ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ዝተሓደሰ ሰብኣዊ ማሕበረሰን ህይወት የኽብር ንዅሉ ሓልዮት ዘርኢ እዩ!

ናብ ላዕሊ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ካልኦት እውን ክንጥምት ከም ዘሎና ገሊጾም ባሕረ ግሪኽ ዝተፈላለየ ህዝብን ባህልን ዘራኽብ ድልድል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ኣብ ኣተንስ ብዛዕባ ዜጋ ዝገልጽ ሓሳብ ኣምር ደሞክራስን ተወልደ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ሎሚ ሕብረት ኤውሮጳ ከይኑ ዘሎ ክፍለ ዓለም ከምኡ እውን ነቲ ንብዙሓት ህዝብታት ሰላምን ሕውነትን ዝውክል ሕልሚ መግለጺ ከምዝኾነ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ግሪኽ ዕለት 4 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ናይታ ሃገር ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ንሰበ ስልጣን ግሪኽን መራሕቲ ሃይማኖትን በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ግሪኽ ናይ ዝተፈላለያ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ኣብዚ እዋን እዚ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ ንህይወት ከም ውህበት ዘኽብር ሓድሽ ሰብኣውነት ክስዕቡ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንግሪኽን ኤሮጳን ናብ ኣምላኽ ብምጥማት ከምኡ እውን ንድኻታትን ንፍጥረትን ብምጭናቕ እተሓደሰ ሰብኣውነት ኣብ ምርግጋጽ ክዓዩ ተማሕጺኖም ብዘይካ እዚ ምርጫ ሞት መሰል ከም ዘይኮነን ሰብኣዊ ህይወት ክኽበር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ደረት ሰገርን ሰብኣዊ ማዕቅንን

ኣተንስን ግሪኽን ናይ ስልጣነ መበቆም ብምዃነን ብዘይ ኣተንስን ብዘይ ግሪኽን ኤውሮጳን ዓለምን እቲ ሎሚ ዝኾንዎ ኣይምኾነን። . . . ሰብ ንምዃን ልዕል ዝበለ ነገር የድልየና። ወንጌል ብቋንቋ ግሪኽ እዩ ዝተጻሕፈ፡ ቋንቋ ግሪኽ ድምጺ መለኮታዊ ጥበብ ድማ ኮነ።

ደሞክራስን ፖልቲካን ሓባራዊ ጥቕምን

ናብ ላዕሊ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ካልኦት እውን ክንጥምት ከም ዘሎና ገሊጾም ባሕረ ግሪኽ ዝተፈላለየ ህዝብን ባህልን ዘራኽብ ድልድል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ኣብ ኣተንስ ብዛዕባ ዜጋ ዝገልጽ ሓሳብ ኣምር ደሞክራስን ተወልደ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ሎሚ ሕብረት ኤውሮጳ ከይኑ ዘሎ ክፍለ ዓለም ከምኡ እውን ነቲ ንብዙሓት ህዝብታት ሰላምን ሕውነትን ዝውክል ሕልሚ መግለጺ ከምዝኾነ ገሊጾም፡ ፖለቲካ ነቲ ዝደኸመ ሕብረተሰብ ቀዳምነት ክህብ ዘለዎ ናይ ሓባር ሰናይ ጥበብ ክኸውን ከም ዘለዎ ብምዝኽኻር፡ ናብ የማን ወይ ኣብ ክንዲ ናብ ጸጋም ዚጐዓዝ ናብ ማሕበራዊ ፍትሒ ካብ ምግምማዕ ናብ ሱታፌ ካብ ገዛእ ርእስና ኣትሒዝና ንጒጅለታትና ጥራሕ ካብ ምድጋፍ ንኹሎም ብምድንፋዕን ብንጡፍነት ክንጽመድ ኣሎና። እዚ ኸኣ ኣብ ከም ከባቢ ኣየር ለብዒ ሓባራዊ ዕዳጋ ንላዕሊ ኵሉ ድማ ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ድኽነት ንምእላይ ስጒምቲ ንምውሳድ ዝድርኽ እዩ ክኸውን ዘለዎ። እዚ ኸኣ ፖለቲከይናታት ካብ ብሕታውን መጠነ ሰፊሕ ሃገራውነትን ንላዕሊ ሓባራዊ ድሌት ከማእኩሉ ይድርኾም ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ምኽንኻን ተፈጥሮን

