ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንኢጣሊያ ማሕበር ካቶሊካውያን ፈራዶ፥ ናይቶም ዝተነጸሉ መሰላትን ክብርን ተኸላኸሉ ር.ሊ.ጳ. ንኢጣሊያ ማሕበር ካቶሊካውያን ፈራዶ፥ ናይቶም ዝተነጸሉ መሰላትን ክብርን ተኸላኸሉ 

ር.ሊ.ጳ. ንኢጣሊያ ማሕበር ካቶሊካውያን ፈራዶ፥ ናይቶም ዝተነጸሉ መሰላትን ክብርን ተኸላኸሉ

ኣባላት ማሕበር ካቶሊካውያን ደያኑ ከም ምዃንኵም መጠን ክእለትኩምን ፍልጠትኵምን ሓላፍነትኵምን ንኺደት ምሕደራን ሕንጸጻን ሕጊ ኣብ ምቕያር ኣበርክቶ ክህልዎ ሓደራ። ምኽይቱ እቶም ድሕሪት ዝሕደጉን ዝርስዑን ገዛእ ርእሶም ኣብ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎምን እውን ከይተረፉ ኵሎም እቶም ድዅማት ክኽበሩን በእጋሮም ረጊጾም ደው ክብሉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ መበል 70 ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካውያን ደያኑ ሕብረት ተጋባእያን ዕለት 10 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ተቐቢሎም “ናይ ሰራሕተይናታትን ሕሙማንን ዘይተወልዱ ሕጻናትን ከምኡ እውን ነቶም ኣብ ጻዕረ ሞት ዝርከቡን መሰል ሓለፋ ዘይኮነስ ካብ ሰብኣዊ ክብረት ዚምንጭው እዩ ነዚ መሰላቶም እዚ ኣውጁ” ቢሎም ነቶም ኣብ ገጠራት ብዘይ ማሕበራዊ ዕቝባ ኣብ ልዕሊ ሸቓሎ ዝፍጸም ግብረ ምዝመዛ ከምዝኾነኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ክብሪ ዘለዎ ህይወት ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ክንክን ናይ ምርካብ መሰል” ምኽሓድ ንሰብኣዊ ክብረት ምኽሓድ ማለት እዩ! ስለዚ ካቶሊካውያን ፈራዶ ንመሰላት እቶም ድዅማት ከረጋግጹን ክሕልዉን ክጣበቑን እንከለዉ “ብስም ድኽነቶም ሓለፋ ኪግበረሎም ንምሕታት ዘይኮነስ የግዳስ “ካብ ኣፍልጦ ንሰብኣዊ ክብሪ ዝምንጨው “መሰላት እዮም ዝሓትቱን ዝእውጁን። ነዚ ዝበሉ ቅዱስነቶም ነቶም ኣባላት ማሕበር ካቶሊካውያን ደያኑ ኣብ ጳጳሳዊ ኣጐስቲኒያኑም መንበረ ጥበብን ኣብ ሉምሳ መንበረ ጥበብን ተኸፋፊሎም ምፍንታት ዝብል ኣብዚ እዋን ለብዒ እዚ ዘሎ መስርሕ መሰረት ኣብቲ መበል 70 ናይቲ ማሕበር ዋዕላ ንዝሳተፉ ዘለዎ 300 ኣባላት ሕብረት ካቲሊካውያን ደያኑ ኢጣሊያ ኣብ ጽርሓ ጳውሎስ ሻድሻይ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፥

ኣብ ለስቮስ - ንሰባት ንሰብኣዊ መሰላትን ክብርን ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገር

ቅዱስነቶም ነቲ ዘስምዕዎ ቃል ልቦምን የዕንቶምን ናብቶም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቆጵሮስን ግሪኽን ኣብ ዘካየድዎ መበል 35 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ዝተራኽብዎም ድኻታትን ስደተይናታትን ገይሮም “ንሰባትን ንሰብኣዊ መሰላትን ብፍላይ ከኣ ኣብታ ኣብ ዓለም ዘየደንፍዕን ዘይነቓቕሕን ሃገር ወትሩ ክሕሎ ከም ዘለዎ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ቅድሚ ኵሉ ክቐርብ ከም ዘለዎ ኣዘኻኺሮም። እቲ ዘሕዝን ግን “ካብ ከምዚ ዝበለ ኣኽብሮት ክሳዕ ክንደይ ርሒቕና ምህላውና እዩ!” ከመይሲ “ህስያ ዓመጽ ሸለልትነት ዘይምግዳስ ነቲ ብናይ ምብኻን ባህሊ ክብእስ ካብ ምግባር ሓሊፉ ዋላ ሓንቲ ኣይዓብስን -  እቲ ዕቝባ ዘይርከብ ወትሩ እዩ ዝጒሰ . . . ዝንጸል . . . ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝሕደግ።”

ኣባላት ማሕበር ካቶሊካውያን ደያኑ ከም ምዃንኵም መጠን ክእለትኩምን ፍልጠትኵምን ሓላፍነትኵምን ንኺደት ምሕደራን ሕንጸጻን ሕጊ ኣብ ምቕያር ኣበርክቶ ክህልዎ ሓደራ። ምኽይቱ እቶም ድሕሪት ዝሕደጉን ዝርስዑን ገዛእ ርእሶም ኣብ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎምን እውን ከይተረፉ ኵሎም እቶም ድዅማት ክኽበሩን በእጋሮም ረጊጾም ደው ክብሉ ከም ኵሉ በዓል መሰልን ክብርን እያቶም፡ እዚ እምነትና ዘዘኻኽር እምበር ናይ ሓደ ሓላፊ ዝኾነ ግብረ ገብ ክፋል ኣይኰነን!

ንመሰላት ዝጠመዩን ድምጺ ዘይብሎም ምጥባቕ!

