ር.ሊ.ጳ. ኣብ ንጽሕና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቅዱሳን ዝገብር ትሕትና ተገልጸ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዕለት 8 ታሕሳስ ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም ንጽሕት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእ ዝመጹ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ኣብናይ ዕለቱ ወንጌል ኣማእኪሎም ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዝለገሱን ቅዱስነቶም ዝለገስዎ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣሕዋተይን ኣሓተይን ናይዚ ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና ዓመታዊ በዓለ ንጽሕቲ ቅድስተ ድንግል ማርያም መሰረት ናይ ሎሚ ሊጡርጊያ ዘቕርበልና ናይ ዕለቱ ካብ ማርቆስ ወንጌል ምዕ. 1, 26-38 እተሰወስደ ምንባብ ናብታ ማርያም ብስራት ቅዱስ ገብራኤል ዝተቐበለትና ኣብ ናዝሬት ናብ እትርከብ ቤታ ከም እንኣቱ ይገብረና። ሓደ ሰብ ኣዚዩ ጽቡቕ ዝርከበሉን ብዝያዳ ገዛእ ርእሱ ኮይኑ ዝስምዓሉን ድማ ኣብ ቤቱ እዩ። ናይ ሎሚ ወንጌል ኣብታ ውሳጣዊት ዝኾነት ቤት ጽባቔ ልበ ማርያም ይገልጸልና።
እቲ መልኣኽ “ጸጋ ዝመልኣኪ” እንክብል ሰላም ይብላ። ማርያም ምልእተ ጸጋ እንተደኣ ኰይና ብዘይ እከይን ሓጢኣት ዘይብላ ንጽሕት ኢያ ማለት እዩ። እቲ ምንባብ ከምዝገልጾ ድማ ማርያም በቲ ዝቐረበላ ዓይነት ሰላምታ ተገሪማ ጥራይ ዘይኮነ “ኣዝያ ትርበሽ” (ሉቃ. 1,29) ከምዝነበረትን እቲ መልኣኽ ዘቕረበላ ሰላምታ ንዓዓ እዚዩ ዝለዓለ፡ ዳርጋ ከምይ ቢሉ ይግብኣኒ ብዝብል ተመስጦ ትቕበሎ፡ ሓድሓደ ግዜ ዓቢይ ሰላምታ ኽብርን ናእዳን ምርካብ ትዕቢትን ድፍረትን ኬለዓዕል ይኽእል እዩ። ኢየሱስ ነቶም ኣብ ኣደባባያት ዓቢይ ሰላምታን ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ዝለዓለ ስፍራን ንዝደልዩ መምሰልቲ ትሕትናን ለውሃትን ንዘይነበሮም ሰባት እንታይ ከምዝበሎም ንዘክር (ሉቃ. 22,46)። ማርያም በቲ ሰላምታ ገብርኤል ትጭነቕ እምበር ልዕልና ኣይተሰመዓን። ኣብ ክንዲ እትድነቕ ትግረም። እቲ መልኣኽ ዝሃባ ሰላምታ ካብኣ ዚዓቢ እዩ ዚመስል። ስለምንታይ? ብውሽጣ ንእሽቶ ኰይኑ ስለ ዝስምዓ፡ እዚ ትሕትና እዚ ጠመተ እግዚኣብሔር ዝማርኽ እዩ።
ስለዚ ኣብ ውሽጢ መካበብያ እታ ናዝራዊት ቤት ዜደንቕ ባህርይ ልበ ማርያም ንርኢ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ማርያም እቲ ዝተበሃለቶን ዝቐረበላ ሰላምታን ኵሉ ብይግብኣኒ ኣይኮነን ዝተቐበለቶ . . . ምኽንያቱ ኵሉ ነገር ካብ ኣምላኽ እትቕበሎ ትሕት ካብ ምባል ስለ ዝኾነ። ኵለንተናኣ ካብ ገዛእ ርእሳውነት ናጻ ዝገበረት ናብ ኣምላኽን ናብ ካልኦትን እተደረኸት . . . ማንጽሕና ማርያም የዕንታ ንዓኣ ዘይኮነን ሓቀይና ትሕትና የዕንትኻ ንገዛእ ርእስኻ ዘይኮነ ንኣምላኽን ንኽልኦትን ዝጥምታ ኣብ ምዃነን እዩ።
እቲ መልኣኽ ነዚ ጸጋ ዝመልኦ ፍጽምና ማርያም ኣብ ኣደባባያት ከተማ ናዝሬት ዘይኮነ ኣብቲ ዓቢይ ትሕትናን ገዛእ ርእስኻ ትሕት ምባልን ኣብ ዝነበሮ ኣብ ውሽጢ መካበቢያ ቤት ከም ዝኣወጆ ኣይንረስዕ።
. . . ፍቑራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን እዚ ንዓና ዜደንቕ ዜና እዩ! ምኽናይቱ ጐይታ ኣባና ተኣምራት ንምግባር ዘሎና ብዙሕ ሃብትን ብሉጽ ክእለታትናን ዘይኮነ ዘድልዮ የገዳስ ትሕትናና ንኣኡን ንኻልኦትን ክፉት ዝኾነ ጠመተና እዩ ዘድልዮ። በዚ ኣብ ውሽጢ መካበቢያ ቤት ብዝኸወኖ ብስራተ ገብርኤል ኣቢሉ እግዚኣብሔር ንታርኽ ይቕይሮ። ሎሚ እውን እንተዀነ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ማለት ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ዕዮታትናን ኣብ መዓልታዊ ናብራን ምሳና ዓቢይ ነገር ክፍጽም ይደሊ ኣሎ። ንሱ ኣብ ዓብየቲ ስፍራታት ዘይኮነ ኣብቲ ተራ መዓልታዊ ናብራ ኢዩ ክዓዪ ዝደሊ። ከምዚ ምዃኑ ግን ንኣምን ዲና? ወይ ከኣ ቅድስና ከም ሓደ ዩጦቢያ ነቶም ኣብዚ መዳይ ቅድስና ኣብ ዝምልከት ጒዳይ ምስ ዝዓዩን እምበር ምስ ተራ ዕለታዊ መነባብሮ ዘይቃደው ቢልና ኢና እንሓስብ?
