ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ፥ ሕንጸት ሃልሃልታ ተስፋን ኣገልግሎትን እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ እቲ መንበረ ጥበብ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ሓው ኣጐስቲኖ ጀመሊ ዘቖሞ ምዃኑ ብምዝኽኻር ንዅሎም ኣብቲ ዓውደ ጽምብል ንዝተረኽቡ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ እቲ መንበረ ጥበብ ዘቕርቦ ሕንጸት “ሃልሃልታ ተስፋን ኣግልግሎትን” እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ሚላኖ ዝርከብ ካቶሊካዊት መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ዕለት 20 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ - ርእየት መልእኽቲ፥ ዝተፈላለየ እዋናዊ ቅልውላው ንምስጋር “ሓድሽ ኣገባብ ትምህርቲ” የድሊ እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስቶም እቲ ኣብ ሚላኖ ዝርከብ ካቶሊካዊት መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ናይ 2021-2022 ዓ.ም. ናይ ትምህርቲ ዓመት ጅማሮ ምኽንያት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣደ መንበር ኡርሱላ ቮን ደር ለየን ኣብ ዝተረኽባሉን ከምኡ እውን ለምዘበን እቲ መንበረ ንጥበብ መበል 100 ዓመት ቅዋሜኡ ዝበዓለሉ ዓመት እውን ምዃኑ ግምት ብምሃብ ኣብቲ ጽምብል ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ - ርእየት መልእኽቲ ኣቢሎም ከምእተሳተፉን እቲ ጽምብል እውን ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ኣምብሮዚዮ ናይታ ከተማ ሜጥሮጶሊታ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ማሪኦ ደልፒኒ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተኸፍተ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብርሃን ሕንጸት

ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ እቲ መንበረ ጥበብ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ሓው ኣጐስቲኖ ጀመሊ ዘቖሞ ምዃኑ ብምዝኽኻር ንዅሎም ኣብቲ ዓውደ ጽምብል ንዝተረኽቡ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ እቲ መንበረ ጥበብ ዘቕርቦ ሕንጸት “ሃልሃልታ ተስፋን ኣግልግሎትን” እዩ። እዚ ናይቲ መንበረ ጥበብ መለለዪ ንሱ እዩ፥ ስለዚህ ትምህርቲ ምትሕልላፍን ጥርሑ ንዝኾነ ገረወይና ብኣምር ምምላእ ማለት ዘይኮነስ ሃልሃልታ ተስፋ ምድንፋዕን ንኣገልግሎት ስድው እዩ ዝገብር” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ርክባት ዝግለጽ ተስፋ

እቲ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ኣብ ኵልንትናውነት እተመርኮዘ ዘይንጽል ትምህርቲ ስለ ዝህብ “ተስፋ” የንጸባርቕ። “ትምህርቲ ልዕሊ ኵሉ ኣብ መንጎ መምሃራንን ተመሃሮን ደሓር ከኣ ኣብ መንጎ ተመሃሮን ዘሎ ርክብ እዚ ኸኣ ንኽውንነትን ንኻልኦትን ክፉት ዝኾነ ማሕበረሰብ ዘቕውም እዩ” ተመሃሮ “ካብቲ ዘሎ ጭቡጥ ክውንነት ተበጊሶም ንኽሓስቡን መደብ ንኸውጽኡን ስጒምቲ ንኽወስዱን” ዝድርኽ እዩ፥ ስለዚ መናብርተ ጥበብ ተህዋስ ውልቃውነት ዝቐትል ናይ ተስፋ ብርሃን ዘመላኽት ነገልግሎት ዘሰናድው ስፍራ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሓባራዊ ናይ ኣገልግሎት ጻዕሪ

ቅዱስነቶም ኣብ ዛዕባ ኣገልግሎት ኣተኵይሮም፥ እቲ መንበር ጥበብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሕብረተሰብን ኣብ ምግልጋል እሙን ምዃኑ ኣመስኪሩ ኣብዚ መዳይ እውን ይስጒም ኣሎ፡ ናይቲ መንበረ ጥበብ ሰራሕተይናታትን መምሃራንን ተመሃሮን ከከም ሓላፍነቶም ዝፍጽምዎ ዕዮ ነዚ መንፈስ ኣገልግሎት እዚ ከምኡ እውን ነቲ ተመሃሮ ብሓባር ንኽህነጹ ኣብ ዝገብርዎ መዓልታዊ ጻዕሪ ይምስከር። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ እቲ መንበረ ጥበብ ኣብዚ “ኣገልግሎት ዝብል ህርመት” እዚ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መለኰታዊ ጥበብ ነገልግሎት

ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ - ርእየት መልእኽቲ፥ እቲ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ንወንጌል እሙን ብምዃን ፍልዩ ካብ መለኰታዊ ጥበብ ዝውሕዝ ናይ ኣገልግሎት መንፈስ ሒዙ በዚ መንፈስ እዚ እናተመርሐ ንቕድሚት ክጓሓዝ ተላብዮም “ሓቅን ፍቕርን ኣምላኽ ክም ክምስክርን እቲ ሓቀይና ንጉስ ክርስቶስን ኣብ ምግልጋል ከም ዚንገስ ዝመሃሮ ሓድሽ ኣምር ንግስና ዝምስከረሉ ስፍራ ክኸውን ብትብዓት ኣብዚ መንፈስ እዚ ዚሓንጽ ይዅን እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

20 Dec 2021, 23:20