ ሃብቲ ዘይብላ ኮይና ይስምዓና እዩ።

ይኹን እምበር ኣብዚ ጽልኢ ዝመልኦ ሃዋሁ እዚ ጳውሎስ ኣብ ተልእኾኡ ኣይተሓለለን ንኸማርር ንዝመጾ ፈተና እውን እተይተቐበሎን፡ ትብዓት ጳውሎስ ካብቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ምትእምማን ከም ዝመጸ እንከዘኻኽሩ፥ “ናይ ሓቂ ሃዋርያ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ - ብምትእምማን ንቕድሚት ምስጓም ካብቲ ልምዲ ዘምጽኦ ሸለልትነት ዘይኰነስ ዘይተጸበኻዮ ዅነታት ምጥርጣር ካብ ምምራጽ እዩ።”

ዘርኢ ኣድሪ

ሎሚ ኣብ ግሪኽ ኣብ ዝርከብ ንእሽቶ ማሕበረሰብ ካቶሊክ እውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ እዩ ዘድሊ - “ከም ቤተ ክርስቲያን መጠን ናይ ዓወት መንፈስ ዘደንቕ ቍጽርታት ወይ ዓለማዊ ዕቤት ክህልወና ዘይተጸዋዕና ንኸውን” እንታይ ደኣ ቀስ እናበልና ህድእ ኢልና እንዓቢ ዘርኢ ኣድሪ ክንከውን ዝተሓተትና ኢና። ሳላ እቲ ቀጻሊ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ ብትዕግስትን ብህድኣትን ኣብ ውሽጢ ብህቡእ ዚዓቢ መባዅዕቲ ንምዃን ኢና ዝተጸዋዕና።”

ውሑዳን ምዃን በረኸት እዩ

ስለዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም፥ “ውሁዳን ምዃን ከም በረኸት ጌርኵም ረኣይዎ ብተስፋ ድማ ተቐበልዎ። ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ንኽትውከሉ ዝድርኸኵም እዩ። ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ውሑዳን ምዃና ኣይትረሰዑ - እዚ ግን ኣብ ግምት ዘይትኣትው ምዃን ማለት ኣይኩነን የግዳስ ናብቲ ጐይታ ዘፍቅሮ ንእሽቶ መገዲ ማለት “ትሕት ምባልን ህዱእ ምዃን ማለት እዩ።”

ቅቡል ናይ ምዃን ኣረኣእያ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ነቲ ጳውሎስ ኣብ ኣርዮስፋጐስ ዘርኣዮ ካልኣይ ኣረኣእያ፥ ነቲ ኣምላኽ ንሕና ቅድሚ ምእምጻእና ኣብ ልቦም ዘንበሮ ዘርኢ ምልላይን በዚ መሰረት ከኣ ምውሳእን ዝምህረና እዩ።

ሓሳብ ምቕራብ እምበር ብጸቕጢ ሓሳብካ ኣብ ልዕሊ ካልእ ዘይምንባር

ጳውሎስ ንሰብ ኣቴንስ “ኣይተገብኦን እንክብል ሓሳብ ኣቕረበ። እቲ ኣጸሓሕፋኡ ሃይማኖት ንምስዳዕ ዘይኮነስ ኣብ ትሕትና እዩአሱስ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ካብቲ ብደጋዊ ክንራዩ እንኽእል ንላዕሊ ከም ዚዓዪ” እናፈለጡ ነቲ ሮኪስ እተሰምየ ካቶሊካዊ ምእመን ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት ከም ዝበሎ። ሎሚ ክንወስዶ ዝግብኣና ቅኑዕ ኣርኣእያ ንሱ እዩ።”

ኣብ መንጐ ፍልልያት ውህደት ምፍጣር

ኣስዒቦም ኣብ ግሪኽ “ኣብ መንጐ ሰብኣውን ባህላውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ሕብርት ንምምስራት ዝምነ ልቢ” ክህሉ ከምዘለዎ ኣጒሊሖም፡ በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 21 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም. ንናይ ኵርያ ሮማና ላዕለዎት ሓለፍቲ ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ ብዛዕባ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ክንዛረብ እንከሎና እቶም ኢእግዚኣብሔራውያን ወይ እግኖስቶሳውያን ኣብ ልብና ከነህልዎም ይግባእ” ከምዝበልዎ።

ሕውነታውነት ምዅስኳስ

እቲ ሎሚ ዘሎ ዓቢይ ብድሆ “ንብምሉእ እቲ እምነት ማለት ንካቶሊካውያን ንኦርቶክሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓኣትናን ካልእ እምነት ንሓድሕድና ንኽንሰማማዕ ንኽንሓልምን ብሓባር ንኽንዓዪ መታን ሕውነት ከነማዕብል ኪመርሓና ይኽእል እዩ። ሕሉፍ ጉድኣት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህ ዘብል ዝርርብ ገጹ እዩ ዝመርሓና እንተ ዀነ ግን ነዚ ሎሚ ዘሎ ብድሆ ብትብዓት ንቐበሎ!” ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ እምነት ቤተ ምርመራ ምዃን

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃል፥ መብዛሕቲኦም ተቐማጦ ኣሪዪጳጉስ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ጳውሎስ እናሰሓቑን እናባጨውሉን ሓዲጎምዎ ይኸዱ፡ ገሊኣቶም እንኰላይ ዲዮኒሲዩስ ዝርከብዎም ተወሊጦም ሰዓብዎ፡ ውሑዳት እውን እንተነበሩ . . . ኣምላኽ ግና ካብቲ ግዜ ኣትሒዙ ክሳዕ ዘለናዮን ኣብ ዝቕጽልን ከምኡ ገይሩ እዩ ንታሪኽ ዚእምት። ኣብዚ ታሪኻዊ እዋን እዚ ኣብ ናይ እምነት ቤተ ምርምርኵም ንቕድሚት ክትብሉ ሓያል ባህጊ ኣሎኒ” ቢሎም ምስ ዛዘሙ ኣቦና ኣብ ሰማይ ትነብር ጸሎት ተደጊሙን ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ሃቡ ንጳጳሳት ሓደ ብሓደ ሰላም ከምዝበሉን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ንግሪኻውያን ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣብነት ቅዱስ ጳውሎስ ክስዕቡ ኣተባቢዖም
07 Dec 2021, 08:43