ፍራንቸስኮ፥ ስነ ጥበብ ፈታውን ጸላእን ዘይብሉ ሕውነት ይፈጥር!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ታሕሳስ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድም ምልጋሶም ኣብ ጽርሃ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዝርከብ ንኡስ መጋባእያ ነቶም ዕለት 16 ታሕሳስ ኣብ ናይ ልደት ሙዚቃዊ ምርኢት 2021 ዓ.ም. ንዝሳተፉ ስነ ጥበባውያን ተቐቢሎምን ሰላም ቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን እቲ ካብቲ ምርኢት ዝርከብ እቶት ኣብ ሊባኖስን ሃይቲን ንመደብ ሕንጸት መሳለጢ ዝውዕል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በዓለ ልደት ንዅሎም ሰባት ሓጐስን ተስፋን ዘለዓዕል ብምግባር ለውሃት ኣምላኽ ናብ ዓለም ዘውርድ እዩ። እዚ ስምዒት እዚ ኸኣ “ንስኻትኵም ስነ ጥበባውያን እውን በቲ ተውህቦኾም ኣቢልኵም ነዚ መንፈስ እዚ ብኸመይ ከም እትሕድሱን እተስፍሑን ትፈልጡ ኢዅም፥” ብዝብላ ቃላት ኣቢሎም ነቶም ዕለት 16 ታሕሳስ ንበዓለ ልደት 2021 ዓ.ም. ሙዚቃዊ ምርኢትን ንዘቕርቡ ሰላም ቢሎም፥
ለውሃት ካብ ፍቕሪ ኢዩ ዝመጽእ ካብ ፍቕሪ ዝምንጨው ቋንቋ እዩ። ንቘልዓ ከተፍቅሮ እንከሎኻ ትሓልየሉ ንዓርክኻ ሕጺትኻ ነታ ናትካ ዝኾነት ብጸይትኻ ከተፍቅራ እንከለኻ ካብ ፍቕሪ ብዝምንጨው ምፍታው ትሓልየላ ወስታ ፍቕሪ እቲ ኣዚዩ ቀሊል ዝኾነ ተግባር እዩ (. . .) ቋንቋ ኣምላኽ ምቅርራብን ድንጽጋጸን ለውሃትን ኵና እንክብል ደጋጊመ ከዘኻኽር እፈቱ! እዘን ሰለተ ቃላት - ተግባር ዝተተሓሓዛ እያተን።
እቲ ኢየሱስ ኣብ ባዕቲ ምውላዱ ዝገልጽ መርኣያ ምሉእ ናይ ለሃት መግለጺ ምስሊ እዩ፥
ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብ ግረቾ በቲ ህያው ዝኾነ ናይ በዓለ ልደት መገጺ ኣቢሉ ንፈለማ ግዜ ኢየሱስ ኣብ መብልዕ ማል ምውላዱ ብጭቡጥ ነቲ ኣብ በዓቲ ቤተ ልሔም ዘጋጠመ ነገር ከስተንትኖን ከኽብሮን ደለየ። ቅዱስ ፍራንቸስኮ ለውሃት ዝመልኦ ድማ ብምንባሩ ብዛዕባ እቲ ወዲ ኣምላኽ እተወለደሉ ድኽነት ከም ዝሓስብ ገበሮ።
ፍሽኽታ ቘልዓ ነቲ ተሪር ልቢ የምክኽ
ፍቕሪ ሓጐስን ሓድሽ ህይወትን ተፍሪ ብዝብላ ቃላት ኣቢሎም ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ዓለም ዘይዕዱላት ዝበሃሉ እናሓሰቡ ስለዚ እቲ ዝቐርብ ምርኢት ነቶም ዘይዕዱላት ዝበሃሉ ሓገዝ ዝውዕል እዩ። ብዙሓት ነቲ ምርኢት ክርኡ እያቶም፥
ኣብቲ ንበዓለ ልደት ዝቐርብ ሙዚቃዊ ምርኢት ልዕሊ ዅሉ ኣብተን ኣብ ከቢድን ሓደገይናን ኵነት ዚርከባ ክልተ ሃገራት ቈልዑን መንእሰያትን ማለት ኣብ ሃይትን ሊባኖስን ንዘለዉ ንምድጋፍ ዝሃቀነ እዩ። ሊባኖስ በቶም ወትሩ ድጋፍ ካብ ምቕራብ ድሕር ብዘይብሉ መሃዝያን ኣባላት ማሕበር ሳሊዢያን ትጸናናዕ እዚ ብሓቂ ተስፋ ህይወት እዩ። ሃይቲ እውን በቲ ናይ ካቶሊካዊት ትምህርቲ ዝኸታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ኣቡነ ዛኒ ብዝብዕቀብ ብጳጳሳዊ ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ መርበባዊ ማሕበር እውን ሃገዝ ይቐርብ ኣሎ።
ነቶም ስነ ጥበባውያን “ሙዚቓዅም ነቶም ዝሳቐዩ ምእንቲ ከይርስዑ ጭቡጥ ተግባር ምእንቲ ክነቓቓሕ ነዚ ሰናይ ተግባር እዚ ኣልባብ ክኽፈት እትሕግዙ ኢኻትኩም እዚ ኸኣ ነተን ንደቃተን መጻኢ ከህባ ሃንቀው ንዝብላ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ሓጐስ ዘምጽኣሎም እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ጥበብ ሕውነት
እቲ ኣብ ቤተ ልሄም ዝነበረ ተስፋ ምስ ለውሃትን ሓጐስን ተተሓሒዙ ኣልባብ ሰብ የወዓውዕ። ካብ “ዝኾነ ይዅን ኣገልግሎት መውሃቢ ቅርጽታት እተገሉ” ከምኡ እውን “ናይ ዘተ ባህሊ ዝዓግት” ንገዛእ ርእሱ እቲ ዝዓበየ ለበዳ እዩ ቢሎም ንዅሎም መንእሰያት ዕቤትን ስራሕ እውን ንኽረክቡ ኣጋጣሚታት ንምርካብን ንመደብ ህንጸት ዝውዕል ሓገዝ ንቕራብ “ዘርኢ ተስፋ ችለ ዘሕድር፡ ብርሃን በዓለ ልደት ንትርጒም ሕውነት ዳግም ከምእንረኽቦን ምስቶም እተሸገሩ ሓድነት ንኽንገብር ይድርኸና፥”
ንስኻትኩም ድማ ብኡንብኡ ብስነ ጥበብኵም ኣቢልኵም ሕውነት ትፈጥሩ። ስነ ጥበብ ሕውነት እዩ ዝፈጥር። ኣብ ቅድሚ ስነ ጥበብ ጸላእን ፈታውን የሎን ኩላትና ማዕረን የዕሩኽን ኣሕዋትን ኢና። ቋንቋዅም ፍርያም ዘርኢ እዩ!
ቢሎም ቅዱስነቶም ነቶም ስነ ጥበባውያን ስለቲ ልግሶም እንደገና ኣመስጊኖም “ወትሩ ልኡኻት ለውሃትን ሓጐስን ተስፋን ኵኑ” ቢሎም ሰላምታ ተለዋዊጦም ከም እተፋነዉ ኣፍሊጡ።