ዕለት 17 ታሕሳስ መዓልቲ ልደት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ዕለት 17 ታሕሳስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተወለድሉ ዕለት ብምዃኑ ካብ ምእመናንን ሰበኻታትን ካብ ናይ ሃገራት መራሕትን ናይ እንቋዕ ሓጐሰኵም መልእኽቲታት ይበጽሖም ከምዘሎን፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር እውን ናይ ምሉእ ኵለንትናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ኣብ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተይናታት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ማይክል ችዘርንይ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብባይርያቶምን ብፍላይ ከኣ በቲ ዘለዎም ልዑል ሲኖዳውነት ኣመለኻኽታ መላእ ቤተ ክርስቲያን የነቓቕሑ ኣለዉ ይብሉ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓርቢ ዕለት 17 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. መበል 85 ዓመት ዕድመኦም ይዝከር። ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 13 ታሕሳስ እውን መበል 52 ዓመት ክህነቶም ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ክፍለጥ እንከሎ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ጥራሕ ዘይኮኑ ብዙሓት ኣብ መዓልቲ ውልደቶም ሓቢሮም ነዛ ዕለት እዚኣ ከምዝዘከርዋን ካብ እተፈላለያ ሃገራትን ሰበኻታትን ድማ ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ ይበጽሖም ከምዘሎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ወዲ ማሕበሮም ኢየሱሳዊ ካህን ናይቲ ምሉእ ኵለንትና ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኵሪያ ሮማና ዛዕባ ዝስደተይናታት ጉዳይ ናይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ ብምኽንያት በዓለ ውልደት ቅዱስነቶም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ዕለተ ውልደቶም ንኵላዊት ቤተ ክርትያን ህያብ እዩ ኢሎም።
ዕለት 17 ታሕሳስ ክንሓስበላ ዝግብኣና ዕለት እያ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ቅድም ምሕራዮም ነቶም ቅድመኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳጳሳት ናብ ልሂቅነት ንኸሰጋግርዎም ዝሓተቱን ናብ ልሒቅነት ክሰጋገሩ ይደልዩ ከምዝነበሩ ከም ሰብ ንሶም እዚ መደብ እዚ እንተነበሮም ግና “መንፈስ ቅዱስ እተፈለየ ውሳኔ እዩ ገይሩ፡ ስለዚ እዛ ዕለት እዚኣ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እነስተንትነሉን ኣርዚናን እርእያን መዓልቲ እያ” ምስ በሉ “እግዚኣብሔር ነዊሕ ዓመት ክጽግወም ድማ ንጽሊ” ኢሎም።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ህያብ ንቤተ ክርስቲያንን
ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ባህርያት እንከስተንትኑ፥ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዘበገስዎ ሲኖዶስ ንመብዛሕትኡ እቲ ዘለዎም ሓልዮትን ሻቕሎትን ብፍላይ “ብዛዕባ ቤተ ክርስትያን ዘለዎም ዝበለጸ ተስፋ” እዮም ዝምስክሩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቤተ ክርስቲያን ዝተወሃቡ ህያብ እዮም፥ ሚዛናውን ህዱእን እንክብሉ ገሊጾም እዚ ኸኣ ካብቲ ብግሎም ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ዘካየድዎም ርክባት ዘስተውዓልዎ መለለዩ ቅዱስነቶም ምዃኑ ይሕብር።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓቢይ ጸገም ዘየጭንቖም ንእሽቶ ጸገም ከኣ ዕሽሽ ዘይብሉ እዮም። ከምዚ ዓይነት ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዚዩ ሓናጽን ንምርኻብ ኣጋጣሚ ንኽንረክብ ዘተባብዕ እዩ። እዚ ብሓቂ ሓጐስ እዩ ዝፈጥረልካ። ህድኣትን ብነገራት ከይተሰናበድካ ብጥልቂ ምምልካት እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ታሕሳስ 1936 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ቦኖስ ኣይረስ ተወልዱ። ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ እነሆ ሻምናይ ዓመቶም የቝጽሩ ኣለዉ።