ድለ

ር.ሊ.ጳ.  ናብ በርተጠለዎምስ ቀዳማዊ፥ ብሓባር ምዕያይ ይከኣል ጥራሕ ዘይኮነስ ትእዛዝ እዩ! ር.ሊ.ጳ. ናብ በርተጠለዎምስ ቀዳማዊ፥ ብሓባር ምዕያይ ይከኣል ጥራሕ ዘይኮነስ ትእዛዝ እዩ! 

ር.ሊ.ጳ. ናብ በርተጠለዎምስ ቀዳማዊ፥ ብሓባር ምዕያይ ይከኣል ጥራሕ ዘይኮነስ ትእዛዝ እዩ!

ልክዕ እዩ እቲ እንናፍቖ ምሉእ ሓድነት ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ዝበጽሓና ውህበት ኣምላኽ እዩ። ጐይታ ብጸሎት ውሽጣዊ ለውጢ ብምግባር ከምኡ እውን ይቕረ ብምድላይን ብምውፋይን ግልጺ ብምዃን ነዚ ውህበት እዚ ንኽንቅበሎ ድልዋት ንኽንከውን ይሓግዘና!

ምእንቲ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ኣብ እነቕርቦ ኣገልግሎት ከምዘሎና ሓድነት ከምኡ እውን ኣብ እምነት ሓድነት ክህልወና! ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ሕዳር ብምኽንያት በዓለ ቅዱስ እንድርያስ ሓዋርያ ናይ ቅስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላዊ ቅዱስ ናብ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶሶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱ ስበርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ። ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሓድነት ንምርኻብ ኣብ ዝግበር ጒዕዞ ጸሎትን ውሽጣዊ ለውጢ ምግባርን ይቕረታ ምውህሃብን ክህሉ ናብ እግዚኣብሔር እምሕጸን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ “እንምነዮ ምሉእ ሓድነት ውህበት ኢዩ” እዚ ድማ ጐይታ “ነዚ ውህበት እዚ ብጸሎት ውሽጣዊ ለውጢ ብምግባርን ይቕረታ ብምድላይን ንምቕራብን ግልጺ ብምዃን ንኽንቅበሎ” ክሕግዘና እዩ። ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ “ፍቝር ሓው ብኽርስቶስ” ንናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ብዝብል መጸውዕ ኣብ ዝሰመይሉ መልእኽቲ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እንድርያስ ሓዋርያው ሓላዊ ቅዱስ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ንቕዱስነቶም ወኪሎም ብዝተረኽቡ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኵርት ኮኽ ከምእተነበ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ፥ ኣብቲ ብብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ተመሪሑ ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ብራይን ፋረልን ምኽትል ዋና ጸሓፊ የኔታ ኣባ ኣንድረያ ፓልሜሪን ከምዝሓበሩን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 29 ሰነ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን ዕለት 30 ሕዳር ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እንድርያስ ሓዋርያ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበር ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መልእኽቲ ምልውዋጥን ብተወከልቲ ምርኻብ ዝጸንሐ ልሙድ ባህሊ ምዃኑ የዘኻኽር።

ማእስር ዕርክነትን እምነት ፍቕርን

እቲ መልእኽትን ከምኡ እውን ተወከልቲ ቫቲካን ኣብቲ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ እንድርያስ ሓዋርያዊ ምርኻብ ነቲ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብቲ ንቤተ ክርስቲያን ብሕድሪ እተወሃባ እምነትን ፍቕርን ዘሎ መንፈሳዊ ምቅርራብ ዝሕብር ትእምርቲ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣሕዋትና ዘሎና ዕርክነት ጥራሕ ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያን ሮማን ቤተ ክርስቲያን ቍስጥንጥንያን ዝነበረ ጥንታዊ ዓሚቝን ማእስር እምነትን ፍቕርን እውን ዘረጋገጽ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዘስመሩሉን እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካየድዎ ምብጻሕ ከምኡ እውን ነቲ “ብዛዕባ ሕጅን መጻእን ዓለም ዘለኦም ሻቕሎት” ዘካፈልሉ መንፈሳዊ መድረኽ ዘኪሮም ኣብ ርእሲ እዚ እውን ኣብ ከም “ንፍጥረት ምክንኻን ትምህርቲ መጻኢ ወለዶታት ኣብ መንጐ እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ልምድታት ዝግበር ዘተ ኣብ ዓለም ሰላም ውሑስ ክኸውን ዚግበር ናይ ሓባር ጻዕሪ” ዝኣመሰለ ወሳኒ ጒዳያት “ሓባራዊ ቃል ኪዳን ህርኵት ጻዕሪ” ከም ዝጠልብ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሓባራዊ መብጽዓታት ህርኵት ጻዕሪ ሓድነት ዘደልድልን ካብ እምነት ዝውለድን ኢዩ!

ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝገልጽዎ እቲ ከም ጓሶት ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብ ናይ ሓባር ህርኵት ጻዕሪ ቃል ኪዳን” ዘሎና ሓባራውነት ኣብቲ ከሃሌ ኵሉ ኣምላክ ኣብ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ኣብ ወዱ እንኰ ጐይታና ኢየሱስ ክርስትሶስን ኣብ ወሃቤ ህይወት ዝኾነ ነቲ ፍልልያት ከይሕኸኸ ዜሰማምዕ መንፈስ ቅዱስን ዘሎና ሓባራዊ እምነት “እተመስረተ” እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ገና መልሲ ዘይረኸቡ ሕቶታት እኳ እንተሎ ዘተ ትእዛዝ እዩ!

ቅዱስነቶም ኣብ መልእክቶም ኣብቲ ዝከኣል ጥራይ ዘይኮነስ ገና ክፉት ሕቶታት እኳ እንተሎ ብልክዕ ኣብቲ ንሓድነት ዝኣተመተ ናይ ዘተ ጐዳና ምዕያይ ክቕጽል ዘለዎ ተስፋ እንከመላኽቱ፥

ቲዮሎጊያውይን ስነ ኤቅለስያውን ዝምልከቱ ሕቶታት ከምዘለዉ ኣፍልጦ ብምሃብ እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ዘተ ዝከእለና ጥራይ ዘይኮነስ ኣገዳስን ትእዛዝን እዩ፡ ምእንቲ እዚ ብሓባር ምዕያን ይቐጽል።

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓድነት፥ ውህበትን ከምኡ እውን ጻማ ይቕረታንምሕታትን ይሃብን እዩ

ቅዱስነቶም እቲ ዝድለ ሓድነት በማላድነት እቶም ክልተ ኣሕዋት ቅዱስ ጴጥሮስን እንድሪያስን እግዚኣብሔር ክጽግው ተማሕጺኖም እዘን ክልተ ኣቢያተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ንኽሓብራ ኣብ ዝገብርኦ ናይ ሓባር ጉዕዞ ከሰንይወን ጸሎቶም ምዃኑ ብምዝኽኻር፥

ልክዕ እዩ እቲ እንናፍቖ ምሉእ ሓድነት ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ዝበጽሓና ውህበት ኣምላኽ እዩ። ጐይታ ብጸሎት ውሽጣዊ ለውጢ ብምግባር ከምኡ እውን ይቕረ ብምድላይን ብምውፋይን ግልጺ ብምዃን ነዚ ውህበት እዚ ንኽንቅበሎ ድልዋት ንኽንከውን ጐይታ ይሓግዘና!

እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

 

02 December 2021, 08:48