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም እዚዩ ዝርአን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ብዙሕ ሓምላይ ሃብቲ ከም ዝባደመን እንተዀነ ግን ከምቲ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ምስ ኣጋጠመ ከምቲ ርግቢ ናብ ኖህ ዘምጸአቶ ቆጽሊ ኣውሊዕ ምልክት ለውጥን ሕውነትይን የድልየና ኣሎ። ስለዚህ ወለዲ ንግብዝና ወለድኦም ምእንቲ ከዕደዩ እቲ ለውጢ ኵነታት ኣየር ንምብዳህ ዝተኣተወ መብጽዓ ምሉእ ብምሉእ ክኽበር ተስፋ እገብር ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ስደተይናታት

መጽሓፈ ዘዳግም ኣብ እዋን ዓጺድ ነቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ዘይኰኑ ሰባት ዝኸውን ይሕደግ ነይሩ። ኵሉ ምእካብ ዘይኮነ ንኻልእ እውን ዝሓስብ ልምዲ ምንባሩ የመላኽት። . . . ግሪኽ ናብ ደሴታታ ዝኣትዉ ስደተይናታት ከምዝነበሩን እዚ ኸኣ ድሕሪ ቝጠባዊ ቅልውላው ዝነበረ ጸገም ኣዛይድዎ እዩ። ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ስደተይናታት ሰጋእ መጋእ ትብል ኣላ እዚ ድማ የጒህየኒ፡ ኣክንዲ ዓንዲ ሓድነት ትኸውን ግዳይ ናይ ሃገራዊ ቀጥዒ ኣልቦ ሃገራዊ ጥቕሚ ኮይና ኣላ። ሓድሓደ ግዜ ድማ ተዓጊታ ዘይተሓባበሪት ኮይና ትርአ። ጒዳይ ስደተይናታት ኣብ መንጐ ክፍሊ ዓለም ደቡብን ሰሜንን ምስሕሓብ የምጽእ ኣሎ።

ብዛዕባ ስደተይናታት ዓለም ለኻውን ሓባራውን ኣረኣእያ ክህሉ ኣተባቢዖም ምስ ዓቕሚ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ብዚሰማማዕ መገዲ ነቶም ስደተይናታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሰብኣዊ መሰላቶምን ክብረቶምን ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኬኽብሩ ሓንጐፋይ ኢሎም ምእንቲ ኪቕበልዎምን ዕቝባ ምእንቲ ኪረኽቡን ክወሃሃዱን ድማ ነቶም ዝያዳ ሓገዝ ዜድልዮም ኣቓልቦ ኪግበረሎም ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ምትሕልላይን ስቓይን

መከራ የሕብር፡ ኵላትና ክፍሊ ሓደ ዘይፍጹም ሰብኣዊ ፍጥረት ምዃንና ምፍላጥ ዘቀራርብን ሰላማዊ መጻኢ ንኽንሃንጽ ዚሕግዘና እዩ ክኸውን ዘለዎ እዚ ለብዒ እዚ ድኻምነትናን ንኻልኦት ዘሎና ድሌትን ከም እነስተውዕል ገይሩና ኣሎ። ኣብ መንጐ ዓቢይ ጸገማት ኣብቲ ኸባቢ እትረክብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እዚ ምስትውዓል እዚ እቲ ስቓይ ምስ ተኣልየ ከይዝንጋዕ ብዅለ መዳይ ኣገልግሎታ ተበርክት ኣላ።

ሕይወትን ሞትን

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ህይወትን ሞትን እውን ኣማእኪሎም እቲ ኣቦ ስነ ሕክምና ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግሪኻዊ ሂጵቅራጠስ ብስሙ ናይ ስነ ሕክምና ሙያተይናታት ዝፍጽምዎ “ቃለ መሓላ ሂጶቅራጠስ” ኣብዚ ግዜና እዚ ብፍላይ ከኣ ነቶም ገና ዘተወልዱ ቈልዑ ኣስተውዕሎ ክህሉ ዝሕግዝ እዩ። ካብ ሞት ህይወት ዝብል እዩ። . . . ምእንቲ እዚ ተነቀፍትን ኣረጋውያንን ከይሕደጉን ከይንጸገጒን ዝድርኽ እዩ። “ህይወት ደኣ እምበር ሞት መሰል ኣይኮነን” ቢሎም ናይ ኣተንስ ስልጣነ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘጓንፍ ዘሎ ጸገም መፍትሒ እዩ። ነቲ ንኤውሮጳን ዓለምን ዘድልዮ እተሓደሰ ሰብኣውነት መሰረት እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ ዝተሓደሰ ሰብኣዊ ማሕበረሰን ህይወት የኽብር ንዅሉ ሓልዮት ዘርኢ እዩ!
07 Dec 2021, 08:23