ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ በዓለ ልደት እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ትሕት ኣበለ!

ኣምላኽ ኣብ ንእሽቶ ነገር ደኣ እምበር ኣብ ዓቢይ ነገር ኣይተወጠሐን። ኪበጽሓናን ልብና ክትንክፍን ኬድሕነናን ናብቲ ዜገድስ ነገር ንኽንመልሰናን ዝመረጾ መገዲ መገዲ ትሕትናን ንኡስነትን እዩ!

ድሮ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምሸት ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፥ ኣብ ናይ ዕዮ ቦታ ዘጋጥም ሞት ከብቕዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እግዚኣብሔር ንኽበጽሓና ዝመረጾ መገዲ ናይ ትሕትና መገዲ እዩ እንክብሉ ኣጒሊሖም። ብናይ ዓለም ኣተሓሳስባ ንሕና ምናልባት ዓበይቲ ክንከው ንደሊ ንኸውን፥ እግዚኣብሔር ግና ንኽቐርበናን ኣዚዮ ቀረባና ንኽኸውን ‘ሓደ’ ከማና ኮነ ብፍላይ ከኣ ኣብ ድኽነት ምውላድ መረጸ” ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም፡ ከምኡ እውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተበገሰ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት ኣዘኻኺሮም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ኵሉ ክነጥፍ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንበዓለ ልደት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ እግዚኣብሔር ሓይልን ብርታዔን ዘይኮነ ለውሃትን ትሕት ምባልን መረጸ፥

ኣምላኽ ኣብ ንእሽቶ ነገር ደኣ እምበር ኣብ ዓቢይ ነገር ኣይተወጠሐን። ኪበጽሓናን ልብና ክትንክፍን ኬድሕነናን ናብቲ ዜገድስ ነገር ንኽንመልሰናን ዝመረጾ መገዲ መገዲ ትሕትናን ንኡስነትን እዩ!

በዓለ ልደት ዘምጽኦ ብድሆ

እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ይገለጽ፥ሰባት ግና ኣይተረድእዎን፥

ኢየሱስ ንኸገልግል እዩ ተወሊዱ! ንሕና ድማ ክብርን ልዕልናን ኣብ ምርካብ ዓመታት ነሕልፍ፡ ኣብ ቅድሚ የዕንቲ ዓለም ንርእሱ ትሕት ኣበለ፡ ንሕና ድማ ከም ዓለም ምናልባት እውን ብስሙ ዓበይትን ልኡላንን ንምዃን ንጽዕር ንኸውን፡ እቲ ልዕሉል መገዲ ትሕት ምባል ምዃኑ ብተግባር ከርእየና እንከሎ ንሕና ምናልባት በቲ እንደልዮ ዓይነት ኣገላልጻ ክንርአይ ንደሊ ንኸውን፡ ኣምላኽ ነቶም ሓደኳ ቍሊሕ ዘይብሎም ዘይረኣዩ ጓሶት ይደልዮም ንሕና እቲ ዝርአይ ኢና እንደልይ!

ንኡስ ዘበለ ኵሉ ዝመርጽ፥ ዕብየቱ ትሕት ኣብ ምባልን ንኡስ ኣብ ምዃንን ይገልጾ፡ እዚ ምስ ኣተሓስስባ ዓለም ዝገራጨው እዩ፥

እቲ መላእ ዓለም  ዝሓቍፍ - ኵልዊ ሓቛፊ ክነሱ ክሕቈፍ መረጸ። እቲ ጸሓይ ዝፈጠረ ብሕቑፎ ሰብ ክማሙቕ ደለየ። ሓልዮት ክነሱ ሓልዮት ሰብ ኣድለዮ። እቲ ኢትኣላው ፍቕሪ ከም ኵሉ ሰብ ንእሽቶ ልቢ ዘለዎ ኰነ። እቲ ዘለኣለማዊ ቃል ገና ኣፍ ክኸፍት ዘለዎ ሕጻን ኩነ እንጌራ ህይወት ክነሱ ክም ኵሉ ክዕንገድል ደለይ፥ እቲ ገባሬ ዓለም መሕደሪ ዘይብሉ ኩነ!

