ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንኢየሱሳውያን፥ “ቁጽርና ይንክይ እኳ እንተሎ ትሑታትን መሃዝያን ኣብ ኣምላኽ ንዅን” ር.ሊ.ጳ. ንኢየሱሳውያን፥ “ቁጽርና ይንክይ እኳ እንተሎ ትሑታትን መሃዝያን ኣብ ኣምላኽ ንዅን” 

ር.ሊ.ጳ. ንኢየሱሳውያን፥ “ቁጽርና ይንክይ እኳ እንተሎ ትሑታትን መሃዝያን ኣብ ኣምላኽ ንዅን”

ኣብዚ እዋን እዚ ብዝሒ ካህናት ኢየሱሳውያን ይንክይ ከምዘሎን ንሶም ቅዱስነቶም ኣብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ተመካሪ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብዝሒ ኢየሱሳውያን 33 ሺሕ ከምዝነበረን ሎሚ ግና ዳርጋ ፍርቂ በጺሑ ኣሎ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ዕለት 2 – 6 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቆጵሮስን ግሪኽን ኣብ ዘካየድዎ መበል 35 ኣህጉራዊ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ግሪኽ ምስ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣብቲ ብኢየሱሳውያን መጽሔት ዝመሓደር ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት በቶም ናይቲ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ኣብ ናይ መወዳእታ ሕታሙ ንንባብ ከም ዘብቅዕዎን፥ ቅዱስነቶም ነቶም ካህናት “ኣቦታት እምበር ጐይቶ ኣይትኹኑ ሰናይ ምግባርን ድሓር ንጸሎት ገዛእ ርእስኵም ፍልይ ኣብሉ” ከምዝበልዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰናይ ገይሮም ድሓር ወነንቲ ኮይኑ ከም ዘይስምዖም “ኣቦታት” ደኣ እምበር “ጐይቶት” ኣይትዅኑ! ልዕሊ ኵሉ ግን ብፍላይ ነቲ ዝርአ ዘሎ ዋሕዲ ጸዋዕታ ስነሰብእ ትንታነ ዘይምግባር እዩ። ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ግሪኽ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ክኸውን እንከሎ፥ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ምዕዳን ካብቶም ካህናት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ብምሃብን ብናይ ሓባር ምይይጥን ዝተመርሔ ምንባሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ቍጽሪ

ቅዱስነቶም ነቶም ኣሕዋቶም ሰላም ምስ በሉ ዛንታታቶም ድማ ምስ ሰብዕ - ብዛዕባ ሓዋርያዊ ወይ ብዛዕባ ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን መናብርተ ጥበባትን ከም መምሃራን ኮይኖም ዘሕለፍዎን ገሊኣቶም ዘሕለፍዎ ጽንኵር እዋን ዘካፈሉን ከም ዝነበሩን፡ እቶም ኢየሱሳውያን ካህናት ኣብ ግሪኽ ዘገልግሉ ትውልደ ኮርያን ፓላንድን በልጅምን ክኾኑ እንከለዉ ወዲ 84 ዓመት ኣባ ሰባስቲየን ፍረሪስ ኣብ ቍምስና ኣብ መዳይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ከምኡ እውን ኣብ ጽንኵር ኩነታት ንዝርከቡ መንእሰያት ብምእላይ ንመንእሰያት ኣብ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዙሕ ዘገልገሉን ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝፍጸም ዘበለ መደብን ካልእ ተመሳሳሊ ጸገማት ብምቅላዕ ምእንቲ መንእሰያት ብዙሕ ዝጣበቑን ኣብ ባህላዊ መዳይ እውን ብዙሕ ዘገልገሉ ዝሃብዎ ቃል ምስክርነት መሰረት ገይሮም፥ ኣብዚ እዋን እዚ ብዝሒ ካህናት ኢየሱሳውያን ይንክይ ከምዘሎን ንሶም ቅዱስነቶም ኣብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ተመካሪ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብዝሒ ኢየሱሳውያን 33 ሺሕ ከምዝነበረን ሎሚ ግና ዳርጋ ፍርቂ በጺሑ ኣሎ። “ቍጽርና እናነከየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።”

