ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሃይቲ ክጽለ ተማሕጺኖም
ዕለት 15 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊስኖም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ቀረባ መዓልታት ሓንቲ መጓዓዝያ ነዳዲ ብዘጋጠማ ሓደጋ ዝተፈጥሮ ባርዕ ሓዊ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ዘኪሮም ምእንቲ “እቶም ከቢድ ሓደጋ ዘጋጠሞም” ንጸሊ እንክብሉ ተላብዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ቈልዑ ዝርከብዎም ልዕሊ 70 ዝኾኑ ግዳያትን ከምኡ እውን ብዙሓት ዝቘሰሉን ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ይእለዩ ከምዘለዉን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ብዙሓት ቘልዑ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞምን እዚ ዘጋጠመ ብርቱዕ ሓደጋ ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ዘኪሮም፡ “ህዝቢ ሃይቲ ብርቱዕን መሪርን ሓዘን የሕልፍ ኣሎ። ምስ ተቐማጦን ኣባይቲ ስድራ እቶም ግዳያትን መቝሰልቲ ምስ ዝወረዶም ቀረባ ምዃነይ እረጋግጽ። ኣብ ጸሎተይ ህልዋን እያቶም” ቢሎም ኵሎም ምእመናን ምእንቲ እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ክትጽልዩ ሓደራ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ በቲ ዕለት 13 ታሕሳስ ምሸት ኣብ ከፕ ሃይቲ ብዘጋጠመ ባርዕ ሐደጋ ሓዊ መጓዓዝያ ነዳዲ ዓባይ ማኪና ብውሑድ 69 ሰባት ከም ዝሞቱ ምኽትል ከንቲባ እታ ከተማ ፓትሪክ ኣልሞኖር ኣረጋጊጾም፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ዝቘሰሉ እውን ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ እተፈላለየ ኣባይቲ ሕክምና ከም ዝርከቡን ኣባይቲ ሕክምና ብሕጽረት መሳለጢያ ሕክምና ዝተጠቕዓ ብምዃነ እዚ ድርብ ስቓይ እዩ ቢሎም በቲ ዘጋጠመ ሓደራ ባርዕ ሓዊ ኣስታት ሓምሳ ኣባይቲ ከም ዝዓነወ ኣፍሊጦም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ቍጽሪ ክብ ክብል ከም ዝኽእልን ክንገር እንከሎ፥ መራሔ መንግስቲ ሃይቲ ኣሪየል ሄንርይ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምኽንያት ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሃገራዊ ሓዘን ከም ዝኣወጁ ገሊጹ፡ ኣብ ዝሓልፈ ዕስራ ዓመት ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ባህርያዊ ሓደጋታት ንለብዕ ኮሮናን ብፍላይ ከኣ ኣብ 2010 ዓ.ም. ዘጋጠመ ቅልውላው ልዕሊ 200 ሺሕ ዜጋታት እታ ሃገር ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም የዘኻኽር።