ር.ሊ.ጳ. ንማሕበር ካቶሊክ ተግባር፥ ኣገባብ ኢየሱስ ይሃልዅም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንናይ ኢጣሊያ ካቶሊካዊት ተግባር ማሕበር ኣባላት መንእሰያት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ከምቲ ኢየሱስ ንፍሉይንትና ዝቕበል ነፍሲ ወከፍኵም ንፍሉይነትኵም እተኽብሩ ኩን እንክብሉ ከም ዝመዓዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ንዅሎም እቶም ኣብቲ ርክብ ንዝተሳተፉ መንእሰያት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ነቶም መንእሰያት ኣባላት ካቶሊካዊ ተግባር ማሕበር “ሃይማኖታዊ ህንጸትኵም ግዜዅም ዓቕምዅምን ነቲ ማሕበር ብልግስን ብተወፋይነት እትልግሱ ኵኑ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ካቶሊካዊ ተግባር
ካቶሊካዊ ተግባር ብናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰረተ እምነትን ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ተደሪኹ ንክርስቲያናዊ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዝድግፍን ዝጣበቕን ማሕበር እዩ። እዚ ማሕበር እዚ ካህናትን ምእመናን ገዳማውያንን ገዳማውያንትን ዝሓቁፍ ኮይኑ ነዚ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ንምጥባቕ በዚ መንፈስ እዚ ተነቓቒሖም ካልኦት ምሕጋዝ ዝብል ዕላማ ዘለዎ እዩ።
ከም ምዃንካ - ዓቕምኻ ንዓኻ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ማሕበር ካቶሊካዊ ተግባር ናይ ለምዘበን ጒዕዞኡ “ንዓኻ ከም ዓቐንካ” ብዝብል ምርሕ ቃል ዝስነይ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ነፍሲ ወከፍና ፍሉያት ምዃንና ዘመላኽት መርሕ ቃል እዩ፡ “ባህ ዝብል” መርሕ ቃል። “ነፍሲ ወከፍና ነቲ ማዕረናን ዕቅናን ዝኾነ ልብሲ ክንለብስ እዩ ዘሎና . . . ነፍሲ ወከፍና ፍልይ ዝበለ ዘይድገም ጽባቔ ኢና” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኢየሱስ ከም ፍሉይነትና እዩ ዝጥምተና
“ኢየሱስ ከም ምዃንካ እዩ ዝጥምተካን ዘፍቅረካን፡ ዋል እውን ገሊኦም ዘይሓስቡኻን ግምት ዘይህቡኻን ይኹን ኣብ ቅድሚ የዒንቲ ኢየሱስ ኣብ ፍሉይነትና ኢና እንጥመትን እንፍቀርን። . . . እዚ ኣገባብ እግዚኣብሔር እዩ፡ እዚ እውን “ቀረባውነትን ርህራሄን ለውሃትን” ብዝብላ ቃልት እዩ ዝትርጐም።
ኣገባብ ኢየሱስ ምስዓብ
ፍቑራት ኣዕሩኽ፥ “ኣብ ቅድሚ እቲ ገዛእ ርእሱ ጐረቤትና ዝገብረ ኢየሱስ ንሕናው እውን ንኻልኦት ቀረባ ብምዃን ክንነብር ዝድርኽ እዩ፡ ካልኦት ቅድም ገለ ነገር ኪገብርሉና ከይተጸበና ወትሩ ንኽልኦት ክንክኸናኸን ካብቲ ኢየሱስ ንዓና ዘለዎ ምክንኻን እነስተውዕሎ ተግባር እዩ። ወትሩ ልኡካነ ወንጌል ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና እዚ ኸኣ ኣብ ኵሉ ስፍራ . . . ከከም ጸዋዕታና። ነዚ ንምግባር ኣገባብ ኢየሱስ ክንስዕብ እዩ ዘሎና . . . እዚ ከፍርሃና የብሉን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኢየሱስ ፈጺሙ ኣይርስዓናን እዩ
ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ “ኢየሱስ ፈጺሙ ኣይርስዓናን እዩ። ኵሉ ሳዕ ከተባብዓና ድልው እዩ። ኣባኻቱትኵም ካብ ምእማን እውን ኣይቦክርን። ወትሩ ትብዓትን ጒልበትን ይህበና። ብፍላይ ነቶም ዝተጠንጠኑን ዝተሓረጉን ቀረባ ክንከውን እንከለና ኢየሱስ ኣባኻ እምነት የሕድር” እክብሉ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩም