ር.ሊ.ጳ.፥ ንማሕበረሰብ ጽርሓ ጽዮን “ጸበባና ከፍርሃና የብሉን!”
ዕለት 8 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ “ቤት” ሕያዋይ ሳምራዊ ማሕበርሰብ ሮሜ ምብጻሕ ከምዘካየዱን - ነቶም ኣካላውን መንፈሳውን ስቓይ ዝነብሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እናናደዩ ሓንጐፋይ ቢሎም ዝቕበሉ ወለንተይናታትን በቲ ማሕበረሰብ ዝድገፉን ቃለ ምስክርነት ሰሚዖምን ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን ኣብቲ ናይቲ ማሕበረሰብ ቤተ ጸሎት ብዝተፈጸመ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት እውን ንቕዱስ ዮሴፍ እተወፈየ ዓመት ብወግዒ ከምዝኣጸዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 8 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ንቕዱስ ዮሴፍ እተወፍየ ዓመት ኣብቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕበረሰብ ጽርሓ ጽዮን ብግሊ ምብጻሕ ኣካይዶም በቶም ናይቲ ማሕበረሰብ ኣባላትን ወለንተይናታትን ካህናትን ድሙቕ ኣቀባብላ ከም እተገበረሎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ናይቲ ማሕበረሰብ ኣባላት ንቕዱስነቶም ብጸሎት መቑጸርያን መዛሙርን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ክጽበይዎም ዝጸንሐ ምብጻሕ ክውን ኮይኑ ክርእዮ ዓቢይ ሓጐስ ከም ዝፈጠረሎም እውን ኣፍሊጡ።
እንቋዕ ብደሓን መጻእኵም!
ኣባላት ማሕበረሰብ ጽርሓ ጽዮን፡ መንፈስ ቅዱስ ዘማእከሉ መዛሙር እናዘመሩ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ቡዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንፈሳዊ ጉዳይ ሓላፊ ኣባ ልዊጂ ኤፒኮኮ ንዝተሰነዩ ንቕዱስነቶም ከምእተቐበልዎምን ቅዱስነቶም ምስ ኵሎም ሰላምታ ተለዋዊጦም ምስ ኣብቅዑ፥
ሓደ ሕጊ ጥራሕ ንሱ ኸኣ ፍቕሪ!
በኽልተ ቈልዑ ደቂ ናይቲ ማሕበር መእለዪ መንእሰያት ቤት - ሕያዋይ ሳምራዊ ሓለፍቲ ሰብ ሓደር ኣንድረያ ጆርጀቲን በዓልቲ ቤቶም ኣንቶኒያ ጆርጀቲን ብስም ኵሎም ቀሪቦም እንቋዕ ደሓን መጻእኹም እንክብሉ ከም ተቐበልዎምን ናይቲ ዕለት 16 ሓምለ 1983 ዓ.ም. ናይ ዝተመስረተ ሎሚ ኣብ 20 ሃገራት ኣብ ጸገም ዝርከቡ መንእሰያት መእለዪን ድጋፍን ዝረኽብሉ ኣባይቲ ንምቛም ዝበቕዐ ማሕበረሰብ ዝምርሓሉ ሕጊ “ፍቕሪ” ክኸውን ኣብቲ እዋን ዝወሰና እናቴ ኤልቪራ ፐትሮዚ ከምዝኾና ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፡ ናይቲ ማሕበረሰብ ዕላማ ነቶም ብሰንኪ ኣካላውን መንፈሳውን ጸገማት ብፍላይ ብሰንኪ ብዝተፈላለየ ገበናት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፉን ዝርከቡን ብናይ ዕጸ ፋርስን ኣልኮላዊ መስተን ወልፊ ንሓደጋ ዝተቓልዑን ዝተገሉን ሰባት ብምቕባልን ብምንዳይን ካብቲ ዝወደቕሉ መጻወድያ ንኽላቐቑ ኵለንተናዊ ሓገዝ ምቕራብ ዝብል ከምዝኾነን ናይ ማሕበረሰብ ጽርሓ ጽዮም ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዝሕብሮ ኮይኑ እዚ ኸኣ፥ “ነቶም በዕጸ ፋርስን ኣልኮላዊ መስተን ንኸቢድ ሓደጋ ዝተቓልዑ ክነብሩ እናደለዩ ህይወት ጾር ኮይኑ ዝስምዖም ዝተገሉን ኣብ ተስፋ ምቑራጽ ዝወደቑን ገዓር ብምስማዕ ሓልዮትን ለውሃትን እግዚኣብሔር ምምስካር” ብዝብል ሓሳብ የነጽሮ።
በቲ ማሕበር ዝተሓገዙ ብተራኦም ኣብ ኣገልግሎት ብጾቶም
ንኣብነት እቲ ቀደም ውሉፍ ዕጸ ፋርስ ዝነበረ ኣብዚ እዋን እዚ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቈልዑን ንምዃን ዝበቕዐ ማርኮ ዝስሙ፥ “ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ተንበርኪኸ ይቕረ ከም እተባህለለይን ከም እተፈቐርኵም ኮይኑ ዝተሰምዓኒ ኣብዚ ቤት እዚ ዕጸ ፋርስ ዘይኮነ ምስ ሓላዊ መልኣኽ ዝተራኸብኵን፡ ሰባት ኵሉ ሳዕ ከመይ ኣለኻ? ቢሎም ቅድሚ ምሕታቶም ዝርሕቖም ዝነበርኵ ሎሚ ካብቲ ዝወደቕኵሉ መጻወዲያ ሓራ ወጺአ ብተራይ “ከመይ ኣለኻ ከመይ ኣለኺ ቢለ ዝሓትት ንምዃን በቒዔ ካብ ተሓጋዚ ናብ ሓጋዚ ተሰጋጊረ፡ ሎሚ ኣብቲ ማሕበር ወለንተይና ኮይነ ድማ ኣገልግል ኣለኹ” እንክብል ኣብ ዘስመዕ ቃል ምስክርነት ከምዝገለጸን፡ እቲ ብዙሓት ናይቲ ማሕበርሰብ ኣባላት ዝኾኑ ካብ ተሓጋዚ ሓጋዚ ናብ ምዃን እተሰጋገሩ ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ስቓይ ዘሕለፉ ክሳብ እቲ ገዛእ ርእስኻ ምሕላፍ ዝብል ዝለዓለ መምዘኒ ፍቕሪ መርሕ ህይወቶም ዝገበሩ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ተክለ ሰብነት ቅዱስ ዮሴፍ ዘተኮረ ምርኢት
እቲ ማሕበር ዘሳልጦ ዝነበረ መደብ ህንጸት ናይ ስነ ሙዚቃን ሙያውን ካልኦት መደባት ህንጸት እውን እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይኮነ ብኽፋል ከም ዝተሰናኸለን፡ ሓደ ካብኡ እቲ ኣብ ተክለ ሰብነት ቅዱስ ዮሴፍ ዘተኮረ ተደሪሱን ዝቕረጽ ፊልም ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ ከምቲ ዝተደልዮ እኳ እንተ ዘይኮነ ተጠናቒቝን ቀዳማይ ምርኢት ንቕዱስነቶም ከምዝቐረበን እቲ ናይቲ ፊልም ኣርእስቲ እውን “ዮሴፍ ኣይትፍራህ” ዝብል ኮይኑ ኣብቲ ፊልም እውን እቲ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ዝለገስዎ “ልቢ ኣቦ” ዘርእቱ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዝጠቐስዎ ጽላሎት ኣቦን ዘርእስት መጽሓፍ ዘሳዄዐ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መተባብዒ ቃል ቅዱስነቶም
ቅዱስነቶም ነቲ ብዛዕባ ዝሓለፈ ጽንኵር ታሪኽን ዳግም ምውላድን ምትሕብባርን ትብዓትን ድሕነት ዝገለጽ ዝሰምዕዎ ቃል ምስክርነት፥ ንማሕበረሰብ ጽርሓ ጽዮን ልዕሊ ኵሉ ጒዕዞ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ብምትብባዕ፥ “ብዛዕባ ክውንነት ጸባባና ኵሉ ኣይትፍርሁ፡ ኢየሱስ ሓቀይናን ክውን ህይወት እምበር ዝተጨምበለ ኣይኮነን ዝፈቱ፡ ነፍሶምን ልቦምን ዘጨምበሉ ኣይኮነን ዝደሊ” ቢሎም “ኣብቲ ከምቲ ዘሕለፍክምዎ ሎሚ ታሪኽ ኮይኑ ዘዘንቶዅሞ ህይወት ነቶም ሎሚ ህይወቶም ኮይንዎ ንዘለዉ መንእሰት እትሕግዙ ዅኑ፡ ወትሩ ኣብ ምፍቃር ትብዓት ይህልወኵም፡” ነቶም ኣብቲ ማሕበረሰብ ሎሚ ዘገልግሉ ዘለዉ መንእሰያት “ቅድም እቲ ንጥፍኣት እትጥቀምሉ ዝነበረ ሓይልዅም ተፈዊሱ ሎሚ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዳግም ኣለሊዅም ወትሩ ነዚ ፍቕሪ እዚ እናስተማቐርኵም ንህይወትን ንሰናይን ተውዕልዎ ኣለዅም” እንክብሉ ከም ዘተባብዕዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ መዕጸዊ ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ዝቐረበ ጸሎት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናይቲ ማሕበር ቤተ ጸሎት ባሪኾም ምስ ኵሎም ብሓባር ጸልዮም ኣብ መወዳእታ እታ ቅዱስነቶም ኣብቲ ልቢ ኣቦ ዘርእቱ ብምኽንያት ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዘስፈርዎ ጸሎት በማላድነት ቅዱስ ዮሴፍ፥
ሰላም ንዓኻ ኦ ሓላዊ መድሓንን ሕጹይ ቅድስት ድንግል ማርያምን፡ እግዚአብሔር እንኮ ወዱ ንዓኻ ሓደራ ሃበ ቅድስት ድንግል ማርያም እውን ኣባኻ ምሉእ ምትእምማን ኣሕደረት ምሳኻ ኢየሱስ ፍጹም ሰብ ኮነ። ኦ ቅዱስ ዮሴፍ ንዓና እውን ኣቦ ኩነና ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ምርሓና። ዘድልየና ጸጋን ምሕረትን ትብዓትን ኣማልደልና ካብ እከይ ዘበለ ከኣ ተኸላኸለልና ኣሜን።
ዝብል ጸሎት ብሓባር ምስ ተደግም ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፋንዮም ናብ መንበሮም ከም እተመልሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።