ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ስደት በስገዳድ ሰብኣውነት ዘሕስር ተግባር እዩ!

ብዛዕባ እቶም ግዳያት ውግእ ዝኾኑ ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ክስደዱ ዘይክእሉ ብዝሓት ሰባት ከም ዘለዉ ንዘክር። ብዙሓት ናጻ ናይ ምዃን መገዲ ዝጀመሩን ብዙሓት ከኣ ኣብ ጉዕዞ ስደት ብእግርን ብባሕርን ዝጠፍኡ ንሕሰብ

“ስደት ናብ ምስሪ - ኢየሱስ ማርያም ዮሴፍ” ሎሚ እቲ ብብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብውግእን ጥሜትን ተደሪኾም መሬቶም ሓዲጐም ኣብ ዝስደዱ ዝድገም ዘሎ ተመክሮ ምዃኑ ዕለት 29 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝለገስዎ ናይ 2021 ዓ.ም. ናይ መወዳእታ መበል 43 ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ። ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይታ ቅድስቲ ስድራ ቤት ኣቦ ዝኾነ ኣብ ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ስደት ከነስተንትን ዓዲሞም፡ ነቲ ሎሚ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻመታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ታሪኹ ብምምልካት ኣብ ህላወ ዘጓንፈና ጸገማት እናገጠምና ክነሱ ኣብነቱ ክንስዕብ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ቅድስነቶም ናይ ዕለት 29 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ማእከል እቲ ብጻይ ማርያም ዝዀነ ቅዱስ ዮሴፍ ስደተይና ኣሳዶ ዘጋጠሞ ነዚ ኵሉ ብትብዓት ዝበድሀ ናይዚ ቅዱስ እዚ ተክለ ሰብነት ገይሮም ቅድሚ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ካብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 2 ካብ 13-23፥ ምስ ተነተነበ ብፍላይ

መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡ ሄሮዶስ ነቲ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ አሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ምስሪ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኡ ጽናሕ፡ በሎ።

ኣብ ዝብል ቃል ኣተኵይሮም።

ስደት ዮሴፍ ናብ ምስሪ ምስ ማርያም

ዮሴፍ ንማርያም ኢየሱስን ሒዙ ናብ ምስሪ ከም እተሰደን እቲ ናይታ ቅድስቲ ስድራ ቤት ተመክሮ ስደት እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ዘሎ ናይ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኵነት ዘርእይ እዩ፥

እታ ናዝራዊት ስድራ ቤት ውርደት ዘጋጠማን ካብ ሃገርካ ምውጻእ ዘስዕቦ ስግኣትን ፍርሕን ስቓይን ምክርትን እውን እያ። ሎሚ እውን ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተመሳሳሊ ዘይፍትሓውንትን መከራን ኪወርዶምን ኪስደዱ ይግደዱ ኣለዉ። ጠንቂ እዚ ነገር እዚ ዳርጋ ኵሉ ሳዕ ትዕቢትን ዓመጻን እቶም ሓያላት እዩ። ንኢየሱስ ዘጋጠሞ ኵነት እዩ።

ሄሮድስ ምልክት ጨንቈንቲ ትማልን ሎምን!

ሄሮድስ ብዛዕባ ውልደት ኢየሱስ ምስ ሰምዐ ንሓይሉን ስልጣኑን ኣብ ሓደጋ ከምዘእተዎ ምስ ተነግሮ ሰንበደ። ስለዚ ኬጥፍኦ እኳ እንተጸዓረ ክረኽቦ ግና ኣይከኣለን፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤተ ልሄም ዝተወልዱ ትሕት ክልተ ዓመት ዝኾነ ሕጻናት ክቕተሉ ገበረ። እዚ ታሪኽ እዚ ፈሮዖን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ዝፈጸሞን እቲ ናብ ምስሪ ምህዳም ከኣ ካብ ኣብርሃም ክሳብ ሙሴ ዘሎ ታሪኽ ህዝቢ እስራኤል ብፍሉይ ዘዘኻኽር እዩ። እዚ ታሪኽ ስደት ናብ ምስሪ በቲ ሓደ ሸነኽ ትብዓት ዮሴፍ ብቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ጭካነ ሄሮድስ ነንብብ።

ሄሮድስ ምልክት ናይ ትማልን ናይ ሎምን ጨንቈንቲ እዩ። ነቶም ጨቈንቲ ኣብ ስልጣኖም ንዝምክሑ እንተደልዮም ህዝቢ ከጥፍኡ ንዝኽእሉ ኣገዳሲ ተክለ ሰብነት እዩ። ሎሚ እውን ዘጋጥም ዘሎ ኵነት እዩ። ዝተገብረ ክንሓስብ ኣየድልየናን ሎሚ ኣብ እዋንና እንርእዮ ዘሎና ታሪኽ ስለ ዝኾነ፥ ሰብ ንሰብ ተዅላ ዝዀነሉ ኵነት! ከም ሄሮድስ ስልጣን ምስ ሓዝካ ክፍጸም ዝከኣል ታሪኽ ጥራሕ ገይርና ክንሓስቦ የብልናን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ብቓላት ድዩ ብዝተፈላለየ ተግባራትና ካልኦት ንኽንሃስይ ምስ እንፍትን እንነብሮ ታሪኽ እዩ። ንሕና እውን ነኣሽቱ ሄሮድስ ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ኣብ ልባቶም ዘሎዎም ኢና!