ትሕት ኣብ ምባል ዘሎ ዕብየት

ቅዱስነቶ እቲ ንእስ ኣብ ምባልን ንእሽቶ ኣብ ምዃን ዘለዎ ጸጋ ብግብሪ እንታይ ማለት ምዃኑ እንከረድኡ፥ “እግዚኣብሔር ኣብ ናይ ሕይወትና ንኣሽቱ ነገራትን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ኪኣቱ ደለየ፡ ኣብ ቤትናን ስድራ ቤትናን ኣብ ዕዮታትናን ኰታ ኣብ ኵሉ ንጥፈታትና ኪነብር ደለየ፡ ኣምላኽ እቲ ዘደንቕ ነገራ ኣብ ተራ ህይወት የስተርእዮ፥

ምሉእ ስርዓተ ቅዳሴ ር.ሊ.ጳ. ኣብ በዓለ ልደት ለይቲ

ስለ እቲ ዘይብልና ዕብየት ዝፈጥረልና ጣዕሳ ንሕደጐ። ነቲ ምጒርምራምን ዘይዕጋብነትን ንድሕሪ ንሕደጐ! ኢየሱስ ኣብ ነኣሹ ነገራት ሕይወትና ዘይኮነስ ኣብ ንሽቶነትና እውን እዩ ኪመጽእ ዚደለየ፡ እዚ ኸኣ ድኹማት ተነቀፍትን ዘይብቑዓት ኮይና ኣብ ዝስምዓና ዓይነት ሕይወትና ገዛእ ርእሱ ኣእተወን ኮኖን እውን። ንኡስ ምዃንካ ኣየሰንብደንን እዩ ተኣፋፍነትካ እውን ኣየጨንቐንን እዩ ይብለና!

ኣሕዋተይን ኣሓተይን፥

ከምቲ ኣብ ቤተ ልሄም ዝነበረ ጸልማ ከቢቡካ እንተ ኰይኑ ኣብ ከባቢኻ ዘይምግዳስ ዝመልኦ ኮይኑ ዝስምዓካ እንተ ኮይኑ እቲ ኣብ ውሽጥኻ ሒዝካዮ እትነብር ቍስሊ፥ ዋጋ የብልካን ኣይክትፍቀርን ኢኻ እናበለ ዝጭድር እንተድኣ ኮይኑ፡ ኣብዛ ለይቲ እዚኣ እቲ ዝውለድ እግዚእብሔር መልሲ ይህበካ ኣሎ፡ አፍቅረካ እየ ይብለካ ኣሎ!

ጓሶት ትሑታት ሰብ ዕዮ

“ኢየሱስ በቶም ትሑታትን ድኻታትን ክጓስዩ ብዝወጹን ድኻታትን መደባትን ናይ ሰዓታት መረሓ ግብርታት ዘይነበርሎም ኣብ መጓሰኦም ዚምርኰሱን ተኸቢቡ እዩ ዝተወልደ፥”

ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዘጋጥም ሞት ይኣክል!

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ብዛዕባ ጻዕቂ ስራሕን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዘጋጥም ሞትን ናይ ሰብን ስራሕን ክብርን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ኣማኣኪሎም፥

ኣምላኽ ሎሚ ምሸት ነቲ ጻዕሪ - ስራሕ ሰብ ክብሪ ከስርጸሉ መጸ፡ ሰብ ጐይታ ስራሕ እምበር ጊልያ ስራሕ ስለ ዘይኮነ እዚ ኸኣ ንዕዮ ሰብ ክብሪ ክወህቦ ከምዘለዎ የዘኻኽረና፡ ምእንቲ እዚ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዘጋጥም ሞት ከብቕዕን ኣብዚ መዳይ እዚ ኣበርቲዕና ክንዓዪ ቃል ንእተው!

ኪርሳዕ ዘይብሉ ሓቂ

ኢየሱስ ኣብ እቲ እተረስዐ ከባቢ እዩ ዝተወልደ።  ክብሪ ሰብ ኣብ ዝፍተነሉ እዋን እዩ ዝመጸ። ነቶም እተገሉ ክብሪ ይህቦም። ልዕሊ ኵሉ ድማ ነቶም እተገሉ ክብሪ ክህቦም ነቶም ስነ ባህላውያ ሰባት ዘይኮነስ ነቶም ጻዕራማት ድካታት እዩ እተገለጸሎም።

ሸለልትነት

“ንኡስ ምዃንካ ምቕባል ማለት ንኢየሱስ ኣብቶም ዝነኣሱ ሓንጐፋይ ቢልካ ምቕባል ማለት እዩ። ካብ ኵሉ ንላዕሊ ነቲ ድኻ ኮይኑ ዝተወልደ ኢየሱስ ተምሳሉ እያቶም። ንሱ ኣባታቶም እዩ ኪኽበር ዚደሊ” ቢሎም፥

ኣብዛ ፍቕሪ ዝዓሰላ ለይቲ እዚኣ እቲ ዘጥቅዓንና ፍርሒ ሓደ እዩ፡ እዚ ኸኣ ፍቕሪ ኣምላኽ ምጒናይን ንድኻታት ዘይምግዳስን ከነርእይ እንከሎና ዝኽሰት ጥራሕ እዩ። ኣብዛ መሬት እዚኣ ሰማይ ዘይረኸበ ኣብኡ ኣብ ኢየሱስ ብምልኣት ክረኽብዎ እያቶም። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንኢየሱስ ንኸናኸን ንስኡናት ኣብ ምክንኻን እዩ!

