ር.ሊ.ጳ. ንሓገዝ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓባራዊ ፖለቲካዊ ውሳኔ ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ በዓለ ልደት ዕለት 22 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብዚ ሞትን ሃለዋት ምጥፋእን ስደተይናታት ኣብ ማያት ባሕሪ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ነዚ ዘሕዝን ፍጻሜ ብዙሓት ኣሕዋትና ኣሓትን እናሓሰቡ ጒዳያት ስደተይናታት መሰረታዊ ፍታሕ ክረክብ ህጹጽ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ስጒምቲ ክውሰድ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መንጎ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ሰበ ስልጣንን ኤውሮጳ ንህወትን ክብርን እቶም ናብ ኤውሮጳ ንዝመጹ ስደተይናታት ንምሕላው ዜኽእል ጭቡጥ መፍትሒ ንምርካብ ብሓባር ኣበርቲዖም ክዓዩ ጻውዒት ከምዘቕረቡን ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቆጵሮስን ግሪኽን ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ “ምስቶ ዝቖሰሉ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ስደተይናታትን ተመዛበልትን” ከም ብሓድሽ ከም እተራኸቡ ኣዘኻኺሮም ንመብዛሕቲኡ ሳዕቤን ናይቲ ኣብ ከባቢ መዲትራኒያን ዝረአ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ዝጻወራ ዘለዋ ውሑዳት ሃገራት ኤውሮጳው ጥራሕ እየን ከም ሓቂ ግን ዝኾነት ትዅን ሃገር ካብዚ ሓላፍነት እዚ ናጻ ክትከውን ዝከኣል ኣይኮነን እዚ ጉዳይ እዚ ሓባራዊ ሓላፍነት ዝሓትት እዩ” ቢሎም ድሕሪ እቲ ኣብ መዲትራኒያን ዘጋጠመ ካልእ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ ኸኣ ብውሑዱ 160 ስደተይናታት ኣብ መንጎ ሊቢያን ኢጣሊያዊት ደሴት ላምፐዱዛ ኣብ ዘሎ ባሕሪ ከም ዝጠሓሉ ዝተነግረ ዜና ከም ዝበጽሖም እውን ክምዝገለጹን ዓቢይ ጓሂ እውን ይፈጥረለይ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ኵሉ ሓላፍነት
ሳላ ሰበ ስልጣናት ኢጣልያ ዘርእይዎ ልግሲ ምስቶም ናብ ኢጣሊያ ንኽኣትዉ ዝኸኣሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከምእተራኸብዎምን ገሊጾም “ገለ ካብኣታቶትም እውን ኣብዚ ኣብ ማእከልና ይርከቡ፡ እንቋዕ ብደሓን መጻእኵም ከም ቤተ ክርስቲያን መጠን ድማ ክንከናኸነኵም ኢና፡ እዚ ንኻልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ከም መነቓቕሒ ኰይኑ ከገልግል ተስፋ እገብር ንእሽቶምልክት እዩ እዚ ኸኣ ነቶም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጭቡጥ ሓገዝ ንኽረኽቡ ዝድርኽ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ቀጻሊ ስጒምቲ
እተሸገሩ ሰባት ተቐበሉ ኣብ ምቕባሎም ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ንኵልንትናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት እውን ድጋፍ ኣሎ። ብዙሓት ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ሃይማኖታውያን ጒባኤታት ከምኡ እውን ካቶሊካውያን ማሕበራት ሓንጐፋይ ቢለን ክቕበለኦም ናብ ውጽኢታዊ ኵለንትናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ከሰንይኦም ድልዋት ኢያተን፡ እቲ ዘድሊ ልቢ ምኽፋት ጥራሕ እዩ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።