ትብዓት ዮሴፍ

ዮሴፍ በቲ መልኣኽ ኣቢሉ እግዚኣብሔር ንዝሃቦ ትእዛዝ ኣብ ምፍጻም ዘርኣዮ ትብዓት ዘመላኸቱ ቅዱስነቶም፥ እቲ ኣብ ጒዕዞኡ ካብ ሃገርካ ምውጻእ ዘስዕበሉ ጸገማት ኵሉ ክንግምቶ ዘጸግም ኣይኰነን። ደሓር ናብ መሬቱ ናዝሬት ተመሊሱ ምስ ማርያም ኢዮሱስን ንኽነብር እውን ትብዓት ዝሓትት መነባብሮ እውን እዩ ዝነበረ።

ሄሮድስን ዮሴፍን ክልተ ኣንጻር ገጸ ባርያት እያቶ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ክልተ ገጽ ደቂ ሰብ ዜንጸባርቕ እዩ። ትብዓት ከም ጅግንነት ጥራይ ገርካ ምርኣይ ጌጋ እዩ። ከም ሓቂ መዓልታዊ ናብራ ትብዓት ዝሓትት እዩ። ኵላትና መዓልታዊ ጸገማትና ብዘይ ትብዓት ዝስገር ከምዘይኮነ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ኵሉ እዋንን ባህልታትን ብዙሕ ዓይነት ጸገማ ዘይፍትሓውነትን ኵነኔን ሞትን ዝተጻወሩን ዝጻወሩን ሰባት ንረክብ።

ትብዓትን ጽንዓት ዝተተሓሓዘ እዩ። ሓደ ከም ፍትሕን ብልሓትን ጠባይ መሰረታውያን ባህርያት እያቶም። እቲ ሄሮድሳዊ ዝኾነ ኣባና ዘሎ ክፉእ ባህርያት ኣብ ምንበር ዘይኮነ እቲ ትብዓት ከምቲ ዮሴፍ ንሓልዮት ኣምላኽ ገዛእ ርእሱ ሕድሪ ኣብ ምሃብ ዘርኣዮ ትብዓት ንምንባር ኢና እተጸዋዕና።

ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ዝስደዱን ዚስጐጉን ምጽላይ

ኵሉ ምእንቲ እዞም ሎሚ ዝስደዱን ዝስጐጉን ከምኡ እውንም እንቲ እቶም ግዳያት ሕማቕ ኩነታትን ዝኾኑ ሰባት ክጽሊ፥

ብዛዕባ እቶም ግዳያት ውግእ ዝኾኑ ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ክስደዱ ዘይክእሉ ብዝሓት ሰባት ከም ዘለዉ ንዘክር። ብዙሓት ናጻ ናይ ምዃን መገዲ ዝጀመሩን ብዙሓት ከኣ ኣብ ጉዕዞ ስደት ብእግርን ብባሕርን ዝጠፍኡ ንሕሰብ። ኢየሱስ ኣብ ሕቕፎ ማርያምን ዮሴፍን ኰይኑ ክስደድ እንከሎ ነስተውዕል። እዚ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአይ ዘሎ ናይ ብዙሓት ጒዕዞ እዩ። ኣብ ቅድሚ እዚ ኵነት እዚ ርኢና ከም ዘይረኣና ክክንሓልፍ ዘይከኣል እዩ። ርኢኻ ከም ዘይረኣኻ ምዃን እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአይ ዘሎ ማሕበራዊ ግብረ ብልሽውና እዩ! 

ቢሎም ቅዱስ ዮሴፍ ነቶም ብሰንኪ ውግእን ጽልኢ ጥሜት ዝሃድሙ ዕቝባ ክዀኖም፥

            ቅዱስ ዮሴፍ

            ናይቶም ናይ ዝስደዱ ስቓይ ምኵር ዝኾንካ

            ናይቶም ፍቑራትካ ሕይወት ንምድሓን ምኵር ስደት ዝኾንካ

            ንዅሎም እቶም ብሰንኪ ውግእን ጽልእን ጥሜትን ዝስደዱ ኣማዕቝብ

            ኣብ ጸገማቶም ደግፎም ብተስፋ ኣበርትዓዮም ሓንጐፋይ ዝብል እንገዳን ሓልዮትን ክርኽቡ መታን

            ስጒምቶም ብምምራሕ ንልቢ እቶም ኪሕግዝዎም ዝኽእሉ ክፈት፡ ኣሜን!

ብዝብል ጸሎት ዝለገስዎ ናይ 2021 ዓ.ም. ናይ መወዳእታ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረብዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 Dec 2021, 10:03