ጒዕዞ ሲኖዳውነት

ልክዕ ከምቲ ናይ ኢየሱስ በዓቲ ሎሚ እውን እንተዀነ ኣብ ጒዕዞ ሲኖዶስ ኵሎም ተራን ሊቃውንትን እዮም ዝተጸውዑ፥ ሊቃውንቲ ሰብኣ ሰገልን ጓሶትን ትሑታንን . . . ኣብ ቤተ ልሄም ድኻታትን ሃብታማትን ብሓባር እዮም ዝተረኽቡ። . . . ኢየሱስ ማእከል ናይቶም ዝኸበብዎ ምስ ኰነ ኵሉ ተሓደሰ። እቲ ብዛዕባኡ ዝነበረና ዝተሓደሰ ኣተሓሳስባ ዘይኩነስ ህያውነቱ እዩ ማእከል ዝዀነ . . . ናብ ቤተ ልሄም ንመለስ፥

ነቶም ናብ ቤተ ልሄም ዝነገዱ ሰብኣ ሰገል ንጠምት ልክዕ ከማታቶም ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጒዕዞ ሲኖዶስ ናብ ቤተ ልሔት እያ እትነግድ፡ ኣብቲ እግዚኣብሔር ኣብ ሰብ ሰብ ኣብ እግዚኣብሔር ዝኾነሉ - ዘለሉ ስፍራ። ኵሉም ጓሶትን ሊቃውንቲ ሰብኣ ሰገልን ብዘይ ዝኾነ ይዅን ናይ ምግምማዕ መደብ ብሓባር ናብቲ ደው ዚበሉሉ ስፍራ፡ እግዚኣብሔር ድኻታትን ኣሕዋትናን ዝህበና እትውድስን እተምልኽን ቤተ ክርስቲያን ክንከውን ስለ ዝደልየና እዩ። እሞ ናብ ቤተ ልሔም ከም ኣሕዋት ኣሓትን ብሓባር ንመለስ!

ህይወት ንግደት እዩ፥

ንተንስእ ባህ ይበለናን ፍሽኽ ንበል ከመይሲ ሎሚ ምሸት ብርሃን በሪሁልና እዩ! እዚ ሕያውነት ዝመልኦ ብርሃን ኢዩ ኣብ ንኡስነቶም ዝተፈቐሩ ደቂ ብርሃን ኢና፡ ዋላ ሓደ ሰብ ከቶ ኣይክጠፍእን እዩ!

ምስጢረ ውልደት ኢየሱስ

ቅዱስነቶም ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 2, 11 “ምኽንያት ሎም መድሓኒ ክርስቶስ ጐይታ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ” ዝብል ቃል ጠቒሶም እቲ ነዚ ብስራት እዚ ዝነገረ መልኣኽ ኣስዒቡ ዘደንጽው ነገር ይነገር፥  “ምልክት ከኣ እዚ ይኹነልኩም፥ በጭርቕቲ ዝተጠቕለለ ሕጻን ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ክትረኽቡ ኢኹም” ዝብል ኣብ መልዒ ማል ዋዕዋዕታ ዘይብሉ ‘ሓደ ሕጻን’ ጥራሕ፥ እቲ ወንጌል ብዛዕባ ውልደት ኢየሱስ ካብቲ ቈሳር ኣጉስቶስ ናይ ህዝቢ ቈጸራ ውሳኔ ኣብ ዘመሓላለፈሉ እዋን። እዚ ኸኣ ናይቲ ሓጸይ ዕብየተ በትረ ስልጥን ዘርኢ እዩ። ወንጌል ነዚ ምስ ገለጸልና ናብ ቤተ ልሔም ድማ ይወስደና ናብቲ ድኻ ቘልዓ ብኣጭርቕቲ እተጠቕላለን ብጓሶት እተኸበን ኣብ ድሕነትን ትሕትናን ዘሎ ዕብየት ኢየሱስን ዕብየት እቲ ሃጸይን ብምንጽጻር የቕርበልና። ኣብኡ ድማ እግዚኣብሔር ኣሎ። በዚ ዕንቅፋት ዝኾነ ዘደንጸው ኩነት እዚ እግዚኣብሔር ንኸሕልፈና ንፍቀደሉ” እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ለይቲ በዓለ ልደት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ በዓለ ልደት እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ትሕት ኣበለ!
25 Dec 2021, 21:29