ቅዱስነቶም ነቲ ነቢይ ኢሳያስ ብዛዕባ እቲ “መሰል ሓቂ ዝእውጅ” ክርስቶስ “ቅኑዕን ፍትሕን ኣብ ልቡ” ዘለዎ ከምኡ እውን ኣብ ተልእኾኡ “ነቶም ድኻታትን ዝተናዕቁን ከሕውዮምን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክእውጀሎም ብኵለንተናኣኡ ንኣኣቶም መሰለ!”

ሎሚ ካብ ቀደም ኣብዚ ግዜና እዚ ናይ ካቶሊካውን ደያኑንን ጠበቓታትት  ናይ ሕጊ ምሁራትን ኣብ ውሽጢ እቲ በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልይ ከም ዘሎ ኣምሲሉ ዘቕርብ ግን ከኣ ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ብሜላ ዘውግድ ቍጠባውን ማሕበራውን ስርዓት ክቃወሙን ንመሰላት እቶም ዝደኸሙን ዝተነጸሉን ከረጋግጹን ክዕቍቡን ይጽውዑ!

መሰላት ሰራሕተይናታት ስደተይናታት ሕሙማን ዘይተወልዱ ሕጻናት ኣብ ጻዕረ ሞት ናይ ዝርከቡን ከምኡ እውን ድኻታት ኣብዚ ጓሓፋይ ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ባህሊ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ዕሽሽ ይበሃልን ይኸሓድን ኣሎ። እቶም ናይ ገንዘብ ዓቕሚ ዘይብሎም ክሽምቱ ዘይክእሉ ዋጋ ዘይብሎም እዮም ዚመስሉን ዝሕሰቡን። እንተ ዀነ ግን እዚ ዅሉ መሰረታዊ መሰላት ምኽሓድ ክቡር ህይወት ናይ ምርካብ ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ክንክን  ናይ ምርካብ መሰሎም ምኽሓድ ቅኑዕ ደሞዝ ናይ ምርካብ ሰብኣዊ ክብረት ምኽሓድ ማለት እዩ!

ነዚ ንርእዮ ኣሎና ክንደይ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ሕርሻ ቦታታት ዝዓዩ ምህርቲ ንምሕፋስ መጋበርያ ዝኾኑ . . . ደሓር ብዘይ ማሕበራዊ ዑቕባ ምስቲ ረሃጾም ዘይመዓራረ ገንዘብ ተኸፊሎም ዝስጐጒ!

ሰብኣዊ ክብሪ ናይ መንግስቲ ሕድገት ኣይኰነ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ከም ዝገለጽዎ ብሓቂ ሰብ ከም እንኸውን ዝገብረና ነገር “ብመሰረታዊ መገዲ ኣፍልጦ ምሃብን ንዝደኸሙ ምዕቋብን ብጭቡጥ መረጋገጺ ምሃብን” ኢዩ። እንተዘይኰኑ ግን “ብሕጊ እቶም ሓያላን ንዕብለልን ግብረ ጭቆና ናጻን ፍቑድን” እዩ ዝኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ “ንመሰላት እቶም ዝደኸሙ ሰባት ኣፍልጦ ምሃብ ናይ መንግስቲ ሕድገት” ስለ ዘይኮነ እቶም ናይ ካቶሊካውያን ደያኑ ከኣ “ኣብ ክንዲ ድኻታት ሓለፋ ኣይኮኑ ዝሓቱ” የግዳስ “ነቲ ካብ ኣፍልጦ ሰብኣዊ ክብረት ዝርከብ መሰላት” ብጽኑዕ ዝእውጁ እያቶም።

ተታማንዚ፥ መሰላት ድዅምናት ድዅም መሰላት ኣይኮነን!

ከም ኣማኻሪ ሕግን ጠበቓን ወይ ዳይናን መጠን ዝዀነ ይዅን ናይ ካቶሊካዊ ዳይና ግደ፥ “መሰላት ብምርግጋጽ ንሰብኣዊ ክብረት ድኹማት ንምሕላው ኣበርክቶ ዚገብር እዩ” ስለዚ “ሰብኣዊ ሕውነት ንምርግጋጽ ኣበርክቶ ዚገብር ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እተቐርጸ ምስሊ ኣምላኽ ከይጽየቕ ኣበርክቶ ዝገብር እዩ፥

ነፍሰ ሄር ካርዲናል ዲዮኒጂ ተታማንዚ “መሰላት ድዅማት ድዅም መሰላት ኣይኮነን” ብምባል ነዛ ቃል እዚኣ ኣውን ብምስትምቓር ሓቅነታ ካብ ምድግጋም ቦኺሮም ኣይፈልጡን፡ ዝያዳ ሰብኣውን ቅኑዕን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ኣብ ምሕናጽ ብምትሕብባር ብጽንዓት መሰላቶም ምርግጋጽን ብጥበብ ምዕቛብን ዝብል ሓላፍነት ኣባኻትኵም እዩ ዚምርኰስ!

እንክብሉ ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ ቃል ከምዝዛዘሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ኣብ ዘቕረብዎ ናይ መወዳእታ ሰላምታ፥ ንህርኵት ጻዕሪ ካቶሊካውያን ደያኑ እታ ዝተበዓለት ጽን በሃሊትን ሰማዒትን  ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎሬቶን ቅንዕናን ፍትሓዊ ቅዱስ ዮሴፍ ከምኡ እውን ምስክርነት ብጹዕ ሮዛርዮ ሊቫቲኖ ደገፍ ይዅኖ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።ሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ንኢጣሊያ ማሕበር ካቶሊካውያን ፈራዶ፥ ናይቶም ዝተነጸሉ መሰላትን ክብርን ተኸላኸሉ
12 Dec 2021, 17:14