ወርደት - ትሕት ምባል ምልምማድ

እቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ዝርአይ ዘሎ ዋሕዲ ጸዋዕታ ኣብ ብዙሓት ማሕበራትን ገዳማትን እውን ዝርአ ዘሎ ሓቂ እዩ፡ እዚ ዋሕዲ እዚ እንታይ ትርጒም ከምዘለዎ ደማ ንኽንፈልጥ ገዛእ ርእስና ምሕታት እዩ። እዚ ምንካይ እዚ ኣባና ዚምርኰዝ ኣይኮነን እንክብሉ ኣነጺሮም፥ “ጸዋዕታ ካብ እግዚኣብሔር እዩ” ስለዚ እቲ ዋሕዲ ብሓፈሻኡ እንርእዮ ሓቂ እዩ፡ ስለዚ እግዚኣብሔር ትሕት ክንብልን ገዛእ ርእስና ንኸነዋርድን ይደሊ። እዚ እቲ ንኢየሱሳውያን ማሕበር ፍርያም ዝገብር እዩ። ቅዱስ ኢንጋዚዮ ዘሎዮላ “ትሕት ምባል ምልምማድ” ይብል ቢሎም ነዚ ናይቲ ማሕበር መስራቲ ሓሳብ ብኣጽንዖት ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን  ሓቢሩ።

ሸበድበድ ንዘብል ድኻም ኣይፋል ምባል

ኣብ ጐድኒ እቲ ውረደትን ትሕት ምባልን ከኣ ኣብቶም ህይወቶም ዝሃቡ ሰባት ድኻም ወይ ጽቡቕ ድኻም ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ከምቶም ቅድም ኣብ ሞሮኮ ልኡኽ ኮይኖም ዘገልገሉ ደሓር ኣብ በልጂም ዘገልገሉን ኣባ ቶምይ ኮርኖየዱስ ሎሚ ኣብ ኣተንስ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዘገልግሉ ዘለዉ። ባዕሎም እዞም ካህን እውን ኣብቲ ርክብ ነቶም ስደተይናታት እናገልገሉ እንከለዉ ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ እተንቀሳቕስ ኣብ ንግድ ሰብ ኢድ ኢድ ኣለዎም ብዝብል ብጌጋ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከም ዝሓበሩን ነዚ ጉዳይ እዚ ቅዱስነቶም ምልስ ቢሎም ብምሕሳብ ከኣ “ናይ ሓደ ኢየሱሳዊ ካህን ህይወት እንታይን ከመይን ክመስል ኣለዎ ዝብል ሕሳብ ኣእምሮይ ይመጻኒ።” ኣብቲ ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ዘድክም ኣገልግሎት ነቲ ሸበድበድ ዝብል ድኻም ኣይፋል ብምባል ፍሽኽ እናበልካ ዕዮኻ ኣብ ምፍጻም ሓሴት ከምዘሎ ምስትውዓል የድሊ። ሰናይ ድኻም ኣሎ፡ ዕድመ ምስ ደፈአ ድማ ተስፋ ናብ እትገብረሉ መዝሙር እዩ ዝልወጥ። . . . ሓጢኣተይና እውን እንተዀንና ህይወትና በቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዚርከብ ሓጐስ ዝተመልኤት እያ።”

ሰናይ የዕንቲ ኢየሱሳዊ

ብዛዕባ ጸዋዕታ ክዛረቡ እንከለዉ ቅዱስነቶም - እቲ ኵሉ እትፍጽሞ ትምህርቲ ካልእ ኵሉ ዝሳለጥ ጉዳይ ዘበለ ናይ ጸዋዕታ መጋበርያ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ካልእ ዝተፈላለየ ፍልጠት እውን እንተዀነ . . . እዚ ቅዱስነቶም ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ሓለቓ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዝተመከርዎ ምዃኑ ብምዝኽካር ናብ ማሕበር ኢየስሳውያን ንኽኣትዉ ካብ ሓደ ኢየሱሳዊ ሓበሬታ ክረኽቡ ምስ ሓተቱ “ብሉጽ ሓበሬታ” ከም ዝረኸቡን . . . ክውንነት ምቕራብ ስለዚ ክውንነት ኣብ ምቕራብ ድማ የተባብዕ . . . ።

ወናኒ ዘይምዃን

ድሕሪ እዚ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ነቲ ኣብ ኣተንስ ናይ ዝርከብ ናይ ቘልዑ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መእለዪ ማእከል ኣሩፐ መስራቲ ተወላዲ ኮርያ ኢየሱሳዊ ካህን ዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ገይሮም፥ እዞም ካህን ባዕሎም ዝመስረትዎ ማእከል እውን እንተነበረ ኣብዚ እዋን እዚ ናይቲ ማእከል ተሓባባሪ ኮይኖም እዮም ዘገልግሉ ዘለዉ፡ እዚ ኸኣ “ኣቦ እምበር ጐይታ ዘይምኻ” መሰረታዊ ምዃኑ የመላኽት። ነፍሲ ወከፍ ኢየሱሳዊ ነዚ እዩ ክነብር ዘለዎ። እቲ ግራት ናይ ጐይታ እምበር ናትና ኣይኮነን። ከም ኣቦ ኰይንና ምስ እነገልግል ድማ ኩሉ ይዓቢ . . . ኵሉ ነገር ብሓሴት ምፍጻን ደሓር ከኣ ዕድመ ምስ ደፍኤ ብዘይ ምውናን ናተይ ከይበልካን ልሂቅ ምዃን። “ኣቦታት ደኣ እምበር ጐይቶት ኣይንዅን . . . እቶም ዓበይቲ ክቡራት ዋጋታት ኣብቲ እትርከበሉ ቦታን ግዜን ሰባትን ስቡእ ክኸውን ኣለዎ . . . እዚ ዝኸውን ከኣ ሳላ ምስረቓ ኢዩ ። ብዘይ ምስረቓ ዝዓዪ ኢየሱሳዊ ኣይኮነን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጭቡጥ ብድሆታትን ጭቡጥ ፍታሕን

ጳጳስ ዘሮሜ ኣስዒቦም፥ ንጭቡጥ ብድሆታት ጭቡጥ ፋታሕ ንምቕራብ “ንመስቀል ክርስቶስ እሙናት ክንከውንን”ከምኡ እውን “ብኣምላኽን ኣብ ኣምላኽን መሃዚያን” ምዃን የድሊ። እቶም ኢየሱሳውያን ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ናይ ሓባር ርክብ ድማ ቅዱስነቶም ንኢዶም . . . እዚ ናይ ጸሎትን ንብጻይ ቀረባ ናይ ምዃንን ጻማ እዩ። ብጻዕርና ዘይኮነስ ብጸጋ ኣምላኽ . . . ኣምላኽ ፍቕሩ ኣብ ዘርእየሉን ተኣዛዝነት ኣብ ዚሓትተሉን ንኽንከይድ ነቲ ናይ ዓለም ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዝጋጮ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ መንግስቲ ኣምላኽ ምስዓብ የድሊ። ናይዚ ኵሉ ማእከል ድማ ጸሎት እዩ ክኸውን ዘለዎ . . . እንክብሉ ምዒዶም ምስ ኣብቅዑ እቶም በቲ ማእከል ኣሩፐ ዝእለዩ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንቕዱስነቶም ዝለኣኽዎ ገጸ በረከት ካብቶም ኢየሱሳውያ ካህናት ምስ ቀረበሎም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጉሞም ምስ ኣብቅዑ ነቶም ደቂ ማሕበሮም ካህናት ሓደ ብሓደ ሰላም ቢሎምን ባሪኾም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 Dec 2021, 08:40