ወንጌል ካብቲ ዕለታዊ ህይወትና ዝተፈልየ ካልእ እዩ ካብ ዝብል፡ ወንጌል ምስ ዕለታዊ ህይወት ክሰማማዕ ዝኽእል ኣኰነን ካብ ዝብል መታለሊ ፍካሬ ናጻ ንኽንወጽእ በማላድነት ቅድስቲ ንጽሕት ድልግል ማርያም ካብ ኣምላኽ ጸጋ ንለምን። ኣባና ናይ ቅድስና ውዕዉዕ ስምዒት ከወዓዋዕን እዚ ድማ ቅድስና ንምስልታትን ከምኡ ንዝኣመሰለ ነገር ዝምልከት ጉዳይ ከም ዘይኮነ ንኸነስተውዕል የዕትና ናብ ኣምላኽን ናብቲ እንራኸቦ ብጻይና ብምጥማት ትሑታትን ሕጉሳትን ካብ ገዛእ ርእስና ናጻን መዓልታዊ ዘጋጥመና ነገራት ኵሉ ንኽንነብር የለዓዕለና፡ ትብዓት ኣይነጥፍእ - ጐይታ ንዅሉ ሰብ ቅድስና ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ክነብር ዘኽእሎ መገዲ ኣንቢሩሉ እዩ። ክንዕወት ኣይንኽእልን ዝብል ምጥርጣር ምስ ዘጋጥመና ዘይብቑዓት ዝብል ስምዒት ክስምዓና እንከሎ እዚ ካብ ዝፈጥረልና ጓሂ ኵሉ ንኽንላቐቕ “በዕይንቲ ምሕረት” ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንኽንጥመት ንፍቀድ፡ ምኽንቱ ሓገዛ ዝሓተተ ተጠንጢኑ ስለ ዘይፈልጥ። እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣቤር ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅዱስነቶም ብሓባር ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተኣከቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ቅድሚ ምፍናዎም ምልስ ቢሎም እቲ ካብ ዕለት 2 – 6 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቆጵሮስን ግሪኽን ዘካየድዎ መበል 35 ኣህጉራዊ ሓዋርያዊ መገሻ ዘኪሮም፥ ኣብተን ክልተ ሃገራት ዝተገብረሎም ኣቀባብላን ዝቐረበሎም እንግዶትን ብሞሳ ዘኪሮም፡ ምስቶም ናይተን ሃገራት መንግስታትን ምስ ናይ ዘፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዘካየድዎ ርክብ ምስ ጻድቕነቶም ሀሮኒሞስ ዳግማውን ኣብቲ ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘካየድዎ ርክብ ኣገዳስነት ምትእምማንን ሓድነትን ሕውነትን ከም እተቓልሔን እቲ ምስ ስደተይናታት ዘካየድዎ ርክብ ሎሚ ናይ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስደተይናታት ህልው ኩነታት ብቐረባ ክንምልከትን ንምድጋፎም ቀረባ ክንክነው ዘነቓቕሕ ክኸውን ተስፋ እገብር። ኣብ ምወዳእታ ዕለት 8 ታሕሳስ ዓመት ቅዱስ ዮሴፍን ከምኡ እውን ዕለት 10 ታሕሳስ ዓመት ማርያም ዘሎረቶ ዝዛዘም ምዃኑ ገሊጾም ንዅሎም ኣብቲ ማርያማዊ ጸሎት ንዝሓበሩ ብፍላይ ንኣባላት ማሕበር ካቶሊካዊ ተግባር ